ሰነዳት ሳክቲዝም ‘Sactism’

 

ፔጅ ሳክቲዝም ስራሕ ካብዝጀመርትሉ ኣትሒዙ ብምኽንያት ዝረኸበቶ ሰፊሕ ተቐባልነት ሓያል ሻቕሎት ዘሕደረ ጉጅለ ኢሳይያስ፡ ነታ ፔጅ ንምዕጻው ተፈለለየ ፈተናታት ኣካይዱ፡፡ ፈለማ ዝተወደበ ጥርዓናት ናብ ፌስቡክ ብምልኣኽ፡ ንኣስታት ሰለስተ ሰሙን ክትዕጾ ገይሩዋ፡፡ ሓዳስ ፔጅ ብምኽፋት ኣብ ውሽጢ 3 ኣዋርሕ ልዕሊ 19 ሺሕ ላይክስ (likes)፡ ልዕሊ 250 ሺሕ ፕሪቪው (Preview)  ፡ ከምኡ’ውን ልዕሊ 1 ሺሕ ሼር (Share) ዝግበሩ ጽሑፋት ክቐርቡ ምስጀመሩን መንነት ጉጅለ ህግደፍ ዘቃልዑ ሚስጢራዊ ሰነዳት ኣብ መላእ ዓለም ናብ ዝርከብ ኤርትራዊን ማሕበረሰብ ዓለምን ክባጻሕ ምስጀመረ ሻቕሎቱ ዚያዳ ሰማይ ዓረገ፡፡

ኣብ ሳክቲዝም ዝተፈነው ሚስጢራዊ ሰነዳትን ሓበሬታትን ዓለም ለኸ ውድባት፡ ሚዲያታትን ጸሓፍትን ክጥቀምሉ ምስ ጀመሩ: ብቀጥታ ኣብ መላእ ዓለም ዘለው ደገፍትን ሰዓብትን ብምውዳብ ካልኣይ ግዜ ንፔጅ ሳክቲዝም ንምዕጻው ዝተፋለየ ፈተነታት ኣካይዶም ዋላ እንተዘይከኣሉ ኣብ መወዳእታ፡ ንኣድሚን ”ሉላ ቀለታ” ብጥርዓናት ክትእገድ ብምግባር ኣብ ፔጅ ሳክቲዝም ዝኾነ ዓይነት ጽሑፍ ከይጸሓፍ ተገብረ፡፡

 

እንሆ! ድሕሪ ክልተ ወርሒ ብደገፍ ግዱሳት ዜጋታት ሳክቲዝም ብመልክዕ ዌብሳይት (Website) ስርሓ ብውግዒ ጀሚራ’ላ፡፡ ካልእ ይትረፍ ብዌብሳይት እኳ ስራሕ ንከይጅምር sactism.com, sactism.net & sactism.org ዝብሉ domain names ከይተረፈ ኣቐዲሞም ክተሓዝ ገይሮምዎ’ዮም፡፡ በዚ ምኽንያት ነዛ ሓዳስ ዌብ ሳይት www.sacttism.com ብዝብል ‘’ዳብል t’’ ክገብራ ተገዲደ ኣለኹ፡፡

ዝኸበርካ ደላይ ፍትሒ!! ከምቲ ልሙድ ነዛ www.sacttism.com ሓዳስ ዌብሳይት ናብ ኩሉ ክትባጻሕ ዝከኣለካ ክትገብር እንዳተላቦኹ፡ ሃገር ናብ ዕንወት ወለዶታት ናብ ምጽናት ዝሸመሙ ብገበናት ኣንጻር ሰብኣዊነት ዝሕተቱ ህግደፋውያን ህዝብናን ማሕበረ-ሰብ ዓለም ንክፈልጦም ዝከኣለና ኩሉ ንግበር፡፡

ካብ ዝቕጽል ሰሙን ጀሚሩ ከምቲ ልሙድ ኣብ ኢደይ ዝርከቡ ክሳብ ሓደ tera byte ሙሉእ ሃርድዲስክ ሚስጢራዊ ሓበሬታታትን ካልኦት ሰነዳትን ቀስብቀስ ምፍናው ክጅምር’የ፡፡   ፈለማ ማህደረ ጥልመት ዘኢሳይያስ ብዝብል ዝጀመርኩዎ ጽሑፍ ካልኣይ ክፋል ብምቕራብ ሚስጢራዊ ቅትለት መሓመድ ሓጎስ (እንዳ ኦሞ)ን ኩነታት ኣማውታ ኮ/ል ገረዝጊሄር ኣስመላሽ (ሓላፊ ትካል ሰንበል ስራሓት ዕንጭትን ሓጺንን) ዝምልከት ብመረዳእታ ዝተሰነየ ሓበሬታ ከቕርበልኩም’የ፡፡

 

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *