

ሱዳን ኣብቲ ኣብ ትግራይ ቀጻሊ ውግእ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ንኽትሽምግል ዘቕረቦ ዕድመ ሰበ – ስልጣን ኢትዮጵያ ኣይተቀበልዎን ።መንግስቲ ሱዳን እቲ ዝነበሮም ኣቕዋም ስለ ዝሕረቆ ሰንበት ናብታ ጐረቤት ሃገር ዝዀነት ኢትዮጵያ ኣምባሳደርኣ ከምእትስሕብ ገለጸት ።ቀዳማይ ሚንስተር ሱዳን ዓብደላ ሃምዶክ ብረቡዕ ምስ ጸሐፊ ጉዳያት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንክን ብጉዳይ ኣብ ስምየናዊ ዞባ ኢትዮጵያ ዝተከስተ ግጭት ድሕሪ ምዝታዮም እቲ ውግእውን ካብ መወዳእታ 2020 ኣትሒዙ ስጋብ ሕጂ ዝተፈናቐሉ ስደተኛታት ቁጽሪ ኣስታት 53,400 ከመዘለዉ ኣብ ሰዳን ገሊጹሉ ጌና ውን ይቅጽል ከምዘሎ ኣተሐሳሲቡ።
ቀዳማይ ሚንስተር ሃምዶክ ዘቅረቦ ጻውዒት ቢኢጋድ ኣቢሉ ናብ ኩለን ዓድታት ዘጠቃለለ ኢዩ ጻውዒት ሰዲዱ።እንተኾነ ግን ብሐሙስ ኢትዮጵያ ደንጉያ ዝሀበቶ ምላሽ ዕለት 8/5/2021 ኣፈኛ ናይቲ መንግስት ኣቢይ ኣሕመድ ሱዳን ነቲ ኣብ ሰምየን ኢትዮጵያ ዝከየድ ዘሎ ውግእ ማእከላይ ኮይና ክትዓርቅ ከምዘይትኽእል ነቲ መልእኽቲ ነጺጋቶ።ካብቲ ዝይመቀብሊኦም ሐደ ኻኣ ሱዳን መሬትና ወሪራ ሒዛ ኸላ ከመይ ጌራ ኢያ ዓራቂት ትኸውን ዝብል መግለጺ ሀበት።