
ቃል ሓዘን ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ



ታሪኽን ኣበርክቶ ሕርነታዊ ተጋድሎን ስድራ ዶ/ር በየነ ኪዳነ ርእሱ ዝኸኣለ ድርሰት የድልዮ ነይሩ። እንተኾነ ቦታን ወቕትን ስለ ዘይፈቐደ ንግዜ ዝወሃብ ይኸውን። ብዕለት 27.11.2015 ብጸይትናን ሓብትናን ኣለምጸሃይ መድሃኔ ናብታ ናይ ኩላትና ናይ መወዳእታ ጉዕዞ ከነፋንዋ ከለና ተደራራቢ መሪር ሓዘን እንዳተሰማዓና ኢና ኣፋኒናያ:: ፍሉይ ምኽንያት ድማ ነይሩና።
ዋላእኳ ሞት ዘይተርፍ ናይ ኩላትና ዕጫ እንተኾነ ሓዘን ስድራ ቤት ስዉእ ተጋዳላይ ዶ/ር በየነ ግን ኣዚኡ መሪር ኢዩ:: ዶ/ር በየነ ጌና ነቲ ዘይተመለአ ዕላማታት ደሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ጉቡኡ ንምፍጻም ኣብ መስርዕ ቃልሲ እናሃለወ እዩ ዝፈትዉዎ ውሉዶም „መዋእል በየነ“ ኣብ ዕሽል ዕድሜኡ ወዲ ሸሞንተ ዓመት ኣብ ስደት ዓለም ሃገረ ጀርመን ዋጋ ሓርነታዊ ቃልሲ ተጎዲኡዎም። ሞት ዕሸል መዋእል በየነ ከየብቅዕ ድማ፡ ብተመሳሳሊ ፍቕርቲ ጓሎም ተመሃሪት „ዳብራ በየነ“ ኣብ መበል 33 ዕድሜኣ ብሞት ተፈልያቶም። እዚ ድርብ ሓዘን`ዚ ተጻዊርካ ምኻድ ቀሊል እኳ እንተዘይኮነ፡ ኩሉ መዳያታ ኣብ ሃገራዊ ቃልሲ እተጸምደት ስድራ-ቤት ዶ/ር በየነ ግን ምስናይ`ዚ ኩሉ መሪር ሓዘን፡ ሃገሮም ብሰላምን ቅሳነትን እተረጋገጸት፡ ብልጽግቲ ሃገር ንኽትከውን፡ ዝነብሮም ሕልሚ ጋህዲ ንምግባር፡ ካብ ጻዕርን ተጋድሎን ኣቋሪጾም ኣይፈልጡን። ዶ/ር በየነ ኪዳነ ነቲ ኩሉ ድርብ ሓዘን ተጻዊሩ ኣብ እተፈላለየን ዝለዓለን ጽፍሒ ኣመራረሓ ውድብ ብምምዳብ ብዘይ ምሕላል ክቃለስ ድሕሪ ምጽናሕ ካብ መስርዕ ዲሞክራስያዊ ቃልሲ ከየቋረጸ ብ2013 ዓ.ም ተሰውአ። ብሓፈሻኡ ስድራ ቤት ክቡር ኣቶ ኪዳነ ዳብራ ብፍላይ ስድራ ዶ/ር በየነ ድማ ብፍላይ፡ ድሕሪቶም በቢ ሓደ ሪኦም ዝሰኣንዎም ዝፈትውዎም ደቆም ኣለምጸሃይ ኣርኪባቶም። ነታ ዝብሃጉዋን መዋእሎም ዝተቓለሱላን ናይ ሰላምን ራህዋን ቅሳነትን ሃገር ክርእዩ እተቓለሱላ ሃገሮም ሕልሞም ክውን ከይኮነን ብዓይኖም ከይርኣዩዋን ሓደ ድሕሪ ሓደ ተመራሪሖም ሓሊፎም።
በዚ ብምኽንያት ሞት ብጸይትናን ሓብትናን ኣለምጸሃይ፡ ሓጺር መግለጺ ስድራ ቤት ክነውጽእ ከሎና ዝስመዓና ሓዘን መሪር እዩ። በዚ ተረኽቦ፡ መላእ መሪሕነቱን መሰረታቱን ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ፣ ተሳተፍቲ እዚ መሪር ሓዘን እዚ ምዃንና ንገልጽ።
ኣምላኽ ብምሕረቱ ኣብ ትሕቲ ጽላሉ ይቀበሎም
ንዝሓለፉ መንግስተ-ሰማይ ንዝተረፉ ደበስ ኢዮብ ይደብሶም
ክፍሊ ዜናን ባህልን ግንባር ሃገርዊ ድሕነት ኤርትራ- ሕድሪ
30.11.2015