
https://www.bbc.com/tigrinya/articles/cr59e7lj83no
4 ነሓሰ 2026
ንባብ: 3 ደቓይቕ
ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ክልል ትግራይ ዝተወለዐ ሓድሽ ግጭት ንካልእ ዙርያ “ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዘቃልዕ” ከምዝዀነ ኣጠንቂቑ።
ኣምነስቲ ወሲኹ፡ ምስ’ዚ ብዝዛመድ፡ መንግስቲ ፌደራልን ሰበስልጣን ክልል ትግራይን፡ ብፍላይ ድሕነት ሰለማውያን ሰባት ንምርግጋፅ፡ ዓለም ለኻዊ መትከላት ሰብኣዊ መሰላት ከኽብሩ ጸዊዑ።
እቲ ዓለማዊ ትካል ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት፡ ትማሊ ሰኑይ 27 ሓምለ 2018 [ግ] ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ነቲ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ዘጋጠመ ግጭት ኣመልኪቱ እዩ፡ ነዚ መጠንቀቕታ ኣስሚዑ ዘሎ።
ብቀዳም 25 ሓምለ፡ “ሸረሪና” ኣብ ዝተባህለ ምስ ሱዳን ኣብ ዝዳወብ ምዕራብ ትግራይ፡ ሰራዊት መንግስቲ ፌደራልን ሓይልታት ትግራይን ከምዝተጋጨዉ ፀብፃባት የመልክቱ።
ምስዚ ግጭት ብዝዛመድ ድማ፡ ዛጊድ ብኣማኢቲ ዝቝፀሩ ነበርቲ ካብቲ ከባቢ ናብ ሱዳን ዶብ ሰጊሮም ተመዛቢሎም ከምዘለዉ፡ ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ፀብፂቡ ኣሎ።
እቲ ዝሓለፈ ቐዳም ሙሉእ መዓልቲ ዝቐጸለ ውግእ፡ “ብኸቢድ ኣጽዋርን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን” ዝድገፍ ምንባሩ ሓደ ምንጪ ሓይልታት ትግራይ ንኤኤፍፒ ሓቢሩ።
መሰኻኽር ዓይኒ እውን ብሰንበት ፍንጀራ፣ ከቢድ ቶኽስን ድምጺ ነፈርቲን ከምዝሰምዑ ንቢቢሲ ሓቢሮም ኣለዉ።
ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣፍረሱ ንክልላዊ ቤት ምኽሪ ተቈፃፂሩ ዝርከብ፡ ብኣቦ መንበር ህወሓት ደብረፅዮን ገብረሚካኤል [ዶክተር] ምምሕዳር፡ መንግስቲ ፌደራል “ቅሉዕ ኲናት” ከምዝኸፈተሉ ዝኸስስ መግለፂ ምውፅኡ ዝዝከር እዩ።