![]()
ሳልሳይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ግሃድኤ-ሕድሪ
ሳልሳይ ስሩዕ ኣኼባ ማእክላይ ባይቶ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ መቐጸልታ ናይ እቲ ብዕለት 20ን 21ን ሕዳር 2015ን ዓመታዊ ገምጋም ንጥፈታት ስርሑ ንምስማዕ፡ ካብ ዕለት 22ን ክሳብ ዕለት 26ን ሕዳር /2015 ቀጺልዎ ቀንዩ።

ባይቶ ኣብ እዚ ዝቀነዮ መዓልታት ኣኼብኡ ዓመታዊ ጸብጻቡን ካብ ዝረኣዮም ዓበይቲ ኣርእስትታት ሓፈሻዊ ህላወ ፖለቲካ ህግደፍ፡ ስርዓተ ዝምድና ፖለቲካ ህግደፍ ምስ ዓለምና፡ ኣህጉርናን ከባቢናን፡ ከምኡ’ውን ደምበ ተቓዉሞ ሃገርና ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ከኣ ውድብና ዘይስገር ሙዕቡል ፖለቲካዊ ሓይሊ፡ ናይ ሰናይን ስለማውን መቓርብትን ብምዃን መተካእታ ህግደፍ ክኾነሉ ዘይከኣለ ምኽንያት ኣብነታት ኣሰንዩ ብክትዕን ሪኢቶን መብርህን ብደቂቕ ፈትሽዎ፡፡

ባይቶ ግሃድኤ-ሕድሪ ዛጊት ኣብ እዚ ናይ ሽዱሽተ መዓልታት ኣኼብኡ፡ ሓፈሻዊ ፖለቲካዊ ዳህሳስ፡ ጸብጻባት ስክረታርያ ፍጻሚ ኣካል፡ ጸብጻባት ቤት ጽሕፍት ዜናን ባህልን፡ ጸብጻባት ቤት ጸሕፈት ክፍሊ ውድባ፡ ጸብጻባት ክፍሊ ቁጠባ፡ ጸብጻባት ክንፊ ወታደራውን ጸጥታውን ስሚዑ። እዘን ተጠቒሰን ዘለዋ ቤት ጽሕፈታት ፈጻሚ ኣካል ብመሰረት ኣብ ዓመት ክዓምኦ ተመዲቡለን ዝነበረ ዕማማት፡ ዝተተግበረን ዘይተተግበረን ዕማማተን ብምንጻር ንትግባረ ዘጓንፈን ዝነበረ ብድሆታትን ሕጽረታትን ብዝርዝራዊ ዝኾነ ኣገላልጻ ድሕሪ ምቕራብ፡ ሕድ-ሕድ ዝነበረን ናይ ስራሕ ምጽልላው ጽቡቕ እኳ እንተነበረ ህዝብና ካብ’ዚ ኣጕኒፉና ዘሎ ሕሱም ጸላኢ ጸብለል ኢልና ሃገራዊ ዕማምና ብዓወት ክንዛዝም ምእንቲ ዝያዳ ክድፈኣሉ ከምዝግባእ ነብሲ-ወከፍ ቤት ጽሕፈት ሕድ-ሕደን ክደጋገፋ ርእየን።
ማእከላይ ባይቶ ግሃድኤ-ሕድሪ ኣብ እዚ ዝቀነዮ ዓመታዊ ጸብጻብ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ክዕመሙ ዝነበሮም ጌና ዘይተሰርሑን ንዝመጽእ ዓመት ከዕመሙ ዝተተተለሙን ነጥብታት ብምንጻር ናይ ሎሚ አኼብኡ ዛዚሙ።
ድሕነት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ልዕሊ ኩሉ!!!
ዓወት ንሓፋሽ ብተግባር!!!
ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግሃድኤ-ሕድሪ ሕዳር 26/2015