UPDATE፣ ኣብ ቦትስዋና ዑቕባ ዝሓተቱ 10 ኤርትራውያን ተጻወቲ፣ ብግዴታ ከይምለሱ ስግኣት ኣሎ Radio Erena: 14 October 2015

Eri10

ኣብ ሩስያ ንዝካየድ ዋንጫ ዓለም 2018 ዝኸውን፡ ካልኣይ እግሪ ግጥም ቅድሚ መጻረዩ ንምግባር ናብ ቦትስዋና ካብ ዘምርሐት፡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ 10 ተጻወትቲ ብድሕሪ ናይ ትማሊ ምሸት ስዕረት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብሃገራዊት ጋንታ ቦትስዋና፡ ኣብ’ታ ሃገር ዑቕባ ሓቲቶም’ኳ እንተነበሩ፡ መንግስቲ ቦትስዋናን መንግስቲ ኤርትራን ብዝገበርዎ ውዲት ግን፡ እቶም ተጻወትቲ ተገዲዶም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ምዃኖም፡ ሳንደይ ስታንዳርድ ዝተባህለት ጋዜጣ ኣብ መርበብ ሓበሬታኣ ኣፍሊጣ።

 

እዞም ኣብ ቦትስዋና ተሪፎም ዘለዉ 10 ተጻወትቲ፡ ምስ ካልኦት ደቒ ጋንትኦም ሎሚ ንግሆ ክምለሱ ይግብኦም እንተነበረ፡ ኣይንምለስን ኢና ኢሎም ብምሕንጋዶም ግን፡ ተመዲቡ ዝነበረ ናይ በረራ ሰዓቶም ክሓልፍ ክኢሉ ኣሎ።

ዘ ቮይስ ቦትስዋና ዝተሰምየት ካልእ ጋዜጣ ከም ዝሓበረቶ፡ እቶም ተጻወትቲ፡ መንግስትን ፖሊስን ቦትስዋና ብዝገበርዎ ጸቕጢ፡ ብኣቖጻጽራ ቦትስዋና ሎሚ ሰዓት 6:20 ኣጋ ምሸት ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ናብ እትበርር ነፋሪት ክሳፈሩ እዮም። እዞም ናብ ሃገሮም ምምላስ ኣብዮም ዘለዉ ተጻወትቲ መነመን ምዃኖም’ኳ እንተዘይተፈልጠ፡ እቶም ካብ ውሽጢ ሃገር ዝተመርጹ 10 ተጻወትቲ ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ግን፡ ይግመት።

ምስ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ናብ ቦትስዋና ዝገሹ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝነጥፉ ተጻወትቲ ፡ ኢሳያስ ሃ/ገርግሽ፡ ምናሰ ሰለሙን፡ ኣሌክሳንደር ርእሶም፡ ሳምሶም ኣረፋይነ፡ ፊልሞን ኣብርሃም፡ ዘርኢት ዮውሃንስ፡ ቢላል ጥዑም፡ የውሃንስ ሓድሽ፡ ሙሴ ነጋሲን ሄኖክ ሰመረን እዮም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *