
ኲናትን ሳዕቤናቱን፣ ሳዕቤን ኲናት ብቐሊሉ ኣይሓውን። ንወሎዶታት እዩ ዝርምስ። ቁስሊ ኲናት ብቐሊሉ ከምዘይሓዊ ርሑቕ ከይኣመትና ህልዊ ኣነባብራ ህዝቢ ኤርትራ እኹል መረዳእታ ኣሎና። እወ! ዓለምና ኣብቲ ዝለዓለ ጥርዚ ምዕብልናን ወታደራዊ ብልሕን ከላ! ንሕና ኤርትራውያን ብኸራሩን መላጸን መጻወቲ ራሻይዳታትን ዳዕሽን፡ ምዃንና ሓደ ካብ ሳዕቤናት ኲናትን ኣልቦ ሰላምን ምዃኑ እዩ። ደላሎን ዓሳታት ማእከላይ ባሕርን እናተቐባበሉ ዘጽንቱና ዘለዉ ውጽኢት ኲናትን ወረ-ኲናትን ስለ ዝኾንና ጥራይ እዩ። ኩሉሳዕ ምስ መናፍስቲ ኲናትን ወረ-ኲናትን ዝነብር ሓይሊ መፍትሒ ሽግር ፈጢሩ ኣይፈልጥን። ምናልባት ንዕኡ ከም ዓወት ተቶርጒሙ ታንኪ ነዲዳ፡ ነፋሪት ወሪዳ ምባል፣ ምስ ወታደራዊ ዓወትን ቁጠባዊ ዕንወትን ጥራይ ምድማሩን-ምጉዳሉን፡ ወይ ድማ ክንድዚኦም ወታደራት ሞይቶም ክንድኦም ተማሪኾም ማለት! መወዳእታ መፍትሒ ሽግራቱ እዩ። እዚ ድማ ንፕሮፖጋንዳዊ ሃልኪ ዘገልግል እንትዘይ ኮይኑ እኹል መፍትሒ ሽግራት ኣይኸውንን። ኣብ ምዕቡል ኣተሓሳስባ ሰጒሙ ዝጸንሐ ሕብረተሰብ ብውሑዱ፡ ብኲናት ዝፈረሱን ዝበረሱን ህዝባዊ ትካላት፡ ለባም ምሕደራ እንተተረኺቡሎም ድግመ ጽገናታት ክግበር ይከኣል ይኸውን። እቲ ቀንዲ ሳዕቤናት ኲናት ግን ኣብ ነብሲ ወከፍ ኣእምሮ ወይ ኣተሓሳስባታት ደቂ ሰባት ዝዝራእ ስነኣሙራዊ ራዕዲ (ቴሮር) ዘይፍወስ ሕማምን እዩ ዝኸፍአ። ምኽንያቱ! ኲናት ኣብ ዝካየደሉ ከባቢታት ንዘመናት ተሰሪቶሙሉ ዝጸንሑ ነበርቲ ሕብረተ-ሰባት ግዝያዊ ትንፋሶም ከጽልሉ ጥራይ ሞቦቆል ዓድታቶም ራሕሪሖም ናብ ቅድሚኦም ዝጸንሖም ሃገራትን ከባቢታትን ተዘርዮም እዮም ዝጠፍኡ። እቲ ብቐሊሉ ዝባራዕ ኲናት ሃንደበታዊ ምምዝባልን ውዑይ ዋሕዚ ስደትን ስለ ዘኸትል ሰባት ወይ ሕብረተሰባት ብቐሊሉ ናብ መረበቶም ክምለሱ ኣይኽእሉን። በዚ ከምዚ ዝበለ ምኽንያታት ተካኢ ወለዶ ዘጥፈኣ ሕብረተ-ሰባት ብዙሓት’የን።
ብዛዕባ ኣብ ዓለምና ዝኽሰቱ ውግኣት ደጋጊምካ ክረአ እንከሎ ምእንቲ ረብሓ ሃገራት ወይ ህዝብታት ዘይኮኑስ ካልእ ፖለቲካዊ ትርጉማት ዘለዎም ጥራይ እዮም። ብሕልፊ ብደገ ዝመጽእ ህንዱድ ሓይሊ ንስልጣኑን ፖለቲካዊ ዕብለላን ብስንክታቶም ግን ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሕብረተ ሰባት ኣደዳ ስደትን ካልእ ተደማሪ ውርደትን ይኾኑ።
መበገሲ’ዚ ጽሑፋት ብዛዕባቲ ካብ ኲናትን ምትሕርራድን ኣዕሪፉ ዘይፈልጥ ዞና ማኣከላይ ምስራቕ ኮይኑ ብፍላይ ግን ብዛዕባ ሃገረ ሶርያን ህዝባን ቀዳምነት ይህብ፣ ምናልባት ናይ ኣፍልጦ ሕጽረት እንትዘይ ኮይኑ ህዝብን መንግስትን ሶርያ ኣብ ሃይማኖታዊ ኣኽራርነት ኣብ ታሪኽ ይኽሰስ እዩ ኣይብልን። ረዚን ህዝብን ብመጠኑ ድማ ናብ አውሮጳዊ ኣተሓሳስባ ዝሶጎመን ዝዘንበለን እዩ ምባል ኣብ ቦትኡ ነይሩ። ካብተን ብመሸጣ ዘይቲ ዝዓብዳ ዘለዋ ሃገራት ማእከላይ ምስራቕ፡ ኣብዚ ዘሎናዮ ምዕራባዊ ዓለም ሶርያውያን ጥራይ እዮም ብፍላይ ኣብ ሕክምና ሞያዊ ስራሓት ብብቕዓት ክሳተፉ ንረኽቦም፣ ነዚ ዘረጋግጾ እንተሎ ሃገር ሶርያ ክሳብ ክንደይ ኣካዳምያዊ ብርኪ በሪኻ ምንባራ እዩ። ሎሚ “ምድሪ ሶርያ” መናሃርያ ሕሉፋት ኣስላማዊ ጥሩፋት ምዃና ከይኣክል ካብኡ ሓሊፋ ነጋሪት 3ይ ኲናት ዓለት ክድሰቕ ተዋዲዱላ ሃገር ኮይና ትርከብ። ከምዚ ዓይነት ምጽኣት ንሶርያን ህዝባን ኣይግበኦን ኣይምተገበአን። እቲ ሓቂ ከምኡ ኮይኑ ብሰንኪ ኲናት ብሚልዮናት ዝቑጸር ህዝቢታት ሶርያን ዒራቕን ኣብ ጉዕዞ ስደት ይርከቡ።
ህዝባዊ ኣገልግሎታት ሕክምና ዩኒቨርስትታት ተዓጽዮም መንእሰያት ሶርያ ኣብ ክልተ ተጻራሪ ኲናት ተጸሚዶም ይርከቡ። ኣሸሓት ዓመታት ዘቑጹሩ ሃወልትታትን ኣድባራትን ብጥሩፋት እስላማዊ ሓይልታት ዓንዮም። እቲ ዘገርም ብዘይካ ኣብ ኣድባራት ሶርያ ኣብ ካልእ ሃገራት ዘይርከብ ጥንታውን መንፈሳውን ቋንቋታት ካብ ገጽ ዓለም ተሰሪዞም። ታሪኻውያንን ጥንታውያንን መጻሕፍቲ ብናይ ጥፍኣት መልእኽቲ ኣብ እቶን ፍሒሞም። እዚ ከምዚ ዝበለ ፍጻሜታት ናይ ዘይተደለየ ሃይማኖታዊ ስምዒታት ዘየምርሕውን ኣይኮነን።
እስትራተጅካዊ ኣገዳስነት፣
ሶርያ ከም ሓንቲ ኣብ ቅናት ዓለም ምንባራ ብፍላይ ኣብ ሰሜናዊ ቅናት መሬት ብምህላዋ ፈለግ ስዊዝ ኣብ ዘይተኸፍተሉ እዋናት ካብ አውሮጳ ናብ ኤስያ እተሰጋግር ሕምብርቲ እያ ዝነበረት። ሎሚውን እትራተጅካዊ ኣገዳስነታ እዩ ንጥፍኣታ ፈሪዱዋ ዘሎ። ምኽንያቱ ምዕራባውያን በዚ ዞናታት’ዚ ናብ ርሑቕ ኤስያ ከሳፍሑ ኣለዎም። ሩስያ ድማ ብኣንጻሩ ካብ ሰሜን ንደቡብ በዚ ዞናታት’ዚ ክተሳፍሕ ኣለዋ። ስለዝኾነ “ዳዕሽ” ብዘይ ፍቓድ ምዕራባውያን ክፍጠሩ ኣይኽእሉን፣ መንግስቲ ኣሳድ ድማ ብዘይ ሓይሊ “ሩስያ” ክሳብ ሎሚ ኣብ ስልጣኑ ኣይምጸንሐን። ስለዚ እቲ ኲናት ብቐጥታን ኢድ ኣዙራ’ውን ምዕራባውያንን ሩስያን ጸኒሑ። ሩስያ ሎሚ ብጋህዲ ኣትያቶ እነሀት። ምዕራባውያን ድማ ይሰፋሰፉ ኣለዉ። ስለዚ ዓለምና ናበይ ገጻ ዘብል’ዩ። ብዛዕባ’ዚ ኤመሪካ ክትስዕር፡ ሩስያባ፣ ወዘተ ዝብሉ ትንተናታት ኣይሰኣኑን። ኣነ ግን ካልእ ግምት እዩ ዘሎኒ። ኣብ ምድርን ባሕርን ህዋን፡ ኣሳፊሐን ገግዝኣተን ኣነጺረን ዘለዋ ሩስያን ኤመሪካን ኣይሰዓዓራን፣ ስዕረት መጀመርታ ነቲ ካብ ኲናትን ወረ ኲናት ተላቒቁ ዘይፈልጥ ዞና ማእከላይ ምስራቕ (ሃገራት ደሴት ዓረብ) ብዓብዩ ድማ ህዝቢታት 3ይ ዓለም ካብቲ ዝነበሮ ንላዕሊ ክዳቐቕ’ዩ ዝብል ግምት ኣለኒ።
ወቕታዊ ኩነታት፣
ናይ ሎሚ ጽሑፈይ ወቕታዊ ምዕልቕላቕ ስደተኛታትን ሳዕቤናቱን’ውን የተኩር’ዩ። እነሆ እምበኣር! ብሰንኪ ኲናትን ቀጻሊ ቅልውላዋትን ማእከላይ ምስራቕ፡ ምዕራባዊ ዓለም ብዝኸፍአ መልክዑ ብስደተኛታት ኣዕለቕሊቑ ይርከብ። በዚ ተኸሲቱ ዘሎ ኲናትን ፖለቲካዊ ቅልውላዋትን ናብ ሃገር ጀርመን ጥራይ’ኳ ኣስታት 800’000 ስደተኛታት ክፈልሱ ምዃኖም ቅድመ ግመት ተዋሂቡዎስ ዋና ኣዘራራቢ ጉዳይ ኮይኑ ቀንዩ’ዩ ኣሎ። ካብ ምስራቕ ኤውሮጳን ብመገዲ ቱርክን ግሪኽን ናብ ኣውስትርያ ስለ ዝኣትዉ መንግስቲ ጀርመንን ኣውስትሪያን መግትኢ ዋሕዚ ስደተኛታት ዝኸውን፡ ሓድሽ ስምምዕ ኣብ ምግባር ይሸባሸባ ኣለዋ። ካልእስ ይትረፍ ድሕሪ ምብትታን ዴሳውያን ሃገራት ዝኣተወ ኤኮኖምያዊ ቅልውላዋት ሎሚ ደግሲ-ደጊሱዎ ብምዕልቕላቕ ስደተኛታት ሃገራት ኤውሮጳ ሰፍ ዘይብል ጾር ተጻዒኑወን ይርከብ። በዚ ምኽንያት መንግስቲ ጀርመን ሓድሽ ቅጥዕን ኣተሓሕዛ ስደተኛታትን ኣድላያ ናብ ተግባራዊ ስረሓት ዳምዳም ኣብ ምባል ትርከብ። ስለ ዝኾነ ብመንግስቲ ጀርመን ጥራይ ነዚ ተጠቒሱ ዘሎ ኣሃዝ ዝውዕል ገንዘብ መምለስን መጣየስን መጠን 6ተ ቢልዮን ኦይሮ ተሰሊዑ። ካሎኦት ምዕራብ ሃገራት ድማ ከከም ኩነታተን። እዚ ዝጥቀስ ዘሎ ቅድመ ኣሃዛት ብዝያዳ ካብቲ ሩስያ ቀጥታ ኢዳ ኣብ ሶርያ ካብ ዘእተወትሉ ንደሓር’ዩ ብዝኸፍአ መልክዕኡ ዝብእስ ዘሎ። ዕልቕልቕ ስደተኛታትን ስራሕ ኣልቦነት ምስ ኲናትን ወረ-ኲናት ተደማሚሮም “ዓለምና ናበይ ገጻ”? ዘብል’ዩ።
ኣብዚ ክረአ ዘለዎ ቅጥዒ ኣተኣላልያን ምጥያስን ስደተኛታት ተገይሩ ማለት መፍትሒ ተረኺብሉ ማለት ኣየስምዕን። ምኽንያቱ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ሓጺር ጽሑፍ ኣስፊረዮ ዘለኹ፡ እዚ ኲናትን ቅልውላዋትን ማእከላይ ምስራቕ ቁጠባውን እስትራተጅካውን መደባት ዘለዎ ስለ ዝኾነ’ዩ። ኣብ ርእሲኡ እቲ ፍታሕ ካብ እስላማዊ ጥሩፍነት “ዳዕሽ” ወይ ድማ ካብ መንግስታት ሶርያን ዒራቕን ዘይኮነስ ኣብ ኢድ ሩስያን ሓይልታት ናቶን ብምዃኑ። ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ወታደራዊ ጸብለልትነት አመሪካ (ሓይልታት ናቶ) ኣብ ደሴታት ዓረብ ምርኡይ ከይኑ ጸኒሑ’ዩ። ክሳብ ክንድዚ ሓይሊ ኣየርን ባህርን እግረኛታትን ምስላፍ ናብ ማእከላይ ምስራቕ ሩስያ ንመጀመርትኣ እዩ እንተተባህለ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይኮነን። ስለዚ ክሳብ ክንስዚ ዝኣክል ገስጋስን ምድላዋትን ሩስያ ንሶርያ ጥራይ ክትሕግዝ’ያ ኣትያ ኣብ ቦትኡ ኣይኮነን። ስለዚ እዩ ድማ “ዓለምና ናበይ ገጻ? ዝብል ጽሑፍ ዝቐርብ ዘሎ።
ንሎሚ ኣብዚ የብቅዕ፡ ክሳብ ተመሳሳሊ ጽሑፍ ሰናይ ቅነ።
ምስ ሰራዊት ሕድሪ ንቕድሚት ሰላም ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ፣