
26 ጥቅምቲ 2025, 08:20 EAT
ኣብ ዞባ ጋሽባርካ መስመር ባረንቱ-ኣንቶረ ብዓርቢ 24 ጥቅምቲ ብሰንኪ ዘጋጠመ ሓደጋ ምግምጣል ዓባይ መኪና ጽዕነት፡ 8 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ካልኦት 13 ከምዝተጐድኡን ኣብ ንብረት ድማ ከቢድ ዕንወት ከምዝወረደን ጸብጻባት ይሕብሩ።
እታ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ-ቐትሪ ካብ ባረንቱ ተበጊሳ ናብ ኣንቶረ ትጓዓዝ ዝነበረት ዓባይ መኪና፡ ነዊሕ ከይከደት፡ ካብ ባረንቱ ኣስታት 12 ኪሎ-ሜተር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ሻካት ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ኣብ ዝበጽሓትሉ እዩ እቲ ሓደጋ ኣጋጢሙ።
ኣገልግሎት ዜና ኤርትራ፡ ንሓላፊ መርመራ ሓደጋ ኣብ ፖሊስ ትራፊክ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣቶ ኢሳይያስ ብርሃነ ጠቒሱ ከምዝሓበሮ፡ “መራሒ መኪና ናይታ ከቢድ ጽዕነት ዝነበራ መኪና ብሓደገኛ ኣገባብ ይመርሓ ከምዝነበረ” ኣመልኪቱ።
እንተዀነ ዝርዝር ጠንቂ ሓደጋን፡ እቶም ግዳያትን ኵነታት እቶም ዝተጐድኡ ሰባትን ዝምልከት ዛጊት ዝተነጸረ ነገር የለን።
ይዅን ግን እቶም ግዳያት እዚ ሓደጋ ተጓዓዝቲ ህዝቢ ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት።