ዓለምና ናበይ ገጻ…?፡ 5ይን መወዳእታን ጽሑፍ፣ ብ’ገብረእግዚኣብሀር “ወዲ ባሻይ”፡ 13 ሕዳር 2015

 

ክብደቱን መንቀሊታቱን ብዘየገድስ ዓለምና ካብ ኲናትን ወረ ኲናትን ኣዕሪፋ ኣይትፈልጥን። ጠቕምን ንግድን ክሳብ ዘሎ ድማ ዓለምና ካብ ኲናት ክተዕርፍ ትጽቢት ኣይግበረላን። እቲ ቕድድም ኣብ ጠቕምኻ’ዶ! ኣብ ጠቕሚ ካሎኦት፣ ግን ባዕላዊ ጥበብን ብልሓትን ይሓትት። ብፍላይ ማእከላይ ምስራቕ ካብ ስልጣኔታት በርዛውያን ክሳብ ተልእኾ ጥፍኣታት ሓይልታት ‘ዳዕሽ’ ዘሎ ናይ ብርከት ዝበለ ኣሸሓት ዓመታት ደም ንጹሃት ካብ ምኽዓው ንደቒቕ’ውን ትኹን ኣዕሪፋ ኣይትፈልጥን። ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ’ዚ ዞና’ዚ ተወጢማ ስለ ዘላ ሒቕታን ጎስዕን ማእከላይ ምስራቕ ክትንክፋ ግድን’ዩ። ዘንተ-እለት ብሸነኽ ሶማልያ ዝጎስዕ መልእኽቲ ጥፍኣት መስርሕ ማእከላይ ምስራቕ እዩ። ኣብ ምዕራዊ ኤርትራ ዝቀላቐል ከብዲ ምርምጣጥ እንተ ኾነ’ውን ናይ ዓቑሚ ጉዳይ እንትዘይ ኮይኑ ሓንፈጽ ጽልዋ ማእከላይ ምስራቕ እዩ። ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንላዕሊ ግን ምስቲ እስትራተጅካዊ ምትእስሳር ኣብ ዓበይቲ ንግዳውን ወታደራውን እትራተጅካዊ ግምታት ዘእተወ ኮይኑ! ኤውሮጳውያን ናይ’ዚ ጸበል’ዚ ተቛደስቲ ጥራይ ዘይኮኑስ ሃንደስቱን መራሕቱን እዮም። ኲናትን ወረ ኲናትን ብሙሉኡ ናይ ንግዲ መሳርሒ ተቐይሮም እዮም።

ናይ ሎሚ “ዓለምና ናበይ ገጻ” ጽሑፍ ሓጸርቲ ዝንቕ ዘሰነየ ናይ መወዳእታ እዩ ክኸውን። 

ኤውሮጳ!!

ሃገራት ኤውሮጳ፡ ብፍላይ ጀርመን ኣብ 16 ክፍለ ዘመን ኣስታት ን40 ዓመታት ዝዘለቐ ኣብ ውሽጢ መስቀላውያን ዝኾኑ ብስያሜ ሃይማኖት ንኽትገልጾ ዘሸግር ሕድሕድ ምትህልላቕ ሓሊፉ እዩ (ማለት ካቶሊካውያንን ኢፋንጅላውያንን)። ብወገነይ ኣብ ሞንጎ ካቶሊክን ኢፋንጅልን ዝነበረ መስቀላዊ ምትህልላቕ ካብ ንግዲ ሓሊፉ ዝረብሕ ቱርጉም ነይርዎ ኣይብልን። እንተኾነ በዚ ዓይነት ኲናት ሕድሕድ ዝመጽእ መፍትሒ ስለ ዘይርከቦ ድሕሪ ክንደይ ክሳራታትን ሕድሕዳዊ ምፍላስን ብማርቲን ሉተር ዝቐረበ መፍትሒ ቕቡል ኮይኑ ወድ ሰብ ኣብ ዝደለዮ ሃይማኖት  ክኣምን ምሉእ ነጻነት ከም ዝህልዎ ተገብረ። ድሕሪኡ ብዘይካ’ቲ ክሳብዚ ቀረባ እዋን ዝጸንሐ ናይ እስኮትላንድ ውግእ ካቶሊክን ኢፋንግሊሽን ኣብ ዓለምና መስቀላዊ ግርጭታት ዳርጋ ኣብቂዑ እዩ ምባል ይከኣል። ንሱ ጥራይ ዘይኮነስ መስቀላውያን ናብ እንዳስትርያላዊ ዕብየታት ስለዘምረሓ እቲ ሃይማኖት ተዳኺሙ ንስለ ሃይማኖት ዝለዓል ኲናት ድማ ከምዘየኽስብ ስለ ተገንዘቡ ውግኣቶም ብኻልእ ቅዲ ክትክኡዎ ግዲ ኮኖም።

ማእከላይ ምስራቕ!!

ሎሚ ኣብ ማኣከላይ ምስራቕ ዝረአ ዘሎ ናይ መሓመዳውያን (ሽዓ–ሱኒ፡) ሕድሕዳዊ ምትህልላቕ ምስቲ ናይ 16ተ ክፍለ ዘመን ዝነበረ ምትህልላቕ መስቀላውያን እሞ ተዳኺሙ ሕሳቡ ዝዓጸወ፡ ኣዝዩ ይመሳሰል’ዩ። እቲ ምፍጣጥ ማእከላይ ምስራቕ ኣብ ሞንጎ ክልተ’ተን ብመሸጣ ዘይቲ ዝሰኸራን ብስፍሒ ሰሃራ ዝፍለጣ ሃገራት ኢራንን ስዑድያን፡ እዩ ዘሎ። ምኽንያቱ ካብ 1980-1988 ዝነበረ ጨካን ኲናት ዒራቕን ኢራንን፡ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ኣናእሽቱ ሃገራት ከሊጅ ኣወሃሂዳ ኣብ ጎድኒ መንግስቲ ዒራቕ እያ ወጊና ዝነበረት። ኢድ ምትእትታው ኢራን፡ ኣብቲ 35% ሽዓ ዝእምነቱ ህዝቢ የመን ዝዓበየ ተራ እዩ ዘለዋ። ከምኡውን ኣብቲ ብኣብላጫ ብተኸተልቲ ሽዓ ዝምራሕ መንግስቲ ዒራቕ ዝዓበየ ተራ ኣለዋ። ስዑዲ ድማ ብኣንጻር ኢራን ኣብቲ ንነዊሕ እዋናት በትረ-ስልጣን ዓቲሩ ዝጸንሐ 65% ሱኒ ዝእምነቱ ህዝቢ የመን ኢድ ብምትእትታው ጥራይ ዘይኮነስ ብምሉእ ወታደራዊ ሓይሊ ብምስታፍ ዝለዓለ ተራ ትጻወት። ንግስነት መንግስቲ ስዑዲ፡ ኣብ የመን ጥራይ ዘይኮነስ ኣንጻር መንግስታት ሶርያን ዒራቕን ንዝኾኑ ጥሩፋትን ካሎኦት ተቓወምቲ ሓይልታት ብቐጥታን ተዘዋዋርን ተረኣ ዓብዪ’ዩ። ኢራን ድማ ብወታደራዊ ጥበብን ብዝሒ ህዝብን ኣብ ልዕሊ ስዑዲ ዓብዪ ጸብለልታ እናሃለዋ ዓለማዊ ምትእስሳራ ከኣ ምስ ሩስያ እዩ። ዓለምና አእጃሞም እተማቐሉዋ ክልተ ርእሰ-ሓያላን ዝሓዛ ኢራንን ስዑድን እምበኣር ኣብዚ ዞና’ዚ ዝኽሰት ምትህልላቕ ዓበይቲ ሰብ ውራይ እየን።

 

ብኸምዚ ልዕል ኢሉ ዝጥቀስ ዘሎ ሓርፋፍ ገምጋም ጥራይ ኲናት ማእከላይ ምስራቕ ናይ ረብሓ እምበር ሃይማኖታዊ ትሕዝቶ ኣለዎ ክትብል ኣየድፍረካን።

ውግኣት ሶርያን ዒራቕን ካልእ ተወሳኺ ጠንቅታት ኣሎ። ንሱውን! ብምዕራባውያን ዝድፍኡን ዝሰንቁን ኣብ ውሽጢ ግዝኣት ሩስያ ዝርከቡ ክልተ ኣውራጃታት ችችንያን ዳጊስታንን፡ ኣንጻር መንግስቲ ሩሳያ ተዋጊኦም ኣይተዓወቱን። ይኹን እምበር ንሱ ኣብ ጽባሕ’ቲ ምፍርራስ ሕብረት ሶቬት ብምንባሩ ንሩስያ ሓደ በዳሂ መድረኽ ነይሩ’ዩ። ሩስያ ዝሓለፈ ስምብራታ ነኺሳ ከምትሕዞ ፍለጥ’ዩ። ብምቕጻል ሓይልታት ናቶ ኣብ ፖላንድ ወታደራዊ መደበር ክተኽላ ክሸባሸባ ከለዋ ሩስያ ኣምሪራ ትኹንኖ። ምኽንያቱ ኣብ ሕምብርቲ ሩስያ እተጻወደ ራዳር ንሩስያ ጥራይ እዩ ዝከታተል። ካልእ ሓደ ሓደ ካብ ናይ ባልካን ሃገራት ብምሽራኽ ሓይልታት ናቶ ኣብ ጸሊም ቃላይ ንዝፍትነኦ እስትራተጅካዊ ረብሓታት ሩስያ ኣይትፈቅድን። እዚታን ንባዕሉ ካብቲ ኣብ ማእከላይ ምስራቕ ንኢድ ምትእትታው ሩስያ ዕድል ዝኸፍት እዩ ምባል ኣብ ቦትኡ ይኸውን። ብዕዳጋ ዘይቲ ዝሰኸራ ሃገራት ኣዕራብ  ኩሉ ጥሪተንን ሃብተንን ኣብ ወታደራዊ ሓይልን ውግኣትን እየን ዝንስንሰኦ ዘለዋ። ኩሉ ድማ  ኣብ ረብሓ ምዕራባዊ ዓለም ብፍላይ ኣብ ጠቕሚ አመሪካን ሩስያን እዩ ዝውዕል። ምኽንያቱ ካብታ ዝነኣሰት ሓንቲ ዓረር ክሳብቲ ዝውንጨፍ ከበድቲ ሚሳይላት፡ ብ’ኣቕሓ ሸመታ ኣብ ሕድ’ሕድ ምፍልላስ እየን ዝነብራ። እቲ ዘሕዝን ዞና ማእከላይ ምስራቕ ክሳብ ሎሚ ዓቂባቶም ዝጸንሑ ሃወልትታት ብቐሊሉ ይዓንዉ ምህላዎም እዩ። ሓደ ኣገዳሲ ኣብነት! ህዝቢ የመን ቅድሚ 3ተ ኣሸሓት ዓመታት መንግስታዊ ትካላት ዝነበሮን፡ ምስ ፋርሳውያን ባቢሎናውያን ብዝያዳ ድማ ምስ ሓበሻ ንግዳውን፡ ክሳብ ናይ ዘርእታት ምትሕንፋጽን፡ ታሪኻዊ ምዕብልናታት ዝነበሮም ህዝቢ ክንሶም፡ ሎሚ ሃገር የመን ዝደኸየትን ብዂናትን ቀቢላዊ ሕማማትን ተረሚሳ ኣብ ድሮ ምብትታን ትርከብ። ካብ 28ን ሚልዮን ዘይሓልፍ ብዝሒ ህዝባ መብዛሕትኡ ብናይ ወጻኢ ሃብታማት ዜጋታታ እትስረፍ ኮይና! ኣሎን የሎን ዝበሃል ውልቃዊ ትሕዝቶታት ህዝባ ናብ ዕዳጋ ነፍጢ (ብረት) እዩ ዝውዕል። ኣብ የመን ቀቢላዊ ጸገማትን፡ ፍልልያት ሽዓን ሱኒ’ን፡ ኢድ ኣእታውነት ስዑዲ ዓረብን፡ ተደማሚሩ ኲናት ሕድሕድ ብቐሊሉ እዩ ዝውላዕ። ስለ ዝኾነ የመናውያን ካብ ነጎዳ ሰርቢ-ማይ፡ ነጎዳ መዳፍዕ እዩ ዝብረሆም። ኣብዚ እዋን’ዚ ብመሸጣ ዘይቲ ዝሰኸራን ስዑዲ-ዓረብ ተወሃህደንን ሃገራት ከሊጅ፡ ህዝብን መሬትን የመን ብሕሱም ይቕጥቅጠኦ ኣለዋ። ሃገረ-የመን ካብ 4ተ ኣዋርሕ ኣብ ዘይበዝሕ ጊዝያት ኣስታት 10.000 በረራ ነፈርቲ ኲናት ክካየደላ ከሎ፡ ልዕሊ 20.000 ከበድቲ ተወንጫፊ ቦምባታት ተደርቢዩላ። የመን ብመጠን’ዚ እተሰንደወ ተባራዒ ሮኬታት ኣሸሓት ሂይወት ሰለማውያን ዜጋታታ ሳኢና እያ። መንበሪ ኣባይቲ ህዝቢ የመን ንብርክት ዝበለ ክፍለ-ዘመናት ተሃኒጾም ዝጸንሑ ስለ ዝኾኑ ታሪኻውያን ቅርስታት እዮም ነይሮም።  ይኹን እምበር ብሰንኪ ኲናት ኣብ ምብራስ ይርከቡ። እዚ ናይ ኩሉ ከባቢታት ጸገማት ተደማሚሩ ዓለምና ክትጸውሮ ዘይትኽእል ዕዳ ስለ ዝኸውን ፍትሑ 3ይ ኲናት ዓለም ከየኸትል ዓብዪ ስግኣት ኣሎ።

ሃገርና!!

ኣብ’ዚ ኩሉ ነውጽን ህውከትን ሃገርና ኤርትራ እንታይ ክትመስል’ያ ምባል ዓብዪ ኣገዳስነት ኣለዎ። ኤርትራ ወሳኒ እስትራተጅካዊ ቦታ ቀርኒ ኣፍሪቃ’ኳ እንትዘይበልና እጃም ግን ኣለዋ።  እስትራተጅካዊ እጃምና ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ስርዓት ህግደፍን ተደማሚሮም፡ ክመጸና ዝኽእል ጸገማት ምግማቱ ዘጸግመና ኣይመስለናን። ስርዓት ህግደፍ ሃገርና ከም ኮንትሮማንዳዊ መሳለጥያ ስለ ዝሓዛ ኣብ’ዚ ዞና’ዚ ዝህሉ ረብሓታት፡ ዘኸትሎ ታሪኻዊ ሳዕቤናቱ ብዘየገድስ ጊዝያዊ ረብሓን መናውሒ ስልጣኑን ከም ዝሕንብሰሉ ርዱእ እዩ። ቅድሚ ብርክት ዝበሉ ኣዋርሕ ምስ ሑቲ የመናውያን ከም ዝወገነ ዝውረየሉ ስርዓት፡ ሎሚ ድማ ብኣንጻር ሑቲ ምስ ሓይልታት ሱኒ ከም ዝወገነ ጥራይ ዘይኮነስ ንወታደራዊ በራራ ሓይሊ ኣየር ዝኸውን ቦታታት ከም ዘፍቀደ ይንገር ኣሎ። ሰላም ኣምበር ውግእ ዘየድልዮ ህዝቢ ኤርትራ፡ ምስ ህዝብታት ኩለን ጎረባብቲ ሃገራት ሓው ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ጸሊም ንግዲ ስርዓት ህግደፍ ዘኸትለልና ዓዳ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ክጾሮ ዘይኽእል ከቢድ’ዩ። ከምዚ ዓለምና ትንህሮ ዘላ እዋን እቶ-እቶ 3ይ ኲናት ዓለም ድማ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣራግጽን ወታደራዊ መደበራት  ሓያላት ሃገራት ከምንኸውንን ኤርትራዊ ክዝንግዕ የብሉን። ስለ’ዚ ዓቕሚ ህዝቢ ኤርትራን እስትራተጅካዊ ኣቀማምጣ ኤርትራን ብምግንዛብ ኤርትራ ሃገረ ሰላም እምበር! ሃገረ-ሸራ ክትከውን ከም ዘይግባእ ናይ ኩሉ ዜጋ ሓላፍነት እዩ እብል።

ክቡራት ተኸታተልቲ እዚ ጽሑፍዚ፡ ኣብዚ ሓንፈጽ ጽሑፋት፡ ብፍላይ ኣብ ምዕራዊ ዓለምን መሳለጢ ሓበረታታት ብቐሊሉ ክግልገል ንዝኽእል ኣካል ሓድሽ ሓበረታ ኣይኮነን። እዚ ጽሑፍ’ዚ ብፍላይ ነቶም ካብ ዘመናዊ ናይ ዜና መሳለጢታን ርሒቖም ዝርከቡ ወገናትና ሓጋዚ ይኸውን ብምባል እዩ ክጸሓፍ ጸኒሑ። እምበኣር ዓለምና ናበይ ገጻ ዘርእስቱ ሓጸርቲ ጽሑፋት ኣብዚ ከብቅዕ’ዩ። ብኻልእ ሃገራዊ ጉዳይ ክሳብ ንራኸብ ኣብዚ ክዝርጋሕ ዝቐነየ ሓጸርቲ ጽሑፋት ኣራሚ ይኹን ነቓፊ ርኢቶታት ብንጹር ብ’ghebrezgabher ghebregergis@yahoo.de ምሃብ ቁቡል’ዩ።

 

ዓወት ንሓፋሽ ብተግባር

ምስ ሰራዊት ሕድሪ ንቕድሚት!!

 

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *