ጉጅለ ባህሊ ህግደፍ ፍሕ ፍሕ ኢላ ሃንደበት ንኣስመራ ትብገስ ኣላ
ካብ ኣባላታ ክለተ ድማ ንስርዓት ህግደፍ ራሕሪሖም ኣብ ኣመሪካ
ተሪፎም ኣለው።
ንሳቶም ድማ ፍልጥትን ሓያል ድምጻዊትን ዝኾነት ፍጡማ
ስሌማንን :ሞተር ናይታ ጉጅለ ባህሊ ዝኮነ ተጻዋታይ ኪቦርድ
ወዱ ንዑስማን ዓብደልሪሕምን ነቲ ስርዓት ራሕሪሖም ተሪፎም አለው።
እታ በዓል ፊሒራ ዝርከብዋ ጉጅለ ባህሊ ኣብ ሕድሕዳዊ
ባእስን ዘይምስምማዕን ተጸሚዳ ከምዝቀነየት እቶም ምንጭታት ሓቢሮም።
እቶም ምንጭታት ወሲኮም እታ ጉጅለ ባህሊ ንኣዋርሕ እካ መጺኣ
እንተነበረት ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝጸነሐትሉ እዋን ብዙሕ ኣታዊ
ስለዘይገበረትን እቶም ኣባላት ነንባዕሎም ሰለዘይተሰማምዑን
ስርዓት ህግደፍ ኩሎም ከይጥፍኡ ብምርዓድ ሃንደበት ጽባሕ ሮቡዕ
ኣስመራ ከብገሱ ተኣዚዞም ኣለው።
gereger.com