
https://www.bbc.com/tigrinya/articles/cqj928evwgko
ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ታየ ኣስቀ ስላሴ፡ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ እትገብሮ ዘላ ጻዕሪ፡ “ዘልኣለማው”ን ካብ ጉዳይ ልዑላውነት ዘይፍለን ምዃኑ ገሊጹ።
ታየ ኣስቀ ስላሴ ነዚ ዝገለጸ፡ መበል 130 ዓመት ዓወት ዓድዋ ንምብዓል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ስነስርዓት እዩ።
እቲ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ፡ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ዕዱማት ወጻእን ዝተሳተፍዎ ጽምብል፡ ብመንግስታዊ መራኸቢ ብዙሓን ኢትዮጵያ ብቐጥታ ተፈንዩ።
“ነባርን ዘተኣማምንን ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ምርካብ መሰልና፡ ካብቲ ሰማእታት ዓድዋ ብሓላፍነት ኣባና ዘሕድሩዎ ናይ ልዑላውነት እምነት ዘይፍለ እዩ፡” ኢሉ።
ልምዓት ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ክዕንቅፉ ዝፍትኑ ሓይልታት ንተግባራቶም ምግታእ ወሳኒ ምዃኑ’ውን ገሊጹ። እንተዀነ፡ ስም ውልቀሰብ፡ ጕጅለ ይዅን ሃገር ኣይጠቐሰን።
ውግእ ዓድዋ ኣብ መጀመርታ መጋቢት 1896 ኣብ መንጎ ብሃጸይ ምኒሊክ ዝምርሑ ኢትዮጵያውያንን ብኦረስተ ባራቲየሪ ዝምርሑ ኢጣልያውያንን ኣብ ከባቢ ጎቦታት ዓድዋ – ትግራይ ዝተኻየደ ኰይኑ፡ ብዓወት ኢትዮጵያ ከም ዝተዛዘመ ይፍለጥ።