እንታይ ኣምጸኦ ሸመታ ጽልኢ ጉዳይና ባዕልትና ዘይንርኢ፡ ብ’ገብረእግዚኣብሄር ወዲ’ባሻይ ጀርመን፣ መስከረም 20/01/2008፡/01/10/15።

 

ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ባሕቲ መስከረም (ብኣቆጻጽራ ኣግኣዝያን) ንጉስ ይኹን ካልእ ዝምልከቶ በዓል ስልጣን፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዱ ንዝጸንሑ ሰባት ምሕረት ዝእዝዘላ ወርሒ ስለ ዝኾነት፡ ደለይቲ ፍትሕን ሕድገትን ዝኾኑ ኣበው፡ ብሃንቀውታን ብጸሎትን ይጽበዩዋ። ሎም-ዘመን ኣንተኾነ’ውን ከም ወትሩ። መንፈሳውያን ማለት መራሕቲ  ሃይማኖት (ካህናት) ሽግ ኣብሪሆም  ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ዘሰጋግርን ንሓድሽ እኽልን ዘመንን ብ’ዓኾዃይ  ዝባርኹሉ ወርሒ ብምዃና ንደቂ ሓበሻ ልዑልን ፍሉይነትን ኣለዋ። ብዚን ካልእን መንፈስን እምነትን ኣብ ህይወት ደቂ ሰባት ዘሕድራሉ ሞራልን ፍናንን መዐቀኒ የብሉን። ስለ’ዚ ወርሒ መስከረም ብመንፈሳዊ መልክዕ ይኹን ብህዝባዊ ምሕደራ ምስ ትምኒትን ሃረርታን ኩሉሳዕ ከም ቅድስቲ ወርሒ እያ ትፍለጥሞ መልእኽቲ ወርሒ መስከረም ይባርኸልና። በዚ ኣጋጣሚ ዘመነ ዕርቅን ሰላምን ሰናይ ምንዮተይ ከመሓላልፍ እደሊ።

ናብ መልእኽተይ ከቶኩር፡ ለባም ዕርቂ ይመክር፡ ዓሻ ሕነ ይነግር ይበሃል፣

ኩሉ ዓይነት ማሕበራውን ታሪኻውን ምትእስሳራት ንጎድኒ ገዲፍካ ከም ህዝብን ሰብን ጎረቤት ማለት ኣዝዩ ክቡር እዩ። ጎረቤትካ ልዕሊ ነብስኻ ክተኽብሮን ክትሕልዎን እዩ ዝግባእ። እቲ ምንታይ ንረብሕኡ ዘይኮነስ ምእንቲ ረብሓኻን ኽብረትካን። ነዚ ህዝቢ ኤርትራ ጽቡቕ ገይሩ ይፈልጦ ጥራይ ዘይኮነስ መዋእል ክሰርሓሉ ዝጸንሐ ርቡሕ ስነ ምግባር እዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ እንኮ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ህግደፍ ጥራይ ምዃኑ ክንቅበሎ ይግበኣና። መላፍንቲ ኣይድልዮ፣ ዋላ ሞቛርንቲ። ኣብዚ እዋን’ዚ ህዝባዊ ወያነ ሐርነት ትግራይ (መንግስቲ ኢህኣዴግ) ከም ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ገርካ ምቕማጥ ወይ ጎስጓሳት ምክያድ ፍጹም እተሰሓሓተ እዩ ጥራይ ዘይኮነስ ጽዩንን ዘይ ኤርትራዊ ስነ ምግባርን እዩ ምባሉ እናነኣሶ እዩ። “ኣሓ ይህረማ’ ብሕመቕ ጓሳ”፡ “ጓሳ ይህረም ብሕመቕ ጎይታ”፡ ከም ዝበሃል፣ ህዝቢ ኤርትራ ዝህረም ዘሎ ብጨፍላቒ ስርዓት ህግደፍን ካብኡ ብዘይፍለ ድማ! ብሕምቀትን ፍሽለትን መራሕቲ ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ ምዃኑ ሸፊና ክንሓልፎ ኣይኾነልናን። ስርዓት ህግደፍ ካብ ስልጣኑ ምእላይ ኣማራጺ ዘይብሉ ቅድመ-ኩነት ስለ ተቐመጠ ብዛዕብኡ ሓድሽ መብርሂ ኣየድልየናን ይኸውን። ሕመቕን ጥልመትን መራሕቲ ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ ግን ወግሐ-ጸብሐ ዝዝረበሉ ዘሎ ጉዳይ እዩ። ሕመቕ መሪሕነታት ተቓወምቲ ኤርትራ ብሰንኪ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጌርካ ምምዳቡ ከኣ ፍጹም ኣብ ቦትኡ ኣይኮነን። ንፍሹላት መራሕቲ ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ ተስኪምካ ምንባር ድማ ሕመቕ ናይቲ ደላይ መሰረታዊ ለውጢ ጥራይ እዩ እንተተባህለ ጌጋ የብሉን።

ኣባላት ደምበ ተቓውሞ ኢና ብዝብሉ ሰባት ብፍላይ ኣብ ስነ ጽሑፋት ንነጥፍ ኢና ብዝብሉ ኣካላት እሞ ኣብ ኣተፈላለየ ኣጋጣሚታት ድማ ኣብ ምግባእ ኤርትራዊ ሓይሊ ተቓውሞ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ብምምልላስ ንነብሶም ከም ፈታሕቲ ፖለቲካዊ ሽግር ህዝቢ ኤርትራ ዘቕርቡዋ ዝነበሩ፡ ሎሚ ጥንቅልዒት ተገምጢሎም ዝጸሓፍ ዘሎ ቶኽታዂ ጽሑፋት ኩልና ንከታተሎ ስለ ዘሎና ናይ መን ምዃኑ ምሕባር’ውን ዘድልየና ኣይመስለንን። ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ካብ ዘይትጽበዮምን ብዕድመ-ጸጋ ዝጸገቡን ግርማ-ሞጎስ ዝለበሱን ዓበይቲን ምሁራንን ሰባት ጽልእን ቅርሕንትን ዝዕድም ክቱዂቶኽ እንከሎ ዓገብ ምባል ድማ! ኤርትራዊ ጭውነት እዩ ዝነበረ። ሎሚ ንሕና ኤርትራውያን ኣይኮነንዶ! ምስ ብብዙሕ ምኽንያታት እንተኣሳሰረሉ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ምስ ህዝቢ ትግራይን መሪሕ ውድቡን ህ.ወ.ሓ.ት. ይትረፍ ምስ ካሎኦት ጎረባብቲ ህዝብታት እንተ ኾነ’ውን ሰናይ ሕውነትን ምክብባርን እንትዘይ ኮይኑ ምቱዂታኹን ዓውዲ ምጽሕታርን ፈጺሙ ኣየድልየናን። ሕሉፍ ሓሊፎም ኣጸዋውያን ልሳንን ትግሪኛ ናይ ተጋሩ ኣጸይፎም ኣብ ጽሑፋቶም ክወታትፉ ክትርኢ እንከሎኻ ክሳብ ክንደይ ኤርትራዊ ውርዝነት ይብረዝ ብምህላዉ የሕዝነካ። ናይዚ እዋንዚ ቶኽቶዂቲ ጽልኢ ዝጽሕፉዎን ዝሓስብዎን ኣብ ትሕቲ ፍጹምነቶም ጥራይ ዝደፍኡሉ ይምሰል እምበር ንውልቃዊ ስምዒታቶም ጥራይ እዩ ዝምልክት ኢልካ ዝሕለፍ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ብእዋኑ ዓገብ እንትዘይ ተባሂሎምን እንትዘይ-ተገሪሖምን ምስ’ዚ ዘሎ ኣሉታዊ ስምዒታት ኣብ ጎረባብትን ኣሕዋትን ዝኾኑ ህዝብታት መሰረታዊ ጽልኢ ክዘርኡ ይኽእሉ እዮም።

ከቲ ካልእ መዳዩ ድማ፡ ጸሓፍቲ ካብ ውልቃውን ጉጅለኣውን ሕሳባት ንላዕሊ መሰረታዊ እስትራተጅካ’ውን ሕብረ-ተሰባ’ውን ታሪኻ’ውን ምትእስሳራት ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን ኣብ ግምት ዘእተዉ ኣይመስሉን። ካልእ መልእኽቲ ክነጽሮ ዝደሊ እንተሎኒ ድማ! መብዛሕትና ናብ’ቲ ኣብ ኢትዮጵያ ክካየድ ዝጸንሐ ዝተፈላለየ ጉባኤታትን ሰሚናራትን ክንሳተፍ ምጽናሕና ናይ ኣደባባይ ሚስጥር እዩ። ብዙሓት ፖለቲከኛታትን ምሁራንን ከይተረፈ ድሕሪ’ቲ ውልቃዊ ናይ ስልጣን ህርፋንን ዕሙት ስሰዐን፡ ባህግታቶምን ሕልምታቶምን እንትዘይ-ተጋህደሎም 180ን ዲግሪ ክጥወዩ ግዜ ኣይወስደሎምን። ብተራ ኣቀዋውማ ውድባት እንተኾነ’ውን ድሕሪ ፖለቲካዊ ፍሽለታተን፡ ካድራተን ነናብ ቤተሰቦም ናብ ሃገራት ዲስፖራ መሊሰን፡ ኩሉ’ቲ ሕመቕን ስንፍናን ብሰንኪ ኢድ ኣእታውነት መንግስቲ ኢትዮጵያ ጌርካ ምጉስጓስ መዓልታዊ ዕዮ ገዛአን ገይረንኦ እየን። እዞም ሎም-ቅነ ቶኽታዂ ጽሑፋት ዝፍንዉ ዘለዉ እንተኾኑ’ውን ውጽኢት ናይዚ ፖለቲካዊ ፍሽለታት እዮም።

ንሱ ጥራይ ኣይኮነን፣ ሎሚ ወያነ-ወያነ ምባል ኣብ ፖለቲካዊ ረብሓ ህግደፍ ይውዕል ዘይኮነስ፡ ብቐጥታን ተዘዋዋርን ኣብ ውሽጣዊ መሳርሒ መሓውር ስለያታት ህግደፍ ዘገልግል ምዃኑ ክንዝንግዕ ኣይግበኣናን።

ኣብ መወዳእታ ከመሓላልፎ ዝደሊ እንተሎኒ! ከምቲ ኣብ ሞባእታ ሓጺር ጽሑፈይ፡ ለባም ዕርቂ ይመክር፡ ዓሻ ሕነ ይነግር እተባህለ፣  ሎሚ ዓበይትን ምሁራንን ካብ ዝነኣሰ ክሳብ ዝዓበየ ብሃገርን ኣህጉርን ንዕርቅን ሰላምን ዘንጊ ፍትሒ ዝተኽሉሉ እዋን ስለ ዝኾነ ምኽሮምን ማዕዳኦምን የድልዮ ኣሎ ህዝቢ ኤርትራ። ካብኡ ሓሊፉ ግን ኣብዚ ዕድመን መዋእልን’ዚ ምእንቲ ስምዒታቶምን ወልፍታቶምን ብድሕረይ ዳንዴር ኣይትብቆላ ዝዓይነቱ ምስላ መጻዕኛ፡ መልእኽቲ ሕነ ምፍዳይን “ሽመታ ጽልእን” ምጉስጓስ ኣየድልዮን ንህዝቢ ኤርትራ።

ምስ ሰራዊት ሕድሪ ንቕድሚት፣

ክሳብ ተመሳሳሊ ጽሑፍ ሰናይ ቅነ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *