ውሕሉል ኣተሓሕዛ ውራይና።
ካብ ኣባላት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ ሰሜን ኣመሪካ።
ኣብዚ ቅንያት’ዚ ንመስርሕን ውሳኔታትን 4ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ ዝምልከት ዝተፈላለየ ርእይቶታት ክስማዕ ቀንዩ። እቲ ብሓደ ወገን ዝንገር ኣብ ሓቅን ክውነነትን ዝተመርኮሰ ክኸውን እንከሎ ገገሊኡ ድማ ወይ ብሰንኪ ሕጽረት ሓበሬታ ወይድማ ብዛዕባ’ቲ ውድብ ካብ ዝህሉ ባዕላዊ ኣጠማምታ ዝብገስ ስለዝኾነ ንሰማዒ ናብ ግጉይ መኣዝን ክመርሖ ዝኽእል ኢዩ። ብፍላይ ብኣግኡ መብርሂ እንተዘይተዋሂቡሉ እቲ ዝንቡዕ ሓበሬታ ነቲ ጉዳይ ዘይመልክዑ ከትሕዞ ከምዝኽእል ዘጠራጥር ኣይኮነን። ብመሰረቱውን ብዲሞክራሲ ዝኣምን ውድብ ሓያል ይኹን ድኹም ጎድንታቱ ክገልጽ መትከላዊ እምነቱ ስለዝኾነ እቲ ተረክቦ ኣበየናይ ጽፍሒ ተፈጺሙ ብዘየገድስ ህዝቢ ክፈልጦ መሰሉ ምዃኑ ናይ ግ.ሃ.ድ.ኤ ሕድሪ ጽኑዕ መርገጺ ኢዩ። ነዚ ድማ ኢዩ ኣብቲ ብዕለት 6 ሓምለ 2016 ዝወጸ ደምዳሚ መግለጺ ንውጽኢት ናይቲ ኣኼባ ብዝምልከት “ክሳብ ጉባኤ ዝመርሑ ኣባላት ፈጻሚን ኣሰናዳኢት ሽማግለ ጉባኤን ገለ ውሱን ለውጢ ብምክያድ ኣኼብኡ ዛዚሙ” ክብል ብመራኸቢ ብዙሓን ዝዘርግሖ ።
ንሕና ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካናዳን እንነብር ተቐማጦ ሰሜን ኣመሪካ ዝኾንና ኣባላት ግሃድኤ-ሕድሪ በቲ ኣቐድም ኣቢልና ሒዝናዮ ዝነበርና መደብ መሰረት ትማሊ ቀዳም ዕለት 9 ሓምለ ኣብ ሰነዳት ጉባኤ ንምምይያጥ ኣኼባ ኣካይድና ኔርና። በቲ ኣጋጣሚ ነቲ ማእከላይ ባይቶና ዘውጽኦ መግለጺ ምስቲ ካልኦት ዝነዝሑዎ ቤላቤለው ብምንጽጻር ብደቂቕ ዘቲናሉ። ጽቡቕ ዕድል ኮይኑ ኣብቲ ኣኼባ ዝቐነዩ ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ኣብ መንጎና ስለዝነበሩ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ኩልና ብዕግበት ዝተቐበልናዮ ሰፊሕ መብርሂ ሂቦምና ኢዮም።
ብመሰረቱ ምቀኛ ዘለዎ ደቂሱ ነይሓድር ድኣ ኮይኑምበር ኣብ መንጎ መሪሕነት ውድብና ዘሰክፍ ፍልልያት ከምዘይነበረ ልዕሊ ኩሉ ንሕና ኣባላቱ ንፈልጦ ጉዳይ ኢዩ። ማእከላይ ባይቶ ዝገበሮ ለውጢ እቲ ድሕሪ ቁሩብ ኣዋርሕ ዝካየድ ጉባኤና ዘድልዮ መደረኻዊ ጠለባት ንምምላእን ዝሓሸ ኣገባብ ሒዝካ ናብኡ ንምእታውን ክብል ዝወሰዶ ውሽጣዊ ውዳቤታትና ዘደልድል ስጉምቲ ብምዃኑ ናይ መሪሕነትና ናይ ምምራሕ ክእለትን ብቕዓትን ዘመልክት ድኣምበር ካልእ ትርጉም ዝውሃቦ ወይከኣ ካልእ ዕላማ ዘለዎ ኣይኮነን። ስለዝኾነ ድማ ንሕና ኣባላት ግ.ሃ.ድ.ኤ ሕድሪ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ማእከላይ ባይቶና ንዘርኣዮ ውሕሉል ኣተሓሕዛ ውራይና ናእዳናን ደገፍናን ንገልጽ።
እቲ ሓቂ ከምዚ ልዕል ኢሉ ዝተገልጸ ክኸውን እንከሎ ገለ ወገናት ግና ካልእ ትርጉም ክህብዎ ምፍታኖም ዘሕዝን’ዩ።ብፍላይ እቲ ካብ ገሊኦም ዝቐረበ ሓበሬታ ደይመደይ ኢልካ ንኣባላትናን ንፈተውትናን ንምስንባድ ተባሂሉ ዝተገብረ ሙዃኑ ንርዳእ ኢና። ግንባርና ከምኩለን ውድባት ፈተውትን ጸላእትን ክህልዉዎ ባህርያዊ እኳ እንተኾነ ብፍላይ ነቶም ካብ ጸላኢ ንላዕሊ ንህልውናና ዝጻብኡ ተቓወምቲ ተመሲሎም ዝቐርቡ ሓንኮልቲ ግና በዚ ኣጋጣሚ ምሕያልና መርድእ ከምዝኾኖም ስለንርዳእ ጽንዓት ይሃብኩም እንተተባህሉ ኣብ ቦትኡ ኢዩ። ኣገባብ ዲሞክራሲ ምኽታልናን ንመንእሰይ ፍሉይ ኣቓልቦ ሂብና ተሳትፉኡ ስለዘዕዘዝናን ኣብ ኩርምቲ ገሊኦም ኣቲና ብኹሉ ዓቕሞም ንውድቀትና ከንቱ ጻዕሪ ከምዝገበሩ ኣይሰሓትናዮን። እዚ ግና ኣሓየለና ድኣምበር ኣየሸቑረረናን። ኣውራ ኣውራ ድማ እቶም ንውድቦም ጓዕጺጾም ሒዞም ገበርትን ሓደግትን ኮይኖም ንኽግብሉ ኣብ ናይ ዲክተተርነት መገዲ ታተ ዝብሉ ትምኑያት መደናገርቲ ናይዚ ሓድሽ ወለዶ ውሽጣዊ ጸገም እንተድኣ ሃልዩኩም እንኮ መፍትሒኡ ዲሞክራስያዊ ዘተ ኢዩሞ ካባና ንኽትምሃሩ የብቅዕኩም ብምባል ምኽርና ንልግሰሎም።
እንተ ንሕናዶ እዚ ናይ ሕጂ ምትዕርራይ ዓቢ ኣፍደገ ምዕባለ ከፊቱልና ኢዩ። ካብ ሕጂ ንደሓር ንውድብና ካብ ዓንቀፍቲ ጽልዋታት ኣርሒቕና ናብ ዝደልደለ ደረጃ ስለዝተሰጋገርና ምስቶም ጽኑዕ ህዝባዊ ዕላማን ዲሞክራስያዊ መትከልን ዘለዎም ደቂ ሃገር ተቓወምቲ ብውድብ ይኹን ብውልቂ ንገብሮ ምቅርራብ ብልዑል መንፈስ ክንከዶ ሙዃንና በዚ ኣጋጣሚ ንኹሎም ፈተውትና ነረጋግግጽ።
ሃገርን ህዝብን ልዕሊ ኩሉ!
ዓወት ንሓፋሽ ብተግባር!
ኣባላት ግሃድኤ ሕድሪ ሰሜን ኣመሪካ።
ሓምለ 11/2016.