ክቡራት ተኸታተልቲ ናይዚ ጽሑፍ’ዚ፣ ወድ’ሰብ ፍጹምነት ከም ዘይብሉ ነብሰይ ንቕድሚት ሰሪዐ እየ ዝኣምን። ትሕዝትኡን ክብደቱን ብዘየገድስ ኣብ እተፈላለየ ሃገራን ውድባ’ውን ጉዳያት ተንከፍ ስነ ጽሑፋት ከም ትረኽቡኒ፡ ኣይዝንግዕን። መብዛሕትኡ ኣብ ውድባዊ ኣተሃላልዋና ዘቶኩር ኮይኑ! ግን ድማ ክሳብ ውልቀ ግብረ-መልሲታት እንዋጠጠሉ መድረኻት ውሑዳት ኣይኮኑን። ናይ ምጥቕቓዕን ምክልኻልን ክልተ እተፈላለየ ስነ ጽሑፋት ምውንጫፋት ከም ዘሎ ርዱእ ኮይኑ! ብሕልፊ’ቲ ንውልቃ’ውን ንፍሉይ ከባብን ኣነጻጺሩ ንዘርእታትን ሓረጋትን ክብረ-ሰባት ከነኣእስ ዝእለም ስነ ጽሑፋት ፍሉይ ዓላማ ኣለዎ ኢለ እየ ዝኣምን። ካብ ውጽኢታት ናይዚ ዝግለጽ ዘሎ ጽማቕ ዝምንጩ እዩ ኢለ’ውን ብትሪ እቃወሞ። ነዚታትን ተመሳሳልን ድማ ከከም ኩነታቱን ኣመጻጽኡኡን ክግጠም ኣለዎ ዝብል ነብሰይ ብጉቡእ ስለ ዘዕገብኩዋ እየ ነዚ ሓሳባት ንምግላጽ ጉልባበይ ቀሊዐ ዝጽሕፎ ዘለኹ። ነዚ ኣብ ግምት ዘእተወን ዘማእከለን ኤርትራዊ ከኣ ብቑሉዕ ክእርመንን ካልእ ሃናጺ ሓሳብ ከራጉዶን ሙሉእ መሰል ኣለዎ፡ ኣነውን ብጸጋ እቕበሎ።
እምበኣር ከስ! ነዚ ሓጺር ጽሑፍዚ ክጽሕፍ ዝገደደኒ ዋና ምኽንያት ኣሎኒ፡ ንሱ ከኣ! ኣብ ልዕሊ’ቲ ብህግደፍ እሞ ቀጻሊ ብመደብ ዝስረሓሉ መንፈስ ጽልእን ቅርሕንትን፡ እተደመሮ (+) ብሓደ-ሓደ ኣባላት ተቓወምቲ ኢና ዝብሉ ኣካላት ኣብ መርበብ ሓበሬታትን፡ ፓል-ቶካትን፡ ከምኡውን ኣብ ፌይስ ቡካት ከይኣክል፡ ዋላ ኣብ ተራ ዕዳጋ ወሪዱ ዋንኡ ብዘይፍለጥ ዝኸይድ ዘሎ ምስ ምስ መሪሕ ውድቡ ሓው ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ንጽልእን ቅርሕንትን ዘጎሃህር ሓደገኛ ፖለቲካዊ ጎስጓስ፡ ኣብ ግምት ብምእታው እየ። እዚ ብሓደ ሓደ ሰባት ዝንጸባረቕ ዘሎ ኣሉታዊ ጎስጓስ ካብ መዋእል ብረታዊ ተጋድሎ ኤርትራ ሱር እናሰደደ ዝመጸን ብርክት ዝበሉ ብፍሽለት ዝልለዩ ካብ ኣካላት መሪሕነት ተቓውሞ ሓይልታት ኤርትራ ዘለዉዎ እዩ ምባል ኣየጸግምን። ድሕሪ’ቲ ብመመኽነይታ እተሰነየ ኣዕናዊ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራን (1998-2000) ክሳርኡን ከይኣክል፡ ሎሚ ድማ ንዳግም ጽልእን ቅርሕንትን ዘጎሃህር ወያነ-ወያነ እናተበሃለ ነጋሪት ክድሰቕ ከሎ ብዘይ ንሕስያ ክኹነን ዘለዎ እኩይ ናይ መናፍስቲ ሕልሚ እዩ። ይኣክል! ንዳግም ብርሰት ዝዕድም ዕድል ክወሃብ የብሉን። ምእንቲ ሰላም እምበር ኣንጻር ሓውን ጎረበትን ዝኾነ ህዝቢ ዝጻወር ሓይሊ ይኹን ሞራል’ውን የብልናን። ይኣኽሎ ህዝብና። ኣስተውዕሉ ክልተ ኣሕዋትን ጎረባብቲ ዝብታትን፣ ናይ ዝሓለፈ በሰላ ነሕዊየሉ እምበር እንጎድኣሉ ምኽንያት የብልናን ካብ ዝብል ህዝባዊ ሕልና ሙርኩስ ብምግባር እዩ ዝቐርብ ዘሎ እዚ ጽሑፍ’ዚ።
ኣብ ሞንጎ ኣህዛብ ናይ ክልተ ሃገራት ሰላም ኣንተ ነጊሱ ናይ ሓባር ረብሓታት እዩ ዝምዕብል። ሰላም ድማ ምእንቲ ካሎኦት ዘይኮነስ ምእንታኻ ኢኻ ትደልያ። ህዝቢ ኤርትራ ምስ ኩሎም ዝጎራበቱዎ ህዝብታት ነባሪ ሕውነቱ ቀጻሊ እዩ። ብፍላይ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ክልተ ኣህዛብን ክልተ ነጻነተን ዝሓለዋ ሃገራትን ምዃነን ከም ዘለዎ ኮይኑ፣ ልዕሊ ኩሉ ግን ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ዝጸንሐ ኩሉ ዓይነት ማሕበራዊ ምትእስሳራቱ እሞ ድማ! ናይ ዘርእታትን ሓረጋትን ሕውነቱ ኣብ ሎሚ በጺሑ ብጊዝያዊ ፖለቲካዊ ቅልውላዋት ኣይዝረግን። ብመልክዕ ቁጠባዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ዲፕሎማስያውን እስትራተጅካውን እንተዓየርናዮ ድማ! ህዝቢ ኤርትራ መጀመርታ ረብሕኡ ቀዳምነት ብምሃብ ምእንቲ ረብሕኡ ምስ ኩሎም ጎረባብቲ ህዝብታት ሰላሙን ሕውነቱን ባዕሉ ክደልያ ስለ ኣለዎ፣ ንሰላም ከኣ ዘድሊ ዘበለ ኩቡር መስዋእቲ ክኸፍለላ ግዴታኡ እዩ። ኣብ’ዚ ደጋጊመ ክጸቕጠሉ ዘሎኒ ከም ሃገርን ህዝብን ብቐዳምነት ምስ ኢትዮጵያ ሰላምን ሕውነትን ዝጠመሮ እስትራተጅካውን ቁጠባውን ምትእስሳራቱ ከደልድል እንትዘይ-ክኢሉ ሓራ መሬት ኣሎናሞ ካብ ጎረበት ሃገር ዘድልየና የብልናን ማለት ትርጉም የብሉን። እቲ ሓቂ ንሱ’ዩ። ከም’ዚ ዝጥቀስ ዘሎ ምስ ህዝቢ ትግራይ (ህዝቢ ኢትዮጵያ) ማሕበራውን ቁጠባውን ምትእስሳራት የብልናን ዝብል ኤርትራዊ ኣሎ ኣይብልን።
ብኻልእ መዳይ ክረአ ከሎ ድማ! “ ካብ ኩሉ ምዕጉርቲ ሰበይተይ እናረምጠጠ፡ ዘዋዝየለይ ጸላእኩ ከም ዝበሃል” ወያነ-ወያነ ዝብል ሓረገ-ቃላት እናወተፍካ ጎረበትን ሓውን ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ምትን-ኻፍ ማለት፡ ነቲ ብሓያል መስዋእቱ ህዝቢ መሪሑ ተዋጊኡን ኣዋጊኡን ደርጊ ስዒሩ ጥራይ ዘይኮነስ ድሕሪ ደርጊ ምስዓሩ ዋና ጸላኢ ህዝቢ ትግራይ (ህዝቢ ኢትዮጵያ) ድኽነት እዩ ብምባል ህዝቡ ዘዕገበን ኣንጻርቲ ንወሎዶታት ስሪቱ ዝጸንሐ ሕሱም ድኽነትን ድሕረትን ከምዘይ ነበረ ክገብሮ ኣብ ወፍሪ ልምዓት መሰረታዊ ለውጥታት ዘርኣየ ውድብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፣ ንሕና ጸላእትኻ ኢና ዝብሉ ሓይልታት ክለዓሉዎ ከለዉ ህዝቢ ትግራይ ንመሰሉን መሪሕ ውድቡን ከም ዝከላኸል ከይሓለምካ ዝፍተት’ዩ። ነዚታት ኣብ ግምት ዘየእቱ ፖለቲከኛ ኤርትራ እንተሎ ድማ ሕቡእ መደብ ኣለዎ’ዩ ካብ ምባል ንላዕሊ ብዝርዝር ክትገልጾ ክነውሕ እዩ።
ሕንጻጻትን ጥበባዊ ኣካይድኡን ብዘየገድስ ሓደ ውድብ ወይ መንግስቲ እየ ዝብል ንዝመርሖን ዝወደቦን ህዝቢ ይኹን ፍሉያት ኣባላቱ ብናቱ ፖለቲካዊ ህንድስና ክምህሮን ክጥርንፎን ግድን እዩ ዝኸውን። ፍልልያቱ ኣብ ረብሓ ህዝቢዶ! ዋላስ ኣብ ረብሕኡ ዝብል ሕቶታት ጥራይ እዩ ዝድረት። ካብ ቅንጫብ ሓቅታት ዝምንጩ ድማ ኣብ መብዛሕትና ኤርትራውያን ሳዕሪሩ ዝጸንሐን ክሳብ ሎሚ ዘሳቕየና ዘሎን ኣሉታዊ ኣተሓሳስባታት ኣሎ። ንሱ ድማ! ወዲ ሰብ ድላዩ ፖለቲካዊ እምንቶ ክኽተልን ዘይክኽተልን መሰሉ ኮይኑ፡ ብኣታሕሳስባ ወይ ዕላማ ካባኻ እንተ-ተፈልዮ ኣብ ክንዲ ፍልልያት ከም ጸጋታት ምቕባልን ኣብቲ ዘሰማመዓካ ሃገራዊ ጉዳይ ብሓባር ዕድል ምኹላፉ፡ ናብ ካልእ ዘየድሊ መቦቆልን ሓረጋትን ሃሰስ ብምባል’ሞ! ኣብ ስክፍታን ሽቑረራን ክተእትዎ ህርዲግ ምባል እዩ። እዚ ዘይፍወስ ፖለቲካዊ ደዌ’ዚ ኣባና ብፍላይ ካብ ብረታዊ ተጋድሎ ኤርትራ ንደሓር ዝሳዕረረ ኮይኑ! ውድባት ኤርትራ ንኽጥዕመን ክብላ
ዝፍንወኦ መርዛም ስነ ምግባር እንትዘይ ኮይኑ ኣብ ኣቦታትና ይኹን ኣቦ-ሓጎታትና ከምዚ ዝበለ ታሪኽን ኢ-ስነ ምግባርን ኣይንረክብን። እኳ’ደኣ ከምቲ መጻሕፍቲ ቅዱሳን ዝምህሩና፡ ወለድና እንተኾኑ’ውን ማንም ፍጡር ወዲ ኣርኣያ ስላሴ ካብ ሰብ ከም ዘይትሕትን ከም ዘይልዕልን ማዕረ ምዃኑ እዮም ምሂሮሙና ሓሊፎም።
ዓለምን ኣህዛባን ብኻልእ መልክዕ እንተንበብናያ ድማ! ሃገራት መኣስን ካብ መኣስን ዶባዊ ሕንጻጻት ይነብረን ንዝብል ታሪኻዊ መወከሲ መብዛሕትኡ ንምዕራባዊ ኮነልያዊ መግዛእቲ ዝሕደግ እኳ ኣንተኾነ ብኣድማሳዊ መልክዕ ግን ዶብን ደረትን ካብ ጥንቲ ዝጸንሐ እዩ ክበሃል ይከኣል። ዶብን ደረትን ካብ ናይ ክልተ ኣሕዋት ግራት/ቃጸዖ እያ ትነቅል። እዚ ድማ ሕቶ ዋንነት ኮይኑ ዶብን ደረትን ንሕውነቶም ፈጺሙ ኣይትንክፎን። ሕውነትን ናይ ዘርኢ ምትእስሳርን ዶብን ፈጺሙ ደረት የብሉን። ኣይኮነንዶ ትንፋስ ዘለዎ ፍጡርስ ኣግራብ እንተኾኑ’ውን (እጽዋት) ብንፋስን ኣዕዋፍ ሰማይን ስለ ዝዳቐሉ ሕውነቶምን ዘርኦምን ክትድርቶን ሕንጻጽ ክትገብረሉን ከቶ ኣይከኣልን። እዚ መረዳእታ’ዚ ናብ ሓደ ነጥቢ ከብጸሓና ይኽእል ክብልየ ዘቕርቦ ዘለኹ። ንሱ ድማ ኣብዚ እዋንዚ ዝዕንብብ ዘሎ ሕማቕ ስምዒታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ሃገራት ብምዃነን ዘራኽብ ሕውነትን ምትእስሳራትን የብልናን ምባል ከንቱ ወደሳ እዩ እየ ዝብል ዘለኹ። ካልኣይ ሓደገኛነቱ ብሰንኪ ዘይብቕዓት እተዳኸመ ሓይሊ ተቓውሞ ኤርትራ ኩሉ ድኽመታቱን ፍሽለታቱን ኢድ ኣእታውነት ወያነ እናበልካ ምዝማር ፍጹም ተቐባልነት የብሉን ጥራይ ዘይኮነስ ካብ ሓላፍነት ምሕባእ እዩ። ካብ ጥንቲ ማለት ዘርእታት ሓበሻ ኣብ’ዚ ከባቢ’ዚ ካብዝ ጉልዕ ኣትሒዙ ሓደ ህዝቢ እዩ። (ፍልልያትን ሕድሕዳዊ ምውራራትን ንሱ ዝወልዶ ሕቶ ነጻነትን ናይ ባዕሉ ታሪኽ ኣለዎ) መጀመርታ ናይ ሎሚ ኢትዮጵያን/ኤርትራን ሓበሻዊ ሕውነትና ክስርዞ ዝኽእል ከቶ የለን፣ እዚ ማለት ተፈጥሮ ከም ምቕያር እዩ ዘስምዕ። ንሕቶ ፖለቲካዊ ምሕደራ ዝምልከት እንተኾይኑ ግን እንትዘይ ጥዒሙካ ነብስኻ ምኽኣል ካብ ማንም ዝምጽወተልካ መሰል ኣይኮነን። (ኤርትራ ሓንቲ ኣብነት እያ)። ካልእ ብሰፊሑ ክረአ ዘለዎ ኣብ ሞንጎ ክልተ ትግሪኛ ተዛራቢ ሓው ህዝቢ ዝግበር ዘሎ ጎስጓስ ኩኑን ኮይኑ! ንምዃኑ ህዝቢ ኤርትራ ቢኒዓምር ምስ ሱዳን፡ ኩናማ ምስ ኢትዮጵያ ዓፋር ምስ ኢትዮጵያን ጅቡትን የመንን ሳሕልን ሰምሃርን ድማ ብቐይሕ ባሕሪ ነዚ ብጥቕልሉ መምስ መቕረብኡን ካልእ መሰረታዊ ጉዳያቱን ብስጋን ሓረግን ምትእስሳራት ኣለዎ። እዚ ድማ ክቡር ኮይኑ ዝትንክፎውን የብሉን። ምስ ህዝቢ ትግራይ ዝድለ ዘሎ ምርሕሓቕን ምቱኹታዃን ግን ፍሉይ መደብ ዘለዎ እዩ።
ብዛዕባ ፍሽለትን ጥልመትን መራሕቲ ተቓውሞ ኤርትራ ብዙሕ ተዘሪቡሉ እዩ። መሪሕነት ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ እንተ-ኾኑ’ውን ብዘይካ ብስምዒታቶም ነባር ኣምልኾን ዝግዝኡ ብልኡማት ኣባላቶም ካብ ምዕጉምጓም ሓሊፎም ኣብ መድረኽ ክከላኸሉ ኣይበቕዑን። እምበኣር ኣብ እተፈላለዩ መርበብ ሓበረታታትን ካልእ ናይ ሓበሬታ መሳለጥያታትን እንሰምዖን እነንብቦን ዘሎና ምናልባት ንግዝይኡ ቀሊል ክመስለና ይኽእል ይኸውን፣ ግን ድማ! ሓደ ሕቡእ ኣጀንዳ ዘለዎ ምዃኑ ምግማቱ ኣየጸግምን። ብሸነኽ መሪሕነት ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ እንተወሓደ ኢድ-ኣዙራዊ መልእኽቲ ህግደፍን መሸፈኒ ፍሽለታትን ከገልግል ተባሂሉ ዝመሃዝ ሓደገኛ ምህዞን ሳዕቤንን ዘለዎ እዩ ምባል ኣቦ ቦትኡ ኣሎ። ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ 1998 ክጅመር ከሎ ምናልባት ከም ዋዛ ይመስል ነይሩ። እንተኾነ ክሳብ ሎሚ ዘይተጋህደ ሕቡእን እሉኽ መደባትን እንትዘይነብሮ ዛጊት መፍትሒ ምተረኽቦ ነይሩ። ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ዘስዓቦ ጸገም ንማንም ኤርትራዊ መብርሂ ኣየድልዮን። ሃገር ብሃገራ ተለኺፋን ተኾሊፋን እያ። ብፍሉይነት እተጠቕዑ ሕብረተ-ሰባት ድማ ኣለዉና። ነባራት ዓድታት ጠቕሊለን ዝበረሳ ውሑዳት ኣይኮናን። ሸፋፊንካን ተሰኪፍካን ዘይሕለፍ ብፍላይ ኣብቶም ብኹሉ ዓይነት ሕብርተ-ሰባዊ ምትእሳሳራትን ዱልዱል ሕውነትን ዘለዎም ማለት ኣብ ከባቢ ዶባት ዝርከቡ ሕብረተ-ሰባት ናይ ክልቲኡ ሃገራት ወሪዱ ዘሎ ዕንወት ብቐሊሉ ዝፍወስ ኣይኮነን። እወ! ብፍላይ ዕርድታት ተሃኒጹለን ዝነበራ ከባቢ ዶባት ሸነኽ ኤርትራ ህዝበን ተዞርዩ ጠፊኡ እዩ። ንዝቐበረ መርዳእ ኣየድልዮን።
እምበኣር ብሕጂ ንዕርቅን ሰላምን ዝዕድም ፖለቲካዊ ጎስጓሳት እንትዘይ-ኮይኑ ንጽልእን ውግእን ዝደፍእ ጎስጓሳት ብኣግኡ ክንዓግቶን ክንዋገኦን ይግበኣና።
ምስ ሰራዊት ሕድሪ ንቕድሚት
ክሳብ ተመሳሳሊ ጽሑፍ ሰናይ ቅነ።