ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ቤት/ጽሕፈት ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ሽማግለበይኤርያ
لمكتب االقليمى ألمريكا الشمالية المجلس الوطنى االرترى للتغيير الديموقراطى منطقة خليج سان فرانسيسكو كاليفورنيا اللجنة
Eritrean National Council for Democratic Change Regional Office of North America Bay Area Committee
መሪሕነት ጨንፈር በይ ኤርያ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ዑዶት ናብ ከባቢኣ ዝርከባ ከተማታት ንኻላኣይ መስርሕ ጉባኤ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንምዕዋት መደባታ ቆጸራታት ሰሪዓ ህዝባዊ ኣኼባታት ከተካይድ ተዳልያ ኣላ። መሪሕነት ጫንፈር በይ ኤርያ ካሊፎርነያ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ከምቲ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ሓቢርናዮ ዝነበርና ደለይቲ ፍትሒ ተቐማጦ ህዝቢ በይ ኤርያ ብዕለት 4/4/2015 ህዝባዊ ኣኼባ ጌሩ ብዲሞኩራስያዊ ኣጋባብ ሓዳስ መሪሕነት ኣቚሙ ከም ዝነብረ ኣቃሊሕና ክም ዝነበርና ዝዝከር ኢዩ። እታ ተመርጸት መሪሕነት ጨንፈር ብህዝቢ ዝተቐበሎቶ እምነት ናይ ስራሕ ሓላፍነት ብጉብእ ንኽትሰርሓሉ ነብሳ ንምስራዕ ብዕለት 9/4/2015 ኣኼባ ኣካይዳ፤ካብዚ ብምብጋስ ብመሰረት ቅርጺ ስርርዕ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞኩራስያዊ ለውጢ መሪሒነት ጨንፈር በይ ኤርያ ነብሳ ሰሪዓ ክስራሕ ዘለዎ ዕማማት እውን ሪኣ። መሪሕነት ጨንፈር ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ናይ ስራሕ መደብ ንኽትሰርዕ ብዕለት 19/4/2015 ድማ ኣኸባ ኣካይዳ ኣብዚ ኣኼባ እዚ ነቲ ጽላል መቃለሲ ንቡዙሓት ተቓወምቲ ጠርኒፉ ዘሎ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንድሞኩራስያዊ ለውጢ ከዕውቶ ዝኽእል ነገራት ድሕሪ ምግንዛብ መደብ ሰሪዓ ተታሓሒዛቶ ከም ዘላ ንኹሉ ደላይ ፍትሒ ንሕብር። ካብቲ ሰሪዓቶ ዘላ መደብ ካብ ከተማ ኦኩላንዲ ናብ ከተማ ሳንታ ሮዛ ከይዳ ህዝባዊ ኣኼባ ክትገብር መዲባ። ንማዓስ ንቀዳም ዕለት 9/5/2015 ቦታ 1336 Temple Ave Santa CA 95404 በዚ ኣጋጣሚ እዚ” ንኹሉ ደላይ ፍትሕን፥ ሰላምን ራህዋን፥ ግዝኣተ ሕግን፥ ዲሞኩራስያዊ ለውጢ ፥ዝደሊ ሓፋሽ ህዝብና ተቐማቶ በይ ኤርያ ካሊፎርነያ ነዚ ሃገርና ኤርትራ ኣብትሕቲ ጨካን ኣራዊታዊ ስርዓት ህግደፍ ትሳቐዮ ዘላ ንህዝብና ካብዚ ሕሰመ መከራዚ ከነጋላግሎ ብዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ዕለትን ቦታን ስዓትን ነዚ መጸዋዕታዚ ተረዲእና ኣብ ግዜና ንኽንርከብ ሓደራ። ብድሓን ሙጽኡ መሪሕነት ጨንፈር በይ ኤርያ በዚ ኣጋጣሚ ንብጾትና ኣብ ሙሉእ ዓለም ዝርከቡ ጨናፍር ኤርትራዊ ሃገራኢ ባይቶ ንኻላኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት ክነጥፋ ነታባብዕ።