ህጹጽ መጠንቀቕታ ንኹሉኹም ብሊብያ ናብ ሲደት እትውሕዙ ዘለኹም ስደተኛታት ኣመንቲ ክርስትና ( ናይ ሮይተርስ ቪድዮ ተተሓሒዙ ቀሪቡ ኣሎ) By assenna on April 19, 2015

Isis_Ethioሎሚ 19 ሚያዝያ ናይቲ ኣሸባሪ ጉጅለ ISIS ናይ ቪድይ ፕሮፖጋንዳ ብምውካስ ዝተዘርግሐ ሰነድ ከምዘመልክቶ፣  ISIS ኣብ ሊብያ ንዝሓዝዎም 30 ከም ‘ኢትዮጵያውያን’ ዝግለጹ ዘለዉ ኣመንቲ ክርስትና ስደተኛታት፣ ነቶም 15 ብብረት ብኣልማማ ክርሽኑዎም ከለዉ፣ ነቶም 15 ብኻራሩ ከምዝጎይሑዎም የርኢ። እቶም ኢትዮጵያውያን ዝብሃሉ ዘለዉ ስደተኛታት ኩሎም ወይ ገሊኦም ኤርትራውያን ክኾኑ ይኽእሉ እዮም።እዞም ብሊብያ ኣቢሎም ዝሓልፉ ዘለዉ ኢትዮጵያውያን ይኹኑ ኤርትራውያን ኣመንቲ ክርስትና ስደተኛታት ፣ ኣብ ርእሲ ‘ቲ ብጅምላ ዘህልቖም ዘሎ ናይ ባሕሪ ሓደጋ፣ ኣብ ባይታ ‘ውን ተወሳኺ ቕዝፈት ISIS ከምዘሎ ተገንዚቦም ልዑል ጥንቃቐ ክገብሩ ብጥብቂ ነዘኻኽር።ኣብ ስደት ዘለኹም ኤርትራውያን ኩኑ ኢትዮጵያውያን ነዚ ተኸሲቱ ዘሎ ኣረሜናዊ ናይ ህልቂት ተግባር ናብ ህዝብኹም ብምትሕልላፍ ንኽብደት ናይቲ ተፈጢሩ ዘሎ ሰይጣናዊ ኩነታት ክርድኡ፣ ኣብ ዓዶም ትዕግስቲ ገይሮም ክጸንሑ ወይ ለውጢ ንምምጻእ ክቃለሱ ከተዘኻኽሩዎም ግቡእ ከምዘለኩም ‘ውን ነዘኻኽር።

መሳኪን ብጸላእቲ ዝተኸቡ ስደተኛታት፣ መንግስቶም ጸላኦኦም፣ ምድረበዳ ጸላኢኦም፣ ባሕሪ ጸላኢኦም፣ ንሱ ከምዝወሓዶም ሕጂ ኸኣ ቅዝፈት ISIS ኣርኪቡሎም።

መዘኻኸሪ፣ እዚ ዝስዕብ ቪድዮ፣ ንሕና ከም ህዝቢ ንሞት ኣሽንባይ ዶ ሰሚዕናዮ ጥራይ ዋላ እናረኣናዮ ‘ውን ዘይንኣምን ህዝቢ ከም ምዃና መጠን ንክዉንነት ብልክዕ ክትግንዘቡዎ መታን ተገዲድና እነቕርቦ ዘለና ምዃኑ ተረዲእኩም፣ ምርኣዩ ዘሰንብደኩም እንተደኣ ኮይኑ ከይትኽፈቱዎ ኣቐዲምና ነዘኻኽረኩም።

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *