ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዕግሽ-ግሽ ኣትዩ

ብሰንኪ ከቢድ ሕማም ውልቀ ምላኺ ስርዓት ህግደፍ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ እቲ ስርዓተ መንገስታዊ ኣስራርሓን ኣስራርዓን ዘይ ጸንሖ ናይ ምልኪ ስርዓቱ ናብ ደንበርበሩን ዕግሽ-ግሹን ኣትዩ ምህላዉ ምንጭታት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ (ስራዊት ሕድሪ) ካብ ኣስመራ ሓቢሮም፡፡

ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብሰንኪ ሑሉፍ ናይ ኣልኮል ወልፉ ብተደጋጋሚ ብሕማም ጸላም ከብዲ ክሳቐ ምጽኑሑን ካብ ሃገር ወጻኢ እንዳትንቀሳቐሰ ክሕከም ምጽንሑን ንፋስ ዝሃረሞ ወረ ካብ ዝኸውን ሓግዩ ከሪሙ ኣሎ፡፡ ብተወሳኺ ኣብ እዚ ቅንያት እዚ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ሙሉእ-ብሙሉእ ናይ ኣእሙሮ ምዝንባል ኣጓኒፉዎ ብምህላዉ ረሲዕ (ዝበሎ፡ ዝብሎ፡ ይኹን ዝበሃሎ ዘይዝክር) ኮይኑ ብምህላዉ፡ ተመሓይሹስ ናብ ዝነበሮ ናይ ምልኪ ስልጣኑ ክምለስ ዘሎ ተኽእሎ ኣዝዩ ጸቢብ ብምዃኑ እቲ ፍጹም ፍሹልን ጸቓጥን ስርዓተ ምሕደርኡ ብሻቑሎት የንቅጥቅጥ ከም ዘሎ ምንጭታት ሰራዊት ሕድሪ ካብ ኣስመራ ሓቢሮም፡፡

እቲ ንበትረ ስልጣን ኢሳያስ ተረኪቡ ዘሎ ጅነራል ፊልጶስ ወልደዮሃንስ ድማ ሕማም ኢሳያስ ኣብ እዝኒ ህዝቢ ኤርትራ በጺሑ ብምህላዉ ክወልዶ ዝኽእል ተኹኡሎ ለውጢ ንምቁጽጻር፡ ነቶም ካብ ውሽጢ ህዝቢ ወረ ዘመላልሱ ዑሱባትን ንኣባላት ስለያን ዝተዓጻጸፈ ቁጸሪ ብምውሳኽ ብቐጥታ ዝእዝዞ ሓይሊ ጌሩ ይሃንጾ ምህላዉ ተፈሊጡ ኣሎ፡፡

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግሃድኤ-ሕድሪ

ድሕነት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ልዕሊ ኩሉ!!!

ዓወት ንሓፋሽ ብተግባር ኣብ ቅድመ ግንባር!!!

ጥቅምቲ 21 / 2015

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *