
23 ጥቅምቲ 2025
ሓለዋ ዶብ ቤላሩስ ሓደ ሬሳ ዝተሰከሙ ክልተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ኣብ ዝርከብ ምስ ላቲቭያ ዘዳውብ ዞባ ብራስላቭ ከም ዝረኸቡ ማዕከን ዜና ኤስ ቢ ኣቓሊሓ።
እቶም ብሰሉስ 21 ጥቅምቲ ዝተረኸቡ ብተርጐምቲ ተሓጊዞም ኤርትራውያን ምዃኖም ዝገለጹ ስደተኛታት፡ ኣብ ላቲቭያ’ኳ ኣትዮም እንተ ነበሩ፡ ኣብ ላቲቭያ ወተሃደራዊ ክዳን ብዝገበሩ ሰባት ተሃሪሞም፡ ሞባይላቶም ተሓዲጐም፡ ብብረት እናኣፈራርሑ ኣብ መኪና ሰቒሎም ኣብ ዶብ ቤላሩስ ከም ዝደርበዩዎም ሓቢሮም።
እቲ ኣብ መንገዲ ዝሞተ ወዲ 29 ዓመት መጓዕዝቶም’ውን ብሰንኪ እቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝበጽሐ ማህረምቲ ከም ዝሞተ ንፖሊስ ቤላሩስ ገሊጾም።
መርመርቲ ዞባ ብራስላቭ እቲ ተሸኪሞሞ ዝነበሩ መጓዕዝቶም ሙማቱ ብምርግጋጽ፡ እቶም ክልተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዘድሊ ሕክምናዊ ሓገዝ ናብ ዝረኸብሉ ማእከል ጥዕና ከም ዝተወሰዱ ክፍለጥ ተኻኢሉ።
ብዘይካ እዚ፡ ተወሳኺ መርመራ ንምክያድ ኮምቴ ክፍሊ ዞባ ብራስላቭ ነቲ ሬሳ ይምርምርዎ ምህላዎም ገሊጾም።