
https://www.bbc.com/tigrinya/articles/cjw9gwp1d67o
በሃር ስነ ስነጥበብኛ በረኸት መንግስትኣብ ኣብ መበል 89 ዓመቱ ሎሚ ንግሆ ኣብ ኣስመራ ከምዝዓረፈ ወዱ ክብረወሰን በረኸት ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።
እቲ ብፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ራእሲ ሃገራዊ ባህሊ [ራሃባ] ዝብል ማዕረግ ዝተወሃቦ በረኸት፡ ካብ መወዳእታ 50ታት ኣትሒዙ ልዕሊ ሰለስተ ሚእቲ ደርፍታት፡ ዘፈረየ ሓደ ካብ ዓበይትን ተዘከርትን ኤርትራውያን ሰነጥበበኛታት’ዩ።
ኣብ 1975 ናብ ሜዳ ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ ዝተሰለፈ በረኸት መንግስትኣብ፡ ኣቐዲሙ ኣብ ኣስመራን ኣዲስኣበባን ኣብ ቃልሲ ዘድሃቡ ክሳብ ሕጂ ላዛኦምን መቐረቶም ዘይሃሰሰ፡ ዕምባባ መስከረም፡ መለይ፡ በረኻ ዓደይ፡ ብትሕቲ ገዛና፡ ሓዳስ ኤርትራ… ካልኦትን ኣማኢት መምስ መድረኹ ዝሳነዩ ሃገራዉያን ማሕበራውን ዝትሕዝቶታቶም ደርፍታት ዘፍረየ ገጣሚ፡ ዘያሚን ስነጥበበኛ ብምዃኑ ኤርትራውያን ብኽብሪ ዝዝክርዎ ሞያዊ እዩ ነይሩ።
ኣብ 2020 ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ፡ በረኸት ነታ ኣብ 1961 ዝደረፋ፡ ነቲ ሽዑ ዝጀመረ ቃልሲ ኤርትራውያን ማእከል ዝገበረት ‘ዕምበባ መስከረም’ ዘርእስታ ደርፉ ኣመልኪቱ፡ “እዛ ደርፈይ’ውን ምስቲ ድሮ ብውሑዳት ሰባት ዝተጀመረ ብረታዊ ቃልሲ’ያ ትተኣሳሰር፤ ብግሉጽ ግን ክትብሎ ኣይትኽእል ኢኻ፤ ብረታዊ ቃልሲ ምስ ተጀመረ፡ ስነ-ጥበብ፡ ህዝቢ ኣብ ምጉስጓስን ምንቃሕ፡ ጥራይ ዘይኮነ ውዳበታት ኣብ ምፍጣር ኣበርክቶ ስለዝነበሮ ምስዚ ኣተኣሳሲረ’የ ሰሪሐያ፡ ብሓፈሻ ኪነ ጥበብ ካብ ምጅማር ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን ቅድሚኡን ዓቢ ግደ’ዩ ነይርዎ፡” ብምባል ትርጕምን ኣገዳስነትን ስነጥበባዊ ስርሓት ኣብ ቃልሲ ኣተኣሳሲሩ ሰፊሕ መግለጺ ሂቡ ነይሩ።
ኣብ ገድሊ ዝበዝሕ ግዜኡ ኣብ ስነጥበባዊ ፍርያት ኣድሂቡ ይሰርሕ ምንባሩ ዝዝንተወሉ በረኸት፡ “ካብ ሜዳ ናብ ሃገራት ኣዕራብ እናኸድና ህዝቢ ነነቓቕሕ ነይርና፡” ይብል።
በቲ ዝገብሮ ዝነበረ ተሰማዕን ጸላውን ዝነበረ ደርፍታቱ፡ ኣታ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ደቃ ዝነበረት በዓልቲ ቤቱ ተኣሲራ፡ “በዓልቲ ቤተይ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ተኣሰረትን ደቀይ ብዘይ ኣላዪ ንበይኖም ምስ ተረፉን፡ ደቀይ ንምሕጋዝ ብ1980 ካብ ሜዳ ናብ ዓዲ ዓረብ ወጺአ፡” ብምባል ንዅነታት ስድራኡ ኣመልኪቱ ኣዕሊሉ ነይሩ።
ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ካብ ስደት ጠቒሊሉ ናብ ዓዱ ዝኣተወ እዚ በሃር ስነጥበበኛ፡ ኣብቲ መድረኽ’ውን ሓያለ ደርፍታት ኣበርኪቱ እዩ።
ካብዚ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት ግን ብሕማም ክሳቐ ከምዝጸንሐ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ሎሚ 12 ሕዳር ድማ ኣብ ኣስመራ ዓሪፉ።