ፖለቲካዊ ክብደት ሰላማዊ ሰልፍታት፣ ደቂ ሰባት ዝዀነ ጉዳይ ብኣሉታዊ ንሂዎቶም ዝትንክፍ ብዝተፈላለየ መልክዓት ዘይዕግቦቶምን ተቓውሞታቶምን ከስምዑ ይፍትኑ። ተስፋይ ክፍለ (ደላይ ፍትሒ)

ፖለቲካዊ ክብደት ሰላማዊ ሰልፍታት፣ ደቂ ሰባት ዝዀነ ጉዳይ ብኣሉታዊ ንሂዎቶም ዝትንክፍ ብዝተፈላለየ መልክዓት ዘይዕግቦቶምን ተቓውሞታቶምን ከስምዑ ይፍትኑ። ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ተማሃሮ ብኣድማ ትምህርቲ ደው ምባል፣ ብሰላማዊ ሰልፊ ምግባር ፣ ሰራሕተኛ’ውን ከምኡ ናይ ደሞዝ ምውሳኽ ይኹን ናይ ጥዕና ዝምልከት ሕቶታት ንምምላስ ስራሕ ደው ብምባል ይኹን ሰልፊ ብምግባር ይገልጽዎ።

ፖለቲካ ብመሰረቱ ንሂወት ደቂ ሰባት ዝገዝእ ኣምር’ዩ፣ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ኣካልን ኣምሳልን ናይ ፖለቲካዊ ቃልሲ’ዩ። ነናቱ ደረጃን መልክዕን እውን ይህልዎ። ስለዚ ኣብ ሂወትና ዝጓነፉና ጸገማት ዕንቅፋታት ንምብዳህን ተቓውምና ንምርኣይን ሰላማዊ ሰልፍታት ነካይድ።

ኣብ ምዕቡላት ሃገራት ዝካየድ ሰላማዊ ሰልፍታት መብዛሕትኡ ጊዜ ብሰላማዊ ኣገባብ’ዩ ዝኸይድ ፣ ሳሕቲ ግን ናብ ናዕቢ(Violence) ዝሰግረሉ ኩነታት ይረኤ፣ ሕጋዊ ስጉምቲ ድማ ይውሰደሉ።

ኣብ መብዛሕትአን ዘይማዕበላ ሃገራት እቶም ስልጣን ዝሕዙ ኣካላት ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ወይ ብሓይሊ ስለ ዝዀነ ደሞክራሲ፡ ፍትሒ፡ስርዓተ- ሕጊ፡ ሰብኣዊ መሰላት ተጋሂሶም ሰበ-ስልጣን ድላዮም ይገብሩ፣ እቲ ሃገር ድማ ተረሚሱ ህዝቢ ኣብ ድኽነትን ድሕረትን ይወድቕ፣ ርግኣትን ሰላምን ይጠፍእ’ሞ ምህዞ ወይ ምዕባሌ ኣይህሉን። መብዛሕትአን ስሉስ ዓለም ብሓፈሻ ኣፍሪቃና ድማ ብፍላይ ናይዚ ኣብነት እየን። ኣብ ከምዚ ኩነታት ዝካየድ ሰላማዊ ሰልፍታት ብጎነጽ ብሓይሊ እዩ ዝፍታሕ ተቓውሞ ኣየፍቅዱን እዮም፣ ምእሳርን ምቕታል ምሕያር ቀንዲ ኣገባብ መሳሪሒኦም’ዩ።

ኣብ ኩነታትና ምስ እንዕዘብ ከኣ ካብዚ ዝኸፍኤ እዩ። ጨካን ፋሺሽታዊ ስርዓት ንህዝብና ኣብ ሕሱም ፍርሕን ራዕድን ዘጻጥሔ ጨሪሹ ዝዀነ ፍሉይ ሓሳብ ይኹን ርእይቶ ዘየፍቅድ ጉጅለ እዩ። ኣብ ዉሽጥን ወጻእን ዝነብር ህዝብና ዝዀነ ዓይነት ተጻብኦ ምቅዋም ሰላማዊ ሰልፊ ክገብር ፈጺሙ ዘይሕሰብ’ዩ ኔሩ። ዳርጋ ንነዊሕ ዓመታት ህዝብና እዚ ኩሉ ግፍዕታት ጃምላዊ ቅትለት ብዘይ ሕጊ ምእሳር ጥፍኣት እናረኤየ ፣ ብዘይካ ዉሑዳት ተቓለስቲ ዝበዝሕ ሪዒሙ ትም ኢሉ ክግዛእ መሪጹ። ዝበዝሕ’ውን ደጋፊ ናይዚ ገበነኛ ሕሱም ጉጅለ ኔሩ።

ኣብዘን ዝሓለፋ ዉሑዳት ዓመታት ግን ገለ ለውጥታት ክንሪኢ ጀሚርና፣ ጉጅለ ህ.ግ.ደ.ፍ ባዕሉ ዝፈጠሮ ዉሽጣውን ግዳማውን ቅልውላው ብኹሉ ተፈንፊኑ ኣብ ዉድቀትን ተነጽሎን ወዲቑ ይርከብ።

ቅድሚ ሕጂ ሰላማዊ ሰልፍታት ተጌሮም ኔሮም’ዮም፣ ግን ተሳትፎ ብርኩት ኣይነበረን ። ካብቲ ዜጋታትና ኣብ ባሕሪ ብጃምላ ዝጠፍእሉ እሞ ዓለም ዘሰንበደ እዋን ጀሚሩ ቀጺሉዉን ናይ ጀነቫ ሓያልን ብዙሕ ህዝቢ ዝተሳተፎ፣ ብፍላይ መናእሰያትና ተቓውሞ ባይታ እናረኸበ ተሳትፎ ህዝብና እናዛየደ ክኸይድ ጀሚሩ። ኣብ ጀነቫ ዝተገብረ ሰላማዊ ሰልፊ ፖለቲካዊ ክብደቱ ሓያል ኔሩ -ንዓለምና ዘዛረበ ሕሰም ህዝብናን ባህርያት ጨካን ጉጅለ ህግደፍን ዘቃልዐ ኔሩ ። እዚ ንኡድ ምስንዳእን ዉደባን ተጌርሉ ብኹሉ ደላይ ፍትሒ ኤርትራዊ ዉድባት፡ ሲቪክ ማሕበራት ፡ ዉልቀሰባት፡ ናይ ሃይማኖት መራሕቲ ፡ ምሁራት ወዘተ…ዝተኻየደ ማዕበል ደላይ ለውጢ ኣብነታዊ ተሳትፎ ናይ ኩሉ’ዩ፣ ስዕረት ፋሺሽታዊ ጉጅለ ህግደፍ ድማ የተስፉ።

እምበኣር ሕጂዉን ብዝያዳ ነዚ ኣብ ኒው-ዮርክ ክግበር ተመዲቡ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ ካብቲ ናይ ጀነቫ ብዝሓየለን ብዝበዝሐን ቍጽሪ ክካየድ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ክሳተፍ ኣገዳስነቱን ፖለቲካዊ መኽሰቡን ኣዝዩ ዓቢ ምዃኑ ክንርዳእ ይግባኣ።

ኣብዚ ሰልፊ’ዚ ጉጅለ ህ.ግ.ደ.ፍ.ን ተሓባበርቱን ኣብ ህዝብና ዝፈጸምዎን ገናውን ዝቕጽልዎ ዘለዉ ግፍዕታት ጥርዓና ብዓውታን ብሓያል ድምጽን ከነስምዕ ብብዝሒ ክንርከብ ኣሎና።

ብዝያዳ ድማ እቶም ዝበዝሑ ደገፍትን ተደናገጽትን ህ.ግ.ደ.ፍ. ዝነበሩ ሕጂ ኣብ ስቕታ ዝርከቡ ነዚ ሰላማዊ ሰልፊ’ዚ ክሳተፍዎ ይግበኦም ፤ ሎሚ ዓቢ ዕድልን ኣጋጣሚን ረኺቦም ኣለዉ ህዝቦም ክኽሕስዎ። ዝሓለፈ ታሪኾምን ተግባራቶምን ንኽድምስሱ ምስ ህዝቦምን ደለይቲ ፍትሒ ዜጋታትን ክዕረቑ ኣብዚ ኣገዳሲ ሰልፊ ኒውዮርክ ክሳተፉ መጸዋዕታ ይግበረሎም ኣሎ። እቶም ክሳተፉ ዘይክእሉ ድማ ዝከኣሎም ገንዘባዊ ሓገዝ ክገብሩ ነተሓሳስብ።

ሎሚ ይኣክል ዝሓለፉ 24 ዓመታት ህዝብና ብፍላጥ ይኹን ብዘይ-ፍላጥ በዲልናዮ ኢና ክንብል ክንበቅዕ ኣሎና። ህዝብን ሃገርን ናብ መገዲ ጥፍኣት’ዩ ዘምርሕ ዘሎ። እንተ እቶም ተረርቲ ኣእዛን’ሞ ክሳብ ፋሺሽታዊ ጉጅለ ህግደፍ ዝጓሓፍ ምስኡ ትልኽ ካብ ምባል ካልእ ምርጫ የብሎምን።

ኩሉ ደላይ ፍትሒ ኣንፈትካ ንኒውዮርክ፣ ኩሉኹም ተዓዘብቲ ይኣክል ውፈሩ ንኒውዮርክ ክሓስዎ ንህዝቢ፣

ፍልልያትና ነጽብብ ህዝብና ሓራ ከነውጽእ፣

ብሓድነት ንመክት ሰማዒ ክንረክብ ህ.ግ.ደ.ፍ ክንጕሕፍ፤

ዝኽርን ክብርን ንሰማእታትና፣

ተስፋይ ክፍለ (ደላይ ፍትሒ)

gereger.com

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *