ኣገዳሲ ወደብ ኢመራት ዓረብ ዒላማ ኰይኑ

https://www.bbc.com/tigrinya/live/c1lz5r58n9qt

ብሰብ ኣልቦ ነፋሪት ዒላማ ዝተገበረ ወደብ ፉጃይራ፡ ንሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣዝዩ ትርጉም ዘለዎ ቦታን ሓደ ካብቶም ዝዓበዩ መኽዘናት ነዳዲ ማእከላይ ምብራቕን እዩ።

እዚ፡ መራኽብ ነዳዲ ዝመልኣሉ ቁልፊ ቦታ’ዉን እዩ።

ፉጃይራ ኣብ ወሽመጥ ዓረብ፡ ዘይኰነስ ኣብ ወሽመጥ ዖማን ስለ ዝርከብ፡ መራኽብ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ምጉዓዝ ኣየድልየንን’ዩ።

ሆርሙዝ እዚ ኲናት ቅድሚ ክልተ ሰሙን ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ብግብሪ ንመጓዓዝያ ባሕሪ ተዓጽዩ’ሎ።

ሎሚ ብኢንተርነት ዝተዘርግሐ ተንቀሳቓሲ ስእሊ፡ ኣብ ምብራቓዊ ገማግም ባሕሪ ኢማራት ዓረብ መላእ’ቲ መኽዝን ትኪ ክዓብሊኹ የርእዩ።

እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ ኮር ሓለዋ ሰውራ ኢራን፡ ወደባት፡ መራኽብን ወተሃደራዊ ቦታታትን ሓዊሱ ረብሓታት ኣመሪካ ኣብ ኢማራት ዓረብ፡ ብመንጽር’ቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ’ታ ንኢንዱስትሪ ነዳዲ ቴህራንን ንሰፊሕ ቁጠባን ኣዝዩ ወሳኒት ደሴት ኻርግ እትፍጽሞ መጥቃዕቲ ሕጋዊ ዒላማ ከም ዝዀኑ ኣብ ዝገለጸሉ እዋን እዩ።

ሓይልታት ኢራን ነበርቲ ናብ ዒላማ ኣመሪካ ካብ ዝቐረቡ ከባቢታት ክወጽኡ ኣተሓሳሲቦም

ሰራዊት ኢራን መሬቱ ናይ ምክልኻልን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንረብሓታት ኣመሪካ ዒላማ ናይ ምግባርን መሰሉ ዝተሓለወ እዩ ክብል መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኢራን ሓቢረን።

ወሃቢ ሓይልታት ኢራን ኮሎኔል ኢብራሂም ዙልፊቃሪ፡ ኢራን ኣብ ኢማራት ዓረብ ኣብ ዝርከቡ ሚሳይላት ኣመሪካ ዝኣትውሎም ወደባት ከምኡ’ውን “መሕብኢ” ወተሃደራት ኣመሪካ ዒላማ ናይ ምግባር ሕጋዊ መሰል ከም ዘለዋ ይዛረብ።

ኣብ ኢማራት ዓረብ ኣብ ዝርከባ ከተማታት ዝነብሩ ኣስላም ምእንቲ ከይጕድኡ ክወጽኡ ድማ ጸዊዑ።

ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ኣብቲ ዞባ ካብ ዘለው ዓበይቲ መኽዘናት ነዳዲ ዝዀነ ወደብ ፉጃይራ፡ ብመጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ዒላማ ድሕሪ ምዃኑ፡ ትኪ ክወጽእ ተራእዩ።

እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ከተማ ሲዶን ኣብ ዝርከብ ከባቢ ሃሬት ሳይዳ ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ’ዉን ኣብ ህንጻ ኣፓርታማታት ባርዕ ሓዊ ተላዒሉ።

ኢራን ኣብ መንበሪ ከባቢታት እስራኤል ብዝተፈጸመቶ መጥቃዕቲ ጉድኣት በጺሑ እዩ።

ኣብ ማእኸላይ እስራኤል ሾሃም ዝርከብ ናሕሲ ሓደ ህንጻ ሙሉእ ብሙሉእ ዓንዩ።

ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል (IDF) ንእስራኤል ዒላማ ዝገበሩ ሚሳይላት ኢራን ከም ዘፍሸለ ገሊጹ።

ኢራን ንጎረባብቲ ሃገራት ዒላማ ካብ ምግባር ክትቑጠብ ሓማስ ይላቦ

ሓማስ፡ ኢራን ጎረባብቲ ሃገራት ዒላማ ከይትገብር ጸዊዑ።

ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ነቲ ኲናት ብቕልጡፍ ደው ንምባል ክሰርሑ እውን ጸዊዑ።

እቲ ፍልስጤማዊ ዕጡቕ ጉጅለ፡ ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብዓሚቑ ስክፍታ ይከታተሎ ከም ዘሎ ብምግላጽ፡ “ንሰላምን ጸጥታን እቲ ዞባን ዓለምን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ’ዩ፡” ክብል ገሊጹ።

ሓማስ ወሲኹ፡ ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝፍጸም ዘሎ ወራር፡ ኣህጉራዊ ሕግን ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕግን ዝጥሕስ ምዃኑ አብቲ ብቴሌግራም ዘውጽኦ መግለጺ ወቒሱ።

ስለዝኾነ ድማ፡ ኩለን ሃገራት እቲ ዞባ ተሓባቢረን ነቲ ወራር ደው ከብላ ኣተሓሳሲቡ።

ሓማስ፡ ብኣመሪካ፣ ዓባይ ብሪጣንያ፣ እስራኤልን ካልኦት ብዙሓት ሃገራትን ከም ግብረሽበራዊ ትካል ይቑጸር።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *