ካብ ህዝቢ ናብ ህዝቢ ህዝባዊ ምንቅስቓ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ስዊጠርላንድ ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ኣብ ደገን ውሽጥን ንለውጢ ለይትን መዓልትን ናይ ወትሩ ጸሎትካ ኮይኑ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ልባዊ ሰላምታና ነቅርብ።27.10.2015

ብምቅጻል ሎሚ ንህዝቢ ኤርትራ ካብቲ ኣራዊታዊ ስራሕ ተጎልቢቡ፥ ንህዝባን መሬታን ኣብ ምዕናው መሰረታ ንምጥፋእ ንህልቂት ቀንዲ ሃብታ ዝኮነ ዕሸላታን ክኢላታታን፥ ኮነ ኢሉ ዘጥፍእ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ካብ ስሩ ክምሖ ዝጥለበሉ ውዓል ሕደር ዘየድልዮ ካብ ኤሪትራዊ መንእሰይ ኢዩ። ስለዝኮነ ድማ ዉፉያት መንእሰያት ኤርትራውያን ኣብ ሃገረ ስዊዘርላንድ ክፋል ናይቲ ውጹዕ ህዝቢ ዝኾኑ፥ ህዝቢ ብማዕበል ተጓዒዙ ሓድነቱ ኣደልዲሉ ነቲ ዝተሓረሞ ልዕልና ሕግን ሓርነት ህዝብን ካብ ኢድ እቲ ሽፍታ ክምንጥለሉ ዝኽእል ዓቢ ናይ ህዝቢ ጎደና፥ ኣብ ምድላው እጃሞም የበርክቱ ኣለዉ። እምበኣር እዚ ህዝባዊ ምንቅስቃ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ስዊዘርላንድ ( Eritrean Peaple´S Movment For Democratic Change Switherlan) ተሰምዩ ዘሎ ናይ ህዝቢ ጎደና፥ ምንቅስቃስ ህዝቢ እምበር ውድብ ዘይኮነ፤ ሓድሕዳዊ ምክብባር ፥ ንኹሉ ደላይ ለውጢ ክፉት ዝኮነ፥ ውድባት ንዘለወን ፍልልያታተን ኣብ ምጽባብ ብዲፕሎማስያዊ ኣገባብ ጎደና ህዝቢ ንምኽታል ድልውነተን ዘሐይል ናብ ዘተ ምቅራብ፥ ግሉጽ ዝኾነ ንህዝቢ ነጻ መድረኽ ከፊቱ ንጉዳዩ ባዕሉ ዝዓየሉ ወዘተ….. ዝብል ቁዱስ ተብግሶ ወሲድና ኣለና። ኣብዚ ጎደና ህዝቢ ዝኮነ ምንቅስቃስ ኩሉ ህዝቢ ክሳተፎ ስክፍታታቱ ኣወጊዱ ወናኒኡ ባዕሉ ምካኑ ኣሚኑ ክብገስ ብድጋመ ከነተሓሳስብ ንደሊ። ከም መርኣያ ክፍቱነቱን ግሉጽነቱን ኣካይዱኡን ድማ ዕላማን ራኢን ናይዚ ምንቅስቃስ ክግለጽ ዘለዎ ሞራልናን ሕልናናን ዘሰከመና ሓላፍነት ስለዝኮነ፥ ኣብ ታሕቲ ብቅድመ ተከተል ነቅርቦ ኣለና። ኣካይዱኡን ቅርጡው ኣማራርሕኡ ድማ ካቡኡ ብዘይፍለ ክንጽር ዘለዎ ስለዝኮነ ደጊምና ድሕሪ ዕላማን ራኢን ኣከታቲልና ብህጽር ዝበለ ኣገባብ ኣብ ጽሑፍና ኣስፊርናዮ ኣሎና። ራኢን ዕላማን ህዝባዊ ምናቅስቃስ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ስዊዘርላንድ፥ ራኢ፥

1.ግዝኣተ ሕጊ ዝነግሰላ፥ ሰላምን ቅሳነትን ዝሰፈና ዲሞክራስያዊት ሃገረ ኤርትራ።

2.ባህልን ልምድታትን ክብርታትን ዝዕቀበላ ፥ሓድነት ኣብ ብዙሕነት እትልለ ሃገረ ኤርትራ።

3. ምጽውዋርን ምክብባርን ዝመለለይኡ፥ ካብ ጸበብቲ ኣረኣእያታትን ልምድታትን ነጻ ዝኮነ ምዕቡል ሕብረተሰብ እትውንን ሃገር ኤርትራ።

4.ማዕርነት ብሄራትን ሃይማኖታትን ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮን ዘረጋገጸት ሃገረ ኤርትራ ክትህልወና። ዕላማ :

1. ቃልስና ህዝባዊ ሰረት ዘለዎ፥ ንደርባዊ ኣቃውማ ህዝብና ኣብ ግምት ዘእቱ ቃልሲ ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጉዳዩ ፥ናይ ህዝቢ ውሳነ ንኣምን።

2.ካብ ብሄራውን ወገናውን ከባብያውን ሃይማኖታውን ጥርናፈታት ነጻ ዝኾነ ቃልሲ ንኣምን። ዕላማን ስርዓትን ህግደፍ ንምእላይ ኩሉ ዝሰማማዕ ዘበለ ኣገባብ ቃልሲ ምጥቃም ኢዩ።

3. ኩነታት ሃገርን ህዝብን ህጹጽነት ዝጠልብ ኢዩ፥ዕላማና ድማ ምድሓን ሃገርን ህዝብን ኢዩ። ስርዓት ህግደፍ ሃገር ኣብ ሓደጋ ኣውዲቁዋ ኣሎ፥ ብጻሕታሪ ባህሪ እቲ ስርዓት ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ነጺሉ፥ነብሱ ከምድሓን ዘይፋሕተሮ ነገር የለን። ስለዚ ዕላማ ቃልስና ካብዚ ገባቲ ስርዓት ስልጣን መንጢልካ ናብ ዋኑኡ ህዝቢ ኤርትራ ምምላስ ኢዩ።

4. እዚ ድሮ ተጫጭሑ ዘሎ ኤርትራዊ ደላይ ፍትሒ ጥርናፈታት ፥ ኣብ ናይ ሓባር ስራሕ ብዘይ ኣፈላላይ ንቅበል። ኣብ ሓድነት ድማ ካብ ጸቢብነት ናብ ገፊሕ ህዝቢ ዘሳትፍ ደርባዊ ቃልሲ ፥ፍልልያትካ ኣጽቢብካ፥ሰፊሕ ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ግንባር ኣብ ምፍጣር ንኣምን።

5. ህዝቢ ዝቅልሶ ቃልሲ፥ ድሌታት ህዝቢ ዝርዳአ ተሓታትነቱ ንህዝቢ ዝኾነ ማእከልነቱ ተሳትፎ ኩሉ ሃይማኖትን ብሄራትን ዝኾነ ጥርናፈ ኣብ ምምስራት ፥ኩሉ ኣገዳሲ ኣካይዳ ምጥቃምን።

6. ምስ ተደናገጽቲ ዘጋታት ወጻእን ማሕበራትን ሃገራትን ርክባት ምግባር ፥ ኣብ ኩነታት ኤርትራ ኣፍልጠኦም ሓፍ ንኽብል ምስራሕ። ሽግር ኤርትራ ኣብ ምፍታሕ ተረኦም ከበርክቱ ባይታ ምፍጣር።

7.ኣብ ስዊዝ ካዝናታት ህግደፍ ዘኻካዕብቱ ምድላዋት ከም 2% ኮንሰርትን ካልእን ብሕጋዊ ኣገባብ ተጠቂምካ ኣብ ምምካን እጃምካ ምብርካት፥ምስ ካለኦት ደለይቲ ፍትሒ ሓቢርካ ምስራሕ።

8. ኣብ ስዊዝ ፖለቲካዊ ዑቅባ ሓቲቶም ነቲ ዑቅባ ዘውሃቦም ሕጊ ብዝጻረር ምስ ስርዓት ህግደፍ ምድንጋጽ ዘርእዩ ወገናት ፥ካብ ከደምቲ እቲ ስርዓት ፈሊና ኣይንሪኦምን ኢና። ሽግር ህዝብና የናውሑ ስለ ዘለዉ ድማ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ሓቢርካ ጉዳዮም ብሕጋዊ መንገዲ፥ መዕለቢ ክግበረሉ ኣበርቲዕካ ምስራሕ።

9. ንሕና ህዝባዊ ምንቅስቃስ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ቅዋምና ብዘፍቅዶ መሰረት ፥ ምስ ከማና ዛመሰላ ኣንጻር ህግደፍ ዝቃለሳ ሓይልታት ካብ ናይ ሓባር ስራሕ ክሳብ ሓድነት ብዘይ ወዓል ሕደር ድልዋት ኢና። ቀዳማይ ዕላማና ድማ ሓድነት ኢዩ። ኣቃውማ ቅርጺ መርሒነት ድማ ከምዚ ይመስል፥

1. ጉባኤ ፥ ኢቲ ዝለዓለ ኢድ ዘለዎ ኣካል ኢዩ።

2. ፈጻሚት ኣካል ፥ ብ 5 ኣባላ ዝቆመ ኢዩ። ብጉባኤዝተዋህባ ንድፊ ትትግብር። ኣከባታት ተዳሉ ምስ ወጻኢ ዝምድናታት ትገብር፥ውደባ ህዝቢ ኣፍልቶ ኣብ ምዕባይን ትነጥፍ፥ሓበረታ ካብ ህዝቢ ትቅበልን ሓድሽ ሓበሬረታ ተማሓላልፍን፥

3. ተቆጽጻሪት ኣካል ፥ ብ 3 ዝኣባላታ ዝቆመት ኢያ። ምቁጽጻር ምሕደራን ፈጻሚት ኣካል ዝተዋህባ መደብ ብግቡአ ዝተተግበረን ዘይተተግበረን ብዝርዝር ንጉባኤ ተረድእ። ገጋታት ምስ ዘጋጥም ድማ ኣኼባ ትጽውዕ። ጉዳዩ ድማ ከምዝፍታሕ ትገብር። ኣብ ፈጻሚት ኣካል ብልሽውና ምስዘጋጥም ብውሳንየ ወከልቲ ካንቶናት እዋናዊ መርሕነት ምንቅስቃስ ትቅበል።

ብዑምቀት ክፈልጥ ንዝደሊ ኤርትራዊ ደላዪ ለውጢ ብኣካል ኮነ ብመራከቢ ብዙሓን ንሕቶታትኩም ዘዕግብ መልሲ ክንምልስ ድልውነትና ነረጋግጽ። እምባር እምቢ ንምልኪ አወ ንፍሒ ይኹን ምርጫና መገዲ ሓድነት ይኹን መገድና፥ህዝቢ ዝዓስሎ ይኹን ቃልስና ብምባል ንሰናበተኩም።

ዓወትን ህዝባዊ ሓርነትን ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና።

መግለጺ ሕዝባዊ ምንቅስቃስ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ስዊዘርላንድ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *