ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝተቐርቀሩ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን እንታይ ይብሉ?

https://www.bbc.com/tigrinya/articles/c20440ykxyeo

ብቐዳም 28 ለካቲት 2026 ዝጀመረ መጥቃዕቲ እስራኤልን ኣመሪካን ኣብ ልዕሊ ኢራን ስዒቡ፡ ላዕለዋይ መራሒ ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ምስ ተቐተለ፡ እቲ ረጽሚ ናብ መላእ ማእከላይ ምብራቕ ተዘርጊሑ ኣሎ።

ኢራን፡ ኣብ መላእ እቲ ዞባ ሚሳይላትን ድሮናትን ብምውንጫፍ ንእስራኤል፡ ባሕሬን፡ ኩዌት፡ ቐጠር፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ዮርዳኖስ፡ ስዑዲ ዓረብ፡ ቆጵሮስ፡ ኣዘርባዣንን ብመጻብቦ ሕርሙዝ ዝሓልፋ መራኽብን ዒላማ ብምግባር ነቲ መጥቃዕቲ ምላሽ ሂባ።

ብኢራን ዝድገፍ ዕጡቕ ጕጅለ ሊባኖስ ዝዀነ ሺዓ ኣስላም ዝኽተል ሕዝቦላህ፡ ካብቲ ኣብ ሊባኖስ ዝርከብ መደበራት ናብ እስራኤል ሮኬታት ብምውንጫፍ ናብቲ ውግእ ተጸንቢሩ።

እስራኤል ድማ ኣብ ሊባኖስ ኣብ ልዕሊ ዒላማታት ሕዝቦላህ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ምላሽ ትህብ ኣላ።

ይዅን’ምበር፡ ብሰንኪ እዚ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ከቢድ ሃስያ ይወርድ ከም ዘሎ እዮም ጸብጻባት ዘመልክቱ።

ኣብቲ ማእከላይ ምብራቕ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን እውን ግዳያት እቲ ረጽሚ ይዀኑ ኣለዉ።

ብፍላይ ኣብ ሊባኖስ፡ ብሰንኪ ዝተኻየደ ደብዳብ ገለ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ህይወቶም ክሓልፍ ከሎ፣ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ድማ ብሰንኪ ዝወረደ ስብርባር ሚሳይላት፡ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ዝርከብዎም ሰባት መጕዳእቲ ወሪዱዎም ኣሎ።

ኣብ ሊባኖስ፡ ብፍላይ ኣብ ከባቢ ጀኑድ ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ዝተኻየደ ብርቱዕ ደብዳብ ሚሳይላት፡ ብዙሓት ዜጋታት ህይወቶም ንምድሓን ካብ መንበሪኦም ክስደዱ ከም ዘገደዶም ሓንቲ ካብቲ ቦታ ዝሃደመት ዜጋ ንቢቢሲ ገሊጻ።

“ኵነታት እቲ ዞባ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናገደደ እዩ ዝኸይድ ዘሎ። ኣብ ከባቢ ጅኑድ ብርቱዕ ደብዳብ ሚሳይላት ተኻይዱ፡” ብምባል ብሰንኪ እቲ ዘይተሓሰበ መጥቃዕቲ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን፡ ህይወትና ንምድሓን ካብቲ ቦታ ክወጽኡ ከም ዝተገደዱ ሓቢራ።

“እቲ ናብ ውሑስ ቦታ ዝወስድ መንገዲ ብኣሽሓት ብዝቝጸሩ ሰባትን ተሽከርከርትን ተዓጻጽዩ ስለ ዝነበረ፡ ምንቅስቓስ ኣዝዩ ጽንኩር እዩ ነይሩ፡” ትብል።

ብሰንኪ እዚ ድማ ብዙሓት ዜጋታት ኣብቲ መንገዲ ተዓጽዮም ከም ዝርከቡ ሓቢራ።

https://www.bbc.com/tigrinya/articles/c20440ykxyeo#:~:text=%E1%89%A5%E1%89%90%E1%8B%B3%E1%88%9D%2028%20%E1%88%88%E1%8A%AB%E1%89%B2%E1%89%B5,%E1%8B%9C%E1%8C%8B%20%E1%8A%95%E1%89%A2%E1%89%A2%E1%88%B2%20%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BB%E1%8D%A2

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *