
3 ሕዳር 2025, 10:30 EAT
ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ በድር ዓብደልዓጢ ምስ መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሓን ስዑዲ ዓረብ `ኣል ዓረብያ` ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ ምምሕዳር ቀይሕ ባሕሪ ናይተን ኣብቲ ገማግም ዝርከባ ሃገራት ጉዳይ ምዃኑ ብሓይለ-ቓል ተዛሪቡ።
ነታ ባሕሪ-ኣልቦ ኢትዮጵያ ካብ ዝዀነ ይዅን ተሳትፎ ዘግለለ ኰይኑ፡ “ጂኦግራፊ ወዲ-ሰብ ክቕይሮ ዘይክእል መለኮታዊ ፍርዲ እዩ፣ ኢትዮጵያ ድማ ክሳዕ ምጽኣተ-ኣለም ወደብ-ኣልቦ ኰይና ክትጸንሕ እያ፡”ብምባል ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ-ባሕሪ ዝዀነ ግደ ከም ዘይህልዋ ገሊጹ።
ግብጺ ምስ ስዑዲ ዓረብ ብምዃን፡ “ነዚ ኣገዳሲ መተሓላለፊ መስመር ምምሕዳሩ ኰነ ጸጥታኡን ምርግጋኡን ንምሕላዉ ኣውራ ሓላፍነት፡” ከም ዝስከማ ሓቢሩ።
ብተወሳኺ፡ ግብጽን ስዑዲ ዓረብን ኣብ ምምሕዳር ቀይሕ ባሕሪ ሓድሽ መርሓ ንምውጻእ ኣብ ዘተ ከም ዘለዋ ተዛሪቡ።
ግብጺ፡ ነዚ ካብ ኣገደስቲ መተሓላለፊ ንግድን መጓዓዝያ ጸዓትን ዓለም ዝዀነ መስመር በተን ብቐጥታ ምስ ቀይሕ ባሕሪ ዝዳወባ ሃገራት ክመሓደር ከም ዘለዎ እያ ትምጕት።
ምኒስተር በድር ዓብደልዓጢ እተን ኣብ ግማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝርከባ ሃገራት ጥራሕ ኣብ ምምሕዳሩ ሕጋዊ፡ ስትራተጅያውን ሞራላውን ሓላፍነት ከም ዘለወን ብምግላጽ፡ እታ ወደብ-ኣልቦ ዝዀነት ኢትዮጵያ ኣብ ምምሕዳር እቲ ባሕሪ ክትሳተፈሉ እትኽእል ሕጋዊ መሰረት ከም ዘይብላ ኣስሚርሉ።