ንምንታይ ኤርትራ ኣመሪካ ቪዛ ኣጊዳታ?

ዶናልድ ትራምፕ ነዘን 12 ሃገራት ምሉእ እገዳ ዝገበረለን፡ ምስ ሓደጋታት ሃገራዊ ድሕነት ብምትእስሳር ስለዘለወን እዩ።

እዘን ዝስዕባ 12 ሀገራት ኣብ እገዳ ኣትየን ዘለዋ።

ኤርትራ፡ ሱዳን፡ ሶማልያ፡ ሊብያ፡ ጫድ፡ ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎን ኢኳቶርያል ጊኒን ክህሉዋ እንከለዋ፡ የመን፡ ኣፍጋኒስታን፡ ሚያንማር፡ ሀይቲን ኢራንን ድማ ተወሰኽቲ ኣብቲ ዝርዝር ዘለዋ ሃገራት እየን።

ኣመሪካ፡ መንግስቲ ኤርትራ ፓስፖርትን ስቪላዊ ሰነዳትን ብግቡእ መንገዲ ከም ዝህብ እምነት የብላን። እዚ ድማ ናይ ሰባት መንነት ኣብ ምርግጋጽ ስክፍታታት ዘለዓዕል እዩ ይብል።

ብዘይካ’ዚ፡ መዝገብ ገበን ኤርትራውያን ዜጋታት ንኣመሪካ ክፉት ስለ ዘይኰነ፡ ጸጥታዊ ስክፍታታት ዝፈጥር እዩ። ኤርትራ [ምስ ኣመሪካ] ናይ ዘይምትሕብባር ድሕረ-ባይታ ኣለዋ፣ ብሕልፊ፡ ዝተሰጐጉ (ዝተኣልዩ ውልቀሰባት) ምቕባል ከም እትኣቢ ይገልጽ።

እቲ ካልኣይ ምኽንያት ድማ ብዛዕባ ካብ ገደብ ግዜ ቪዛኻ ምሕላፍ ኰይኑ፡ ኤርትራውያን ኣብዚ መዳይ’ዚ ልዑል መጠን ከም ዘመዝግቡ ብኣሃዛት ኣሰንዩ የቕርብ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *