
ቅድሚ 6 ሰዓታት
ንባብ: 4 ደቓይቕ
ኢትዮጵያ፡ ኣብ ምዕራባዊ ዶባታ ኣብ ክልል በኒሻንጉል ጉሙዝ ሓደ ምስጢራዊ መሰልጠኒ ማእከል ዳዕመ-ሰሪዕ ከምዝሃነጸት ሮይተርስ ዘካየዶ መርመራ ኣቃሊዑ።
እዚ መዓስከር ኣብ ጎረቤት ሃገር ሱዳን ዝዋጋእ ዘሎ ወተሃደራዊ ጕጅለ ዳዕመ-ስሪዕ፡ ኣሽሓት ተዋጋእቲ ወተሃደራት ዘሰልጥነሉ ምዃኑን ብኢማራት ከም ዝምወልን ጸብጻብ ሮይተርስ ኣረጋጊጹ።
እዚ ድማ እቲ ኣብ ዓለም ኣብዚ እዋን ይካየዱ ካብ ዘለዉ ቀተልቲ ግጭታት ዝዀነ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ካብ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ዞባዊ ሓይልታት ይጸምድ ከምዘሎ ዘርኢ ምዕባለታት ምዃኑ እቲ ሓበሬታ የመልክት።
እቲ መዓስከር፡ ኢትዮጵያ ኣብ ኲናት ሱዳን ትሳተፍ ከምዘላ ናይ መጀመርታ ጭቡጥ መርትዖ ኰይኑ፡ ኣብ ደቡብ ሱዳን ውግእ እናተጋደደ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ንሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ሓደስቲ ወተሃደራት ዝቕርብ ሓደገኛ ክኸውን ዝኽእል ምዕባለ’ዩ።
እዚ ሓበሬታ’ዚ፡ ኣብ ከም ሚድል ኢስት ኣይ ዝኣመሰሉ ማዕከናት ሓበሬታ ከቃላሕ ከምዝጸንሐ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ሮይተርስ ንዝተፈላለዩ ምንጭታት ተወኪሱ ኣረጋጊጽዎ’ሎ።
ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝርከብዎም ሸሞንተ ምንጭታት ከምዝሓበርዎ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንህንጸት እቲ መዓስከር ብገንዘብ ከም ዝመወለትን ነቲ መዓስከር ብወተሃደራዊ ኣሰልጠንትን ሎጂስቲክን ደገፍ ከምዝሃበትን ክግልጹ እንከለዉ፤ እዚ ሓበሬታ’ዚ ኣብ ውሽጣዊ መዘኻኸሪ ኣገልግሎት ጸጥታ ኢትዮጵያን ኣብ ዲፕሎማስያዊ መስመራትን ከም ዝተዘርግሐን፡ ብሮይተርስ ከምዝተገምገመን እውን ተፈሊጡ’ሎ።
ሮይተርስ፡ ኢማራት ዓረብ ኣብቲ ፕሮጀክት ምስታፋን ዕላማ ናይቲ መዓስከርን ብናጻ ወገን ከረጋግጽ ኣይከኣለን።
ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ንዝቐረበሉ ሕቶ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ኣብቲ ግጭት [ሱዳን] ኢድ ከምዘይብሉን፡ “ብዝዀነ ይዅን መገዲ” ኣብቲ ተጻብኦታት ከምዘይተሳተፍን ገሊጹ።
ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ኣብ 2023 ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕን ቅድሚ’ቲ ናብ ሲቪላዊ ምሕደራ ንምስግጋር ዝተወጠነ ግዜ ብዘካየድዎ ግጭት እዩ ተላዒሉ። ብሰንኪ’ዚ ሰፊሕ ጥሜት ኣስፋሕፊሑን ዓሌታዊ ግጭታት ተጋዲዱን።
ሚልዮናት ሱዳናውያን ናብ ግብጺ፡ ቻድ፡ ሊብያን ደቡብ ሱዳንን ሃዲሞም፤ ክልቲኦም ወገናት ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ደገፍ ዝረኽቡ ኰይኖም፡ እዚ ድማ ነቲ ኲናት ነዳዲን፡ ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ናይ ምግፋሕ ሓደጋ ይውስኸሉን ኣሎ።
ሮይተርስ፡ ንሰበስልጣንን ዲፕሎማሰኛታትን ኢትዮጵያ ዝርከብዎም ምስ ህንጸትን ስርሒታትን እቲ መዓስከር ዝተ’ኣሳሰሩ 15 ምንጭታት ብምዝርራብን፣ ብሳተላይት ንዝተወስደ ምስሊ እቲ ከባቢ ተንቲኑ።
ክልተ ሰበስልጣን ስለያ ኢትዮጵያን እቶም ብሳተላይት ዝተሳእሉ ምስልታትን፡ ኣብቲ ናይ ጸጥታ መዘክርን ዲፕሎማስያዊ ዓንኬላትን ንዝሰፈረ ዝርዝር ሓበሬታ ዘረጋግጽ ሓበሬታ ኣቕሪቦም።
ኣቀማምጣን ስፍሓትን እቲ መዓስከርን ዝርዝር ክስታትን ተሳትፎ ኢማራት ዓረብን ቅድሚ ሕጂ ኣይተገልጸን።
እቶም ምስልታት ስፍሓት ናይቲ ሓድሽ ምዕባለ፡ ምስ ህንጸት መደበር መቈጻጸሪ ድሮናት ካብ መሬት – ኣብ ጥቓኡ ኣብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ዝተደኰነ – ዘርእዩ እዮም።
እቲ ኣብ ርሑቕ ምዕራባዊ ዞባ ቤኒሻንጉል-ጉሙዝ ኣብ ጥቓ ዶብ ሱዳን ዝርከብ መዓስከር ዝካየድ ንጥፈታት ካብ ጥቅምቲ ኣትሒዙ ዝተላዕለ ምስልታት ሳተላይት የመልክት።
ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፡ እዚ መዓስከር ካብ ዶብ ሱዳን ኣስታት 32 ኪ.ሜ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ መንገ ኣብ ዝተባህለ ወረዳ ኣብ ጫካታት፡ ኣብ መላግቦ ስለስተ ሃገራት – ኢትዮጵያ፡ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ኣብ ዝርከብ ስትራተጂያዊ ቦታ ዝተሃንጸ ምዃኑ ምስሊ ሳተላይትን ሮይተርስ ዝተወከሶም ዲፕሎማስያዊ ምንጭን ይሕብሩ።
እቲ ማዕከን ዜና ዝተወከሶ ብሕዳር ዝተጻሕፈ ዲፕሎማስያዊ ምንጪ፡ እቲ መዓስከር ክሳብ 10 ሽሕ ተዓለምቲ ክሕዝ ዝኽእል ምዃኑ ይገልጽ፤ ብዓሰርተታት ዝቝጸራ ላንድክሩዘራት፡ ዓበይቲ መካይን፡ ኣሃዱታት ዳዕመ-ሰሪዕ፡ ወተሃደራዊ ኣሰልጠንቲ ኢማራት ዓረብን ብምምጻእ ድማ ንጥፈታቱ ኣብ ጥቅምቲ ከምዝጀመረ የመልክት።
ሮይተርስ ምስጢራውነት ናይታ ሃገር ንምሕላው ነቲ ዲፕሎማስያዊ ምንጪ ዓቂብዎ’ሎ።
ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ህንጸት እቲ መዓስከር ይቕጽል ክገልጽ እንከሎ፡ ዝርዝር ሓበሬታ ግን ኣይሃበን።
ብተወሳኺ፡ ካብቲ መዓስከር ኣስታት 53 ኪ.ሜ ርሒቑ ኣብቲ ክልል ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣሶሳ እውን፡ ካብ ነሓሰ 2025 ጀሚሩ ምሕዳስ ትግበረሉ ከምዘሎ ኣሳእል ሳተላይት የረጋግጽ።
በዚ መሰረት ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ዝተሃንጸ ሓድሽ ሃንጋርን መቈጻጸሪ ድሮናት ምዃኑ ይንገር። ነዚ ኣመልኪቱ፡ ኣብ ፓክስ ዝተባህለ ውድብ ሰላም ሆላንድ ዝሰርሕ – ዊም ዝዊነንበርግ ዝተባህለ ክኢላ ወተሃደራዊ ቴክኖሎጂ፡ እዚ ካብ መሬት ድሮናት ዝቈጻጸር ኣንቴናን ሳተላይትን ምዃኑ የረድእ።
እዚ፡ ካብቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ግድብ ሃይድሮኤሌክትሪክ ምዃኑ ዝንገረሉ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣስታት 101 ኪ.ሜ ርሒቝ ዝርከብ መዓስከር፡ ዞባዊ ግጭት ኣብ ዝለዓለሉ ነቲ ግድብ ሓደጋ ከየምጽኣሉ ስግኣታት ከምዘሎ ምንጪታት ይሕብሩ።
በዚ መሰረት ድማ ሓደ ዲፕሎማስያዊ ምንጪ ከምዝሓበሮ፡ ምሕዳስ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሶሳ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ብሸነኽ ዶብ ሱዳን ክፍጠሩ ዝኽእሉ ሓደስቲ ስግኣታት ንምብዳህን ንምግጣም፤ ብዓቢኡ ድማ ነቲ ኣብቲ ክልል ተሃኒጹ ዘሎ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ዝኣመሰሉ ወሳንቲ ትሕተ ቅርጺታት እታ ሃገር ንምሕላው፡ ተባሂሉ፡ ኣካል ናይቲ መዓስከራት ኣየር ናብ ምዕራባዊ ሸነኽ እታ ሃገር ንምግዓዝ ዝሓንጸጾ መደብ ምዃኑ ይገልጽ።
ኣብቲ ዞባ ብዝዀነ ይዅን መንገዲ ውግእ እንተ ተላዒሉ እቲ ግድብ ክህረም ወይ ቀንዲ ዒላማ ክኸውን ከምዝኽእል ስግኣት ከምዘለዎም ድማ እቶም ምንጭታት ገሊጾም።
እዚ ፕሮጀክትታት’ዚ ብኢማራት ዝምወል ምዃኑ’ኳ እቲ ሓበሬታት ዘረጋግጽ እንተዀነ፡ ካብ መንግስታት ክልቲአን ሃገራት ግን ነዚ ዘረጋግጽ ምላሽ ኣይተረኽበን።
ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣብ 2018 ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ ሒደት ኣዋርሕ ጸኒሓ፡ ኢማራት ዓረብ፡ ነቲ ንዕኡ ዘለዋ ደገፍን ምትእምማንን ንምግላጽ፤ ንሓገዝን ወፍሪን ከምኡ’ውን ኣብታ ሃገር ዘጋጠመ ከቢድ ሕጽረት ባጤራ ወጻኢ ንምቅላል ተባሂሉ ናብ ማእከላይ ባንክ ኢትዮጵያ ዝተመደበ፡ ብጠቕላላ 3 ቢልዮን ዶላር ክትህቦ ቃል ከምዝኣተወት ኣይርሳዕን።