ዕሉል ኣስጋሪ ኤርትራዊ ተወልደ ጐይትኦም [ወሊድ] መስርሕ ፍርዱ 3 ሕዳር ክጅምር’ዩ The trial of the notorious Eritrean (born in Eritrea) is set to begin on November

https://www.bbc.com/tigrinya/articles/cx2l74jz0zko

31 ጥቅምቲ 2025, 08:47 EAT

ምስማዕ ተወሰኽቲ መሰኻኽርን መስርሕ ፍርድን ዕሉል ኣሰጋጋሪ ሰባት ኤርትራዊ ዝመበቈሉ ብወሊድ ዝፍለጥ ተወልደ ጐይትኦም ካብ 3 ሕዳር ጀሚሩ ኣብ ሆላንድ ከተማ ዝዎለ ክጅመር ምዃኑ ተፈሊጡ።

እቲ ምስማዕ መሰኻኽር ኣዝዩ ብዙሕ ስለዝዀነ ወርሒ ክወስድ ከምዝኽእል’ዩ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ተወልደ ጐይትኦም ወይ ወሊድ ኣብ ሊብያ ንሓደ ዓለምለኻዊ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ብምምራሕ፡ ሰባት ብምእሳር፡ ብምስቓይን ጾታዊ ዓመጽ ብምፍጻምን’ዩ ዝኽሰስ።

እቲ ንሱ ዝመርሖ ጕጅለ ኣብ ሊብያ በኒ ዋሊድ ዝብሃል መዳጐኒ ስደተኛታት ዘለዎ ኰይኑ፡ ወሊድን መሳርሕቱን ነቶም ካብ ሱዳንን ካልኦት ሃገራትን ዘስገርዎም ሰባት ኣብዚ መዓስከር እዚ ዳጒኖም እናኣሳቐዩ ካብ ስድራኦም ኣሽሓት ዶላራት ከምዝቕበሉ ይግለጽ።

ተወልደ ጐይትኦም ከኣ ቀንዲ ኣሳቓዪ ኰይኑ ኣሽሓት ምናልባት’ውን ዓሰርተታት ኣሽሓት መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ዝዀኑ ስደተኛታት ብመንገዲ ወሊድ ብዘይሓጋዊ ኣገባብ ይዘዋወሩ ምንባሮም’ዩም ዝገልጹ።

መንግስቲ ሆላንድ፡ ብመንገዲ ተወልደ ጐይትኦም ናብታ ሃገር ዝኣተዉ ስደተኛታት ብተወልደ ዝበጽሖም ዝነበረ ግፍዒታት ምስ መስከሩ’ዩ ነቲ ጉዳይ ናብ ቤት ፍርዲ ኣምሪሕዎ፣ ክሳብ ሕጂ ከኣ 191 ዝዀኑ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ነቲ ብተወልደ ዝበጽሖም ግፍዒታት ምስክርነት ሂቦምሉ ኣለዉ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *