ኤርትራ ሃገርና ቅድምን ድሕርን ኣብ እዚ ርብዒ ዘመን ተቖጺሩ ዘሎ ስማዊ ናጽነትን ብሰንሰለት መግዛእታዊ ሓይሊ ኣብ መጠኑ ዝሓለፈ ዕንወትን ብርሰትን ዝተሳጥሓት፡ ማዕሪኡ ድማ ህዝባ ብሓለንጊ ጨቆና ምልኪ ምንቃጽ ዝኣበየ ስነብራትን ዘባህርር ማህሰይትን ዝበጽሓን ዝበጽሓ ዘሎን ሃገር ኢያ፡፡ እዚ ዘለናዮ እዋን እምበኣር፡ ነዚ ግብረ እከይ ድርሳነ መግዛእቲ መዘና ዘይብሉ ዓፈናን በደልን መዕገቲ ዝናደየሉ መደረኽ በጺሕና ብምህላውና ይጽንሓልና ዘይባሃሎ ናይ ኣፈ-ኣርክቡ እዋን ብምዃኑ ነቲ በደላት ሓደ ክልተ እንዳ በልና ንልዓዓለሉ ዝርዝራዊ መረዳእታ ምቕማጥ ግሁድን ቃልዕን ካብ ምዃኑ ዝተላዕለ እቲ ትርጉሙ ትርጉም የብሉን፡፡ ከመይሲ ብዓንዳርእሱ፤ ነቲ ሰብኣዊ ተፈጥሮ ስነ-ኣእምሮኣዊ ትዕድልቲ እኳ ከይተረፈ ጅሆ ብምቑራን ደረቱ ዘይሓለወ፡ ጉልበታዊ ግልያነትን ምዝመዛን ካብ ዝባን ዉጹዓት ንምልጋስ፡ ከምባህርያዊ ሓደጋ ኢደ-እግርኻ ዓጺፍካ ብጸሎትን ብስግዳንን ዘብቅዕ ስለ ዘይኮነ፡ ንነባሪ ፍታሕ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ኩሉ ሓይልና ወዲብና ነቶም ሰብ-መሰል ሰጣውንቲ ዝሃንደስዎ ሽርሒ፤ ብዘየዳግም መጽፋዕቲ ትሕቲ ምድሪ ክድበ ምእንቲ ብዘይሐለል መኸተ ምርብራብ እዩ እዚ እዋናዊ መፍትሕና ክኸውን ዝኽእል፡፡
እዚ ካልእ መጋማጠሊ ዘይብሉ ምርጫና፡ ምርኩስ ብምግባር ህዝቢ ኤርትራ ከም እቲ በቲ ዘይክማህ ተወፋይነቱ ኣቢሉ፡ ኣንጻር ወፈራ ጨቆንቱን ባርባራውን ባዕዳውን ገፋዕቱን ብምልዓል፡ ንባህጊ ዘዕባታቶም (ጥሙሕ ኣጀንዳታቶም) ውሽጣዊ ዓቕሙ ተጠቂሙ ኢዱ ከይሃበ ንዝወረዶ ሕሰመ- መከራ ፊት-ንፊት ገጢሙ እንዳኣበርዓነ ናጽነቱ ህያው ከም ዝገበረ፤ ሕጂ ድማ ብዝደንፍዐ መልክዑ ነቲ ብደሙ ዝወረቖ ታሪኻዊ ሓቂ ብምሕዳስ፡ ህሉው ኩነታቱ ኣብ ምትካል ህዝባዊ መንግስቲ ጉሉሕ መቕይሮ ክገብር ይጠልቦ ኣሎ፡፡ እዚ ነካይዶ ዘሎና ቃልሲ ህዝባዊ ቃልሲ ከምዃኑ መጠን፤ ህዝባዊ ምልዕዓል የድልዮ፡ ህዝባዊ ጸዋዒት የድልዮ፡ መበገሲ ከኣ የድልዮ ታሪካዊ መበገሲ፡ ሰውራዊ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣማራጺ ሲኢኑ ናብ ጎነጻዊ ቃልሲ ክሰጋገር ከሎ፡ ንኣተሃላልዋን ኣቃውማን ገዛእቱ ኣብግምት ዘእተወ ቅኑዕ ምርጫ ቃልሲ ኢዩ ተጠቂሙ እዚ ክንብል ከለና እቲ ኣብ ውሽጡ ዘንጸባረቖን ሕድሕዱ ዘተሃናቶን ድኽመታቱ ብዙሓት ኣብ እቲ እዋን ዝዋዓሉ ብተደጋጋሚ ስለዝዘርዘርዎ እንተደኣ ተማሂርናሉ ሃሊናስ እኹልን ፈረቓን ኢዩ፡፡ እቲ ነቲ ብረታዊ ቃልሲ ከልዕል መገምገሚ ዝኾነ ፖለቲካዊ ምንቅስቓሳቱ ውን እንተኾነ ነቲ ዉዕዉዕ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ኣርባዓታትን ሓምሳታትን ጽቡቕ ጌሩ ኢዩ ከም መበገሲ ተጠቂሙሉን ሰሪሑሉን፡፡ ሎሚ ድማ ካልእስ ይተረፍ ነቲ ርሱን ህዝባዊ ሃገራዊ ስሚዒት፡ ነቲ እምብለይ ንጭቆና፡ ነቲ ብኒሕ ምቅላስ፡ መወከሲ ጥራሕ ዘይኮነስ መበገሲ ጌርና ክንልዓል ወጽዓና የድህየና ኣሎ፡፡
ከመይ እንተበልና እቲ ብሰለማዊ ፖለቲካዊ ሕቶ ክጭበጥ ዘይከኣለ ናጽነትና፤ ፍታሕ ንኽረክብ ጥምረት ኣብ መሳርዕ ብረታዊ ቃልሲ ከም ዝወለደ ሎሚ እውን እዚ ብሰለማዊ ሰልፊ፡ ብምስዳድን ዓዲ ብምርጥራጥን፡ ንሽግራትና ንምጻር ዝገበርናዮ ጸማም እዝንን፡ ከምኡ’ውን ብምርግጋጽ ምርመራ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ምህላዉ ኣብሃገርና ጌና ዛጊት ኣብ ክንዲ ንህዝብን ሃገርን ንምድሓን ህጹጽ ፍታሕ ዝወልድ ንዓመት ዓመት እንዳወለደ ይኸይድ ብምህላዉ፡ መልእኽቱ ካብ ዝንጽረልና እዋኑ ኣይቀለለን፡ እዚ ከኣ እንታይ እዩ ዘመልክተልና ፍታሕና ካባናን ካብ ቃልስናን ምዃኑ ቡሩህ እንዳኾነ መመሊሱ ይንጽር ምህላዉ ክርድኣና ይግባእ፡፡ በዚ መሰረት እምበኣር እቲ ንናጽነት ንምጭባጥን ንምርግጋጽን ዝተገብረ ቆራጽነት ዝተኸፍሎ ዋጋን ሎሚ ውን ንድሕነትናን ንቐጻሊ ህላወና ከም ህዝብን ሃገርን ኣብ ህርኩትነትና ዝምርኮስ መጠን ዋጋ ከኽፍለና ኢዩ፡፡ እዚ ማለት ካብ ሎሚ-ሕጂ ኢልና ኣብ ንብገሰሉ ክብደት ዋጋ ዝምርኮስ ንሕተት ኣሎና፡፡
ንሕና ከም ህዝቢ ኤርትራ ዋናታት ሰብ ቤት ናጽነት ካብ ኮና እቲ ንናጽነት ሓደ ሕብረተ-ሰብ ሙሉእ ዘብሎ ጎዲሉና ምህላዉ ካብ ተረደኣና፡ ሕጂ’ውን ክህሉ ዝኽእል ሓፍ-ዞቕን ከርተትን ዋጋ ሓርነትና ብዘይነግ-ፈረግ ተጻዊርና፡ ከም እቲ ንኣርዑት ባዕዳውያን ገዛእቲ ካብ ዝባና ራዕ ኣቢልና ናይ ናጽነት ክብሪ ኣኽሊለ ከም ዝኣወጅና፡ ኣብ ሂወት ምትካል ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ መንግስትን ህዝባዊ ናጽነትን ሓርነትን ነጥበ መቐይሮ ክንግብር ይግባኣና ኢዩ፡፡ እንተዘይኮነ ደጊምና ነዞም ምግዛእና ጨው-ጨው ጢዒምዎም ዘሎ ሰብ እዱድ መደብ መራሕቲ ህግደፍ ልቢ ሰዅዖም ህዝበዊ ስርዓት ክትከል ኣብ ኤርትራ ምጽባይ፡ ካብ ጡብ ብዕራይ ጸባ ክትረክብ ሃንቀው ምባል ኢዩ እቲ ትርፉ፡፡
የግዳስ እዞም ወጽዓና ኣለሊና ኣብ መሳርዕ ደምበ ተቓዉሞ ኣሎና ንብል ውልቀ-ተቓለስቲ ይኹን ኣብ ጥርናፈ ዘለና፡ ነቲ ጸሎት ሰይጣን ዝዓይነቱ ባህግና ማለት ንከማና ዝበለ ሓይሊ ተቓዉሞ ተዳኺሙ ክርአ ምምህላልን ክደክም ምእንቲ ብጎድኒ ጎድኒ ምትንኳይን ፈሽሉ እንዳበልካ ምግዓርን ኣቋሪጽና፡ ድልዳለን ሓይልን ሕድ-ሕድና ኣገዳሲ ምዃኑ ኣብ እነካይዶ ቃልሲ ብምእማን ኩርባባና ናብ ህግደፍ ጥራሕ ክኸውን ይግባእ፡፡ ኣብ እዚ ጋህዲ ክኾነልና እንደልዮ ዘለና፡ ብምግዓር ዝእለ ደመኛ ከም ዘይብልና ደጊምና ብምንጻር፡ ንሓድነት ክህልወና ዝግብኦ ማዕጾ 180º(ዲግሪ) ብምኽፋት ኣብ ክንዲ ንተዓዳደም መርኣያ ናይ ዘይድልዉነትና ኣብ ጉዳይ ሓድነት ይኸን ስምረት ንኣባላትና ንምግላጽ ትብዓት ምስ ሰኣና፡ ዘሎን ዘየሎን በሰር ኣብ ሓይሊ ደላይ ሓድነት ይኹን ስምረት ብምድፍዳፍ ካን ዓይነ-ስዉር ቃልሲ ጌርካ ብምግላጽ ዝግበር ህድማ ኣውዒሉ ዘየሐድር ምሕባእ ኣብ ጎሎ-ገዛ እዩ እሞ፡ ካብ እዚ ዘየርባሒ ጓል-መገዲ ወጺእና ሕቶ ሓድነት ይኹን ስምረት ክንምልስ ሓፋሽ ይጠልብ ብምህላዉ ሕቶ ህዝቢ ንምምላስ ክኣ ንቃለስ ካብ ሃለና ብዝጥዕምን እዋኑ ብዝጠልቦ ዘሎ ሃለዋትን ብዝግባእ ሚዛን ብምስፋርን መደብና ብምምሕያሽን ክንምልስ ይግባእ፡፡
ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!!!
ዓወት ንሓፋሽ ብተግባር!!!
12 / ሓምለ / 2016 ብጾት ሞራልን ሰንሰሎማይን