ህወሓትን ዕጡቓት ‘ሓራ መሬት’ን ብዛዕባ ግጭትን መጥቃዕቲ ድሮንን እንታይ ይብሉ?

https://www.bbc.com/tigrinya/articles/cddrq418qy8o

8 ሕዳር 2025, 09:20 EAT

ኣብ መንጎ ሓይልታት ትግራይን ዕጡቓት ‘ሓራ መሬት’ ን ብረቡዕ ንዘጋጠመ ግጭት ስዒቡ፡ መንግስቲ ፈደራል ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ ነቝጣ ሓይልታት ትግራይ መጥቃዕቲ ድሮን ከም ዘካየደ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንስምምዕ ፕሪቶርያ ብምጥሓስ ናብ 28 ጥቅምቲ 2018 (ግእዝ) ኣብ ዘውግሕ ለይቲ ደብዳብ ድሮን ከም ዝፈጸመ ይኸስስ።

“እዚ ደብዳብ ድሮን ንስምምዕ ፕሪቶርያ ምሉእ ብምሉእ ዝጥሕስን ነቲ ስምምዕ ናብ ዝኸፍአ ሓደጋ ዘእቱን ተግባር እዩ። ንስቕታ ኣደራደርቲ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ስዒቡ፡ ስምምዕ ፕሪቶርያ ከይፍጸም ክሕንኵል ዝጸንሐ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ስምምዕ ብግልጺ ጥሒሱዎ ኣሎ፡” ኢሉ።

እቲ መግለጺ ቀጺሉ፡ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን፡ “መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዅሎም ኣፈላላያት ብሰላማዊ ዘተ ክፍትሑን ካብዚ ናይ ጥፍኣት ተግባራቱ ክቝጠብን ደጊሙ ጻውዒት የቕርቡ፡” ክብል ኣተሓሳሲቡ።

ህወሓት፡ ብሰንኩ: ኣብ ልዕሊ ኣባላት ሓይልታት ትግራይን ነበርትን ጕድኣት በጺሑ ብምባል ከሲሱ።

ሓደ ስሙ ክጥቀስ ዘየፍቀደ ኣዛዚ ሓይልታት ትግራይ ንሪፖርተር ቢቢሲ ትግርኛ ግርማይ ገብሩ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ መጥቃዕቲ ሚልካ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ኣብ ልዕሊ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ዕጡቓት ትግራይ ከም ዝተፈጸመ ገሊጹ።

ቢቢሲ፡ እቲ በጺሑ ዝተባህለ ጕድኣት ብናጻ ኣካል ኣየረጋገጾን።

ብዛዕባ እዚ ተፈጺሙ ዝበሃል ዘሎ መጥቃዕቲ ድሮን ካብ ቢቢሲ ዝተሓተተ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ድማ: ዋላ’ውን ነቲ ክሲ ዘረጋግጽ ወይ ዝኽሕድ መልሲ እንተ ዘይሃበ፡ ‘ንሕና ኣብ ዝመረጽናዮ ግዜ ክንገልጽ ኢና ኢሉ ኣሎ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *