ኣብ ዝሓለፈ 9 ጥቕምቲ 2016 ስርዓተ ቀብሩ ዝተፈጸመ ኣምባሳደር ስርዓት ህግደፍ ግርማ ኣስመሮም ምኽንያት ኣማውታኡ ንሰባት የዛርብ ኣሎ።

ካብ እሙናት ኣገልገልቲ ኢሳያስ ሓደን ገዲም ተጋዳላይን ዝነበረ ግርማ ኣስመሮም፡ ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሒ ስልጣን ኮይኑ ዝሰርሐ ሓደ ካብ’ቶም ኣለው ዝበሃሉ ናይ’ቲ ስርዓት ዓበይቲ ኣምባሳደራት ክንሱ፡ ሕማሙ፡ ዝተገብረሉ ሕክምናዊ ክንክን ኮነ ወግዓዊ ኣፈጻጽማ ስነ-ስርዓት ቀብሩ ሕቶታት ዘልዕል ግሉጽነት ዝጎደሎ ምልክታት ከም ዝተዓዘቡ ኣስማቶም ክግለጽ ዘይደለዩ ኤርትራውያን ካብ ዱባይ ሓቢሮም።

እቶም ወሃብቲ ርእይቶ ሕቶ ዝፈጠረሎም ምኽንያት ክገልጹ እንከለው፡ ግርማ ኣስመሮም ብመዕቀኒታት ናይ’ቲ ስርዓት ዝለዓለ በዓል ስልጣን’ዩ። ኣብ ኒውዮርክ ነቲ ስርዓት ወኪሉ ዝተመደበ ዓቢ ኣምባሳደር’ዩ። እንተኾነ ንሕማሙ ናይ ቃልሲ ተመክሮኡን ተኣማንነቱን ዝምልከት ከም’ቲ ዝድለ ዜናዊ ሽፋን ኣይረኸበን።

ንውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ሓዊስካ እቶም ቀንድን ወሰንትን ኣመራርሓ ውድብን መንግስትን ኣብ ዕለተ ቀብሩ ኣይተረኽቡን። ኣብ ተመክሮ ህግደፍ ኣብ ኣገዳሲ መድረኻትን ስነ-ስርዓት ቀብሪ ፍሉጣት ሰባት ተራእዮም ዘይፈልጡ ሰባት ጌርካ’ዩ ናይ ከመይ ነበረ ቃለ-ምስክርነት ክወሃብ ተጊሩ። ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከም መራሒ ሃገር፡ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ከም ዋና ጸሓፊ ህግደፍ፡ ፍሊጶስ ወልደ የውሃንስ ከም ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ኣብ ሓመድ ድበኡ ዘይተረኽብሉ፡ ወይ ብልኡኻቶም ዕታር ዕንበባ ኣብ መቓብሩ ዘየንበርሉን ምኽንያት፡ ‘ምበር’ዶ ብባህሪያዊ ሕማም’ዩ መይቱ ዝብል ጥርጠራ ፈጢሩ ድሮ ብሕሹኽሹኽ የዛረብ ከም ዘሎን ኣረዲኦም።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስርዓት ህግደፍ ጠንቂ ስደት ኤርትራውያን ፖሊሲ ሃገራት ኤውሮጳ’ዩ ኢሉ።

ወትሩ ካብ ሓቅን ተሓታትነትን ዝሃድም መንግስቲ ህግደፍ፡ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢኡ ኣቢሉ፡ ጠንቂ ዋሕዚ ስደት ኤርትራውያን ብመንግስቲ ኤርትራ ካብ ዝበጽሖም መሰረታዊ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ንምህዳም ዘይኮነ፡ ሃገራት ኤውሮጳ ብመደብ ንኤርትራውያን ዝህባኦ ዘለዋ ፖለቲካዊ ዑቑባ’ዩ ዝብል መሕፈሪ ዝኾነ ኣጀንዳ ሒዙ፡ ሃገራት ኤውሮጳ ምስ ስደተኛታት ካብ ዝገብራኦ ምድንጋጽ ክቑጠባ፡ ጎስጓሳት ከካይድ ከም ዝቐነየ፡ ዛጊት ግን ኣቓልቦ ዝሃቦ መንግስቲ ከምዘየለን ተፈሊጡ።

ጠንቂ ዋሕዚ ስደት ናይ ኤርትራውያን ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጸገም ምዃኑ፡ ስለዚ ከኣ ኣብ ዘለዎ መታን ክዕገት ብዝብል፡ ካብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣማኢት ሚሊዮናት ዩሮ ዝተሰለዓሉ ስርዓት ህግደፍ፡ በቲ ስማዊ ሚኒስተር ወጻኢኡ ዑስማን ሳልሕ ኣቢሉ፡ ምስ ዝተፈላለዩ ሰበ-ስልጣን ኤሮጳዊ ሕብረት ኣብ ዝገበሮ ርክባት፡ ዛጊት ዋሕዚ ስደት ከምዘይተገትአን ብዝሰፍሐ መልክዑ ይቕጽል ከም ዘሎን ኣሚኑ፡ ናይ’ዚ ተሓተቲ ትካል ስለያ ኣመሪካ ሲ ኣይ ኤን ንዝመጽእዎን ስደተኛታት ሰብኣዊ መሰሎም ኣኽቢረን መሰል ዑቑባ ዝህባ ዘለዋ ሃገራት ኤውሮጳን’የን ክብል ዘስመዖ መደረ፡ ንብዙሓት ካብ ምግራም ሓሊፉ፡ ተጸጊሙ ንዝመጾ ተቐቢሉ ዝተኣናገደ ህዝብን መንግስትን ብከመይ ብጠንቅነት ይኽስስ ዝብል ሰፊሕ መዛረቢ ዛዕባ ኮይኑ ከም ዘሎን እሙናት ምንጭታት ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ ካብ ኤውሮጳ ሓቢሮም።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 19-10-2016

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *