
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ኣባላት ካቢነን ላዕለዎት ሰበ-ስልጣንን ኣብ ግዴታዊ ወተሃደራዊ ስልጠና ክሳተፉ ዘርእዩ ስእልታት ኣውጺኡ። እንተኾነ፡ ፖለቲከኛታት ብሓደ ዓይነት ክዳን እናጎየዩ ከለዉ፡ ህዝቢ እታ ሃገር ግን ኣብ ከቢድ ሰብኣዊ መከራ ይርከብ።እዝስ ነቲ ወሪዱ ዘሎ መከራ ንምቅልባስ ዶ ኣይመስልን?
ቅልውላው ዶብ ሞያሌ፦
ብሰንኪ ውሽጣዊ ግጭታት፡ ኣስታት 40,000 ክሳብ 50,000 ዝግመቱ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ንህይወቶም ንምድሓን ብዶብ ደቡብ ናብ ኬንያ ከም ዝሰገሩ ይግለጽ ኣሎ። እዚ ኩነታት ኣብቲ ከባቢ ንዝርከብ ሰብኣዊ ረድኤት ከቢድ ጸቕጢ ፈጢሩ ኣሎ።
ዘይፈልዩ መጥቃዕትታት ድሮን፦
ኣብ ዞባታት ውሽጣዊ ግጭት ዝፍጸሙ ኣዕናዊ መጥቃዕትታት ኣየር ቀጺሎም ኣለዉ። እዞም መጥቃዕትታት ኣብ መዓስከራት ተመዛበልቲ ውሽጢ ሃገር (IDPs) እውን ወዲቖም፡ ንጹሃት ሰባት፡ እንተላይ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን፡ ከም ዝቐተሉ ዝቐርብ ሪፖርታት ኣሎ።
ኣብ ክንዲ መንግስቲ ንግጭታት ብቕልጡፍ ንምቁራጽ፡ ህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤት ንምቕራብን ህዝቡ ካብ መጥቃዕትታት ድሮን ንምክልኻልን ጸጋታቱ ከውፍር፡ ኣመርእርሐ ብልጽግና ግን ምርኢት ኣካላዊ ስልጠና ሰበ-ስልጣን ዝያዳ ትኹረት ከም ዝሃበ ነቐፌታታት ይቐርብ ኣሎ።
ሓይሊ ሃገር ብምስልጣን ሚኒስተራት ወተሃደራዊ ልምምድ ጥራይ ኣይህነጽን። ሓይሊ ሃገር ዝህነጽ ብሰላም፡ ብውሕስነትን ብምሕላው ህይወት ህዝብን እዩ።
እስከ ክንሕተት፦ ኣብ እዋን እዚ ኩሉ ግጭትን ስደትን ሰብኣዊ መከራን፡ ቀዳምነት መንግስቲ እንታይ ክኸውን ኣለዎ?
ኣብ ኮመንት ርእይቶኹም ኣካፍሉና።