
https://www.bbc.com/tigrinya/articles/cn8py3q0jxxo
ህወሓት ኣብዚ ቀረባ እዋን ብዘሕለፎ ውሳነ መሰረት ዝተኣከበ “ቤት ምኽሪ መንግስቲ ትግራይ” ንዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ፕረዚደንት እቲ ክልል ክኸውን ከምዝመረጾ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ትግራይ ኣፍሊጠን።
“ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን 23 ጥቅምቲ 2015 ዓ/ም ንዝተበፅሐ ስምምዕ ፕሪቶርያ ስዒቡ ተወንዚፉ ዝፀንሐ ቤት ምኽሪ መንግስቲ ትግራይ እቲ ስምምዕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ስለዘፍረሶ ስሩዕ ስርሑ ጀሚሩ ኣሎ” ይብል ተለቪዢን ትግራይ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዘርግሖ ሓበሬታ።
“ብመሰረት እቲ ቤት ምኽሪ ዘፅደቖም ኣጀንዳታት መረፃ ፕረዚደንት ዝተኻየደ ኮይኑ ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ብ1 ተቓውሞ 3 ድምፀ ተዓቅቦ ብኣብዝሓ ድምፂ ፕረዚደንት መንግሰቲ ትግራይ ጌሩ ብምሻም ቃለመሓላ ፈፂሞም።”
ብወገን ኣዲስ ኣበባ ብዛዕባ’ቲ ብህወሓት ተወሲዱ ዘሎ ስጉምቲ ዛጊት ዝተዋህበ ምላሽ የለን። እንተኾነ፡ እዚ ናይ ሎሚ ስጉምቲ ነቲ ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ዝጸንሐ ወጥሪ ከግድዶ ትጽቢት ዝግበር።
እቲ ናይ ሎሚ ኣኼባ ንወ/ሮ ኪሮስን ወ/ሮ ምሕረት በርሀን ከም ኣፈጉባኤን ምክትላን ገይሩ ከምዝመረጸ’ውን እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ።
ንውሳ ህወሓት ክቃወምን ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐን ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ትማሊ ሰኑይ ኣማስያኡ ኣብ ፌስቡክ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “ህዝቢ ትግራይ ካልእ ዙር ውድቀት ክስከም ኣይግባእን” ክብል ኣጠንቂቑ ነይሩ።
“ሕዚ ዘለናሉ መድረኽ ኣብ ተኣናፊ ሰላምን ኲናትን ሞንጎ ዘላ ኣዝያ ቀጣን መንገዲ ሒዝና እንጻደፈሉ፣ ከይተቐንጠጠ ዝጸንሐ ደመና ኲናት ክሰርብ ዝኽእለሉ፣ ብቐሊሉ ናብ ኲናት ሸታሕ ኢልና ክንኣትወሉ ኣብ እንኽእል ኩነታት ኣለና” ይብል እቲ ጀነራል።
ብሰንኪ ምስ ህወሓት ዘጋጠሞ ተመሳሳሊ ወጥሪ ካብ መቐለ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኸደ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ነበር ጌታቸው ረዳ ነዚ ናይ ሎሚ ስጉምቲ “ጸወታ ቆልዑ” ክብል ገሊጽዎ’ሎ።
“ቃንጫ መርዓት ትብሃል ፀዋታ ቆልዑ: ቆልዑ ከወድኡ ዝወሰኑ ደናቁርት ሎሚ እናላገፁ ደጊሞማ:: ክንስሕቕ ዲና ክንበኪ? እዚኦም ከይተሶጎጉ ህዝቢ ትግራይ ሰላም ኣይረክብን!” ክብል ጌታቸው ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ርእይቶኡ ሂቡ።
እዚ ሎሚ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ቤት ምኽሪ በቲ ኣብ መስከረም 2020 ዝተኻየደ፡ ብፈደራላዊ መንግስቲ “ዘይሕጋዊ” ተባሂሉ ዝተነጽገን መረጻ’ዩ ንሓጺር እዋን ስልጣን ሒዙ ነይሩ።
ኣብ ወርሒ ሕዳር ድሕሪ ዝተወልዐ ኲናት ክልተ ዓመት ግን ፈሪሱ ነይሩ።
ብመሰረት እቲ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስትን ህውሓትን ኣብ ሕዳር 2022 ዝተፈረመ ስምምዕ ፕሪቶርያ ድማ ክሳብ መረጻ ተኻይዱ ሓድሽ ቀዋሚ ክልላዊ መንግስቲ ዝምስረት ዘገልግል ግዝያዊ ምምሕዳር ቆይሙ ጸኒሑ።
እንተኾነ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ሚኒስተር ኣቢይ ዶ/ር ደብረጽዮን ናብ ስልጣን ክምለስ ብዘይምድላዩ ኣቦመንበር ህወሓት ዝነበረ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ፕረዚደንት ናይቲ ኣብ መጋቢት 2023 ዝተመስረተ ግዝያዊ ምምሕዳር ክኸውን ሸይሙዎ።
ንልዕሊ ሓደ ዓመት ንጌታቸው ተኪኡ ፕረዚደንት ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ ጀነራል ታደሰ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት’ዩ ስልጣኑ ብውሳነ ኣቢይ ኣሕመድ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ተናዊሕሉ ጸኒሑ።
“ኣብ ትግራይ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ናብ ንቡር ክምለስ፣ ፖለቲካዊ ኣፈላላያት ዝፍተሓሉ ባይታ ክፍጠር፣ ከምኡ’ውን፡ ተሓታትነት፣ ሓቂ፣ ዕርቅን ሕውየትን ንምውሓስ ፖሊሲ መሰጋገሪ ፍትሒ ምርግጋጽን ኣብ ዝብል ተሰማሚዖም” ይብል ገለ ካብ ትሕዝቶ እቲ ስምምዕ።
ስምምዕ ፕሪቶሪያ እቲ ካብ 25 ጥቅምቲ 2022 (2015) ክሳብ 02 ሕዳር 2022 ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ድሕሪ ዝተኻየደ ዘተ’ዩ ተፈሪሙ።
እዚ ናይ ሎሚ ውሳነ፡ ነቲ ኣብ መንጎ መቐለን ኣዲስ ኣበባን ዝጸንሐ ልሕሉሕ ርክብ በተዂ ናብ ዝኸፍአ ወጥሪ ከየምርሖ ስግኣት ፈጢሩ ይርከብ።
ድሕሪ’ቲ ናይ መስከረም ምርጫ ኣብ ዝነበረ ፖለቲካዊ ወጥሪ ናይ ባጀት ምቁራጽ ኣጋጢሙ ምንባሩን፡ ኲናት ምስተወልዐ’ውን ኩሎም ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ኣብታ ክልል ደው ኢሎም ምንባሮም ዘይርሳዕ’ዩ።
ኣባል ላዕለዋይ መሪሕነት ህወሓት ዝነበረን ምስ ጌታቸው ረዳ ካብቲ ውድብ ተፈንጪሉ ብምውጻእ ካልእ ውድብ ካብ ዝመስረቱን ዝኾነ ፕ/ር ኪንደያ ገብረሂወት “ዕብዳን” ክብል ነዚ ናይ ሎሚ ስጉምቲ ኮኒንዎ’ሎ።
“እዚ ድሑር ጉጅለ ንጥፍኣት ትግራይ ዝቦቐለ ፃህያይ እዩ። ክፀሃይ እዩ ልግብኦ። ዝኹሉ ዕብዳን ኹናት ፃሕቲርካ ሕዝቢ ንምምልላእ እዩ እምበር እዚኣ እትበሃል ኣዉንታዊ ውፅኢት የብሉይ” ይብል እቲ ድሕሪ ኲናት ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኸደ ፕሮፌሰር።