
https://www.bbc.com/tigrinya/articles/cwynr5k9875o
ቅድሚ 4 ሰዓታት
ኣብ ጀርመን ሓደ ኤርትራዊ ምዃኑ ዝተገልጸ መንእሰይ ሞይቱ ከም ዝተረኽበ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።
ሬሳ ናይቲ ወዲ 14 ዓመት ኣብ ከባቢ ከተማ ዶርማኸን ብሓለፍቲ መንገዲ ከም ዝተረኽበ ዳብሊው-ዲ-ኣር ዝተባህለ ፍሉጥ ማዕከን ዜና የመልክት።
“ፖሊስ ከም ዝሓበሮ እቲ ወዲ 14 ዓመት ካብ ኤርትራ ዝመጸ እዩ:” ይብል እቲ ጸብጻብ።
ስድራቤቱ ብዛዕባ ሞቱ ፈሊጦም ከምዘለዉ’ውን ሓያለ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ይገልጻ ኣለዋ።
ኣኽበርቲ ሕጊ ከምዝብልዎ፡ እቲ ‘ዮሴፍ’ ዝተባህለ ኮተቴ፡ ዝኾነ ገበናዊ ድሕረ ባይታ ከምዘይነበሮን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ስፖርት ክለባት ዝሳተፍ ዝነበረን’ዩ።
ኣብ ኣካላቱ ምልክታት ማህረምቲ ከምዝጸንሖ ዝጠቐሱ ፖሊስ፡ ብጭካነ ተቐቲሉ ክኸውን ከምዝኽእል ኣሚቶም ኣለዉ።
ሓበሬታ ንዝሃቡ 5,000 ዩሮ ጉንዖ ክህቡ ምዃኖም ኣኽበርቲ ሕጊ እቲ ከባቢ ቃል ኣትዮም።
“መርትዖታትን ኣመታትን ብቐጻሊ ይግምገም’ኳ እንተሎ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ናብ ከቢድ ገበን ዝኣንፈተ’ዩ” ይብል ብኣኽበርቲ ሕጊን ፖሊስን ዝወጸ ሓባራዊ መግለጺ።
ዛጊት ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ጥርጡር ከም ዘየለ’ውን እቶም ሰብ መዚ ሓቢሮም ኣለዉ።
ሬሳ ናይቲ መንእሰይ ኣብ ከባቢ ዶርማኸን-ሃከንብሮይሽ ኣብ ዝርከብ ቀላይ ከም ዝጸንሐ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።
ናብቲ ቦታ ዝበጽሑ ሓካይም ህጹጽ ሓደጋ (ፓራመዲክስ) ብኡንብኡ’ዮም ሞቱ ኣረጋጊጾም።
እቲ ኣብ ከባቢ 2018 ምስ ስድራቤቱ ካብ ኤርትራ ከምዝመጸ ዝግለጽ ዘሎ ግዳይ፡ ኣብ መንግስታዊ መንበሪ ገዛ ክነብር ዝጸንሐ ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ።
ንወላዲቱ ከም ዝተዛረበ ዝገልጽ ማዕከን ዜና ቢልድ ብወገኑ፡ ብረቡዕ ናብ ናይ ተዂሲ ክለብ ምስ ከደ ከም ዘይተመልሰ የመልክት።
“ትማሊ ለይቲ፡ ዩኒፎርሙ ክዕቅን ናብ ክለብ ተዂሲ ክኸይድ ከም ዝነበሮ ነጊሩኒ። ድሕሪ ገለ ሰዓታት ስለ ዘይተመልሰ፡ ክሻቐል ስለ ዝጀመርኩ፡ ክረኽቦ ፈቲነ፡ ግና ኣይክኣልኩን” ክትብል እታ ኣደ ንቢልድ ተዛሪባ።
ስግኣታ ዝበረኸ እታ ብስም ተጠቒሳ ዘላ ወላዲት፡ ናብቲ ክለብ ብምድዋል ድሃይ ክትሓትት ምስ ፈተነት፡ ሓላፊ ናይቲ ቦታ፡ ክረኽብዎ መደብ ከም ዘይነበሮም’ዩ ሓቢሩዋ።