
https://www.bbc.com/tigrinya/articles/cx2grrnrdxko
ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ፤ ዞባ ጋሞ ብዘጋጠመ ተፍጥሮኣዊ ሓደጋ 64 ሰባት ከምዝሞቱ ፖሊስ እቲ ዞባ ኣፍሊጡ።
ጠንቂ እቲ ሞት፡ ኣብቲ ዞባ፣ ኣብ ገለ ወረዳታት፡ ብዕለት 30 ለካቲትን 1 መጋቢት 2018 ዓ፣ም [ግ] ዝወቐዐ ሓያል ዝናብ ስዒቡ ዝተፈጥረ ሓደጋ ምህማም መሬት እዩ።
ሓላፊ ክፍሊ ፖሊስ ዞባ ጋሞ፡ ኢንስፔክተር ኣብርሃም ቡሃ ንድምፂ ራድዮ ጀርምን[ ኣምሓርኛ]፡ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ዞባ ጋሞ፡ ኣብ ወረዳታት ካምባ፡ ጋጮ ባባን ቦንከን በቲ ሓደጋ 64 ሰባት ከምዝሞቱ ሓቢሩ።
ፖሊስ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ’ውን 95 ሰባት ሃለዋቶም ከምዘይተፈልጠ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣረጋጊጹ።
ቅድም ክብል፡ ቤት ፅሕፈት ኮምዩኒኬሽን እቲ ዞባ ኣብ ፌስቡክ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ ብሰንኪ እቲ ሓያል ዝናብ ስዒቡ ዘጋጠመ ዕልቕልቕን ምህማም መሬትን፡ 52 ሰባት ከምዝሞቱን፡ ካልኦት 50 ሰባት ዛጊድ ሃለዋቶም ከምዘይተፈለጠን ገሊፁ ነይሩ።
ነቶም ደሃዮም ዘይተፈልጠ ሰባት ንምርካብ፡ ህይወት ናይ ምድሓን ፃዕሪ ይቕፅል ከምዘሎ ኣፍሊጡ።
ፍሉይ ኣማኻሪ ጉዳያት ከተማን ምምሕዳርን ዞባ ጋሞ፡ ኣቶ ተስፋጽዮን ዘነበ፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ጠንቂ እቲ ምህማም መሬት፡ ኣብቲ ዞባ “ኣብ ዘይእዋኑ ዝወረደ ብርቱዕ ዝናብ” ምዃኑ ሓቢሩ።
እቲ ምህማም መሬት ብ1 መጋቢት 2018 ዓ.ም [ኢ]፡ “ኣብ ከውታ ለይቲ” ከመዘጋጠመ ዝተዛረበ ኣቶ ተስፋፅዮን፡ “ኣብቲ ከባቢ ትፅቢት ዘይተግበረሉ ብርቱዕ ዝናብ ከምዝዘነበ” ገሊጹ።
እቲ በዓል ስልጣን ወሲኹ፡ እቲ ዝናብ ክሳብ ረቡዕ 2 መጋቢት 2018 ዓ.ም ንጉሆ ብምቕጻሉ፡ ነቲ ኩነታት ኣጸጋሚ ከምዝገበሮ ሓቢሩ።
ኣቶ ተስፋስፅዮን፡ ካብቲ ምህማም መሬት፡ ናይ 52 ሬሳታት ከምዝተረኸበን 50 ሰባት ንምድላይ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ይቕጽል ከምዘሎን ሓቢሩ።
እቲ ዞባ ብዙሕ ቁልቁልን ዓቐብን ዘለዎ ከምዝዀነ፡ እንተዀነ ኣብቲ ሕዚ ምህማም መሬት ዘጋጠመሉ ከባቢ ግን ቅድሚ ሕዚ ዝዀነ ሓደጋ ኣጓኒፉ ከምዘይፈልጥ ገሊጹ።
ኣብቲ ዞባ እዚ ሓደጋ ከምዘለዎም ዝተለለዩ ነበርቲ፡ ምውጻእን ናብ ካልእ ቦታታት ንምግዓዝን ጻዕርታት ይግበር ከምዝነበረ ወሲኹ ዝገለፀ ኣይተ ተስፋፅስዮን፡ “እዚ ከባቢ ግን ካብ ከምዚ ዓይነት ስግኣታት ነጻ” ስለዝነበረ ዝተወስደ ቅድመ-ስጉምቲ ከምዘይነበረ ሓቢሩ።
ኣብ ዞባ ጋሞ ብሰንኪ እቲ ብርቱዕ ዝናብ ዝሞቱ ሰባት ቁፅሮም ክውስኽ ትጽቢት ይግበር።
ሰብመዚ እቲ ዞባ፡ ነቶም ክሳብ ሕጂ ደሃዮም ዝጠፍኡ 50 ሰባት ንምርካብ ጻዕርታት ይቕጽል ከምዘሎን፡ ካብ ሞት ዝደሓኑ ሰባት ድማ ጻዕርታት ረድኤት ተጀሚሩ ከምዘሎን ገሊጾም።
እቲ ዝኸፍአ ሓደጋ ድሕሪ እቲ ብርቱዕ ዝናብ ዘጋጠመ ምህማም መሬት ኮይኑ፡ ብሰንኪ ኣቀማምጣ እቲ መሬት [ቁልቁለት ብምዃኑ] ጻዕርታት ህይወት ኣድሕን ኣጸጋሚ ኮይኑ ኣሎ።
ዋና ኣመሓዳሪ’ቲ ዞባ ሓዊሱ፡ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌደራልን ክልልን፡ ኣብቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ቦታ ተረኺቦም፡ በቲ ሓደጋ ስድርኦም ንዝሰኣኑ ሰባት የፀናንዑ ኣለዉ።
ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ዞባ ጋሞ፡ ኣብታ ሃገር ብተደጋጋሚ ብብርቱዕ ዝናብን ውሕጅን ካብ ዝጥቅዑ ከባቢታት ሓደ እዩ።
ኣብ 2016 ዓ.ም ኣብ ዞባ ጎፋ፡ ወረዳ ገዘ ጎፋ፡ ብተመሳሳሊ ሓደጋ ምህማም መሬት ልዕሊ 200 ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ይዝከር።