ካብ ወርሒ 8/2015 ጀሚሩ ክሳብ እዚ ሒዝናዮ ዘሎና ወርሒ 9/2015 ብዘይ ምንም ምኽንያትስርዓት ህግደፍ ልዕሊ 48 ንጹሃን ኣባላት ኩናማ ኣሲሩ

እዚ ዝመጸና ዜና ከም ዝሓበሮ፡ ስርዓት ህግደፍ ኣባላት ኩናማ ንምርዓድን ናይ ምጽናቱ መደባቱ ክውን ንብምግባር፡ ደቂ ኣንስትዮ፣ ደቂ ተብዓትዮ፣ ትሕተ ዕድሜ ዝኾኑ ጓሶትን ከይተረፈ ሒዙ ከም ዝኣሰረ ሓቢሩ፡፡ እቶም ዝተኣስሩ፡-

  1. ካብ ቢንቢልናን ከባቢኣን 16 ሰባት
  2. ካብ ካሪና 4 ሰባት፡ ካብዞም ሓደ ኣብ መጓሰ ዝነበረ፡ ከምኡ እውን ካብ ቁሸታት ደኪማረ፣ ማሪቲ፣ ቱታኩሪን ጓሶት ከም ዝተኣስሩ
  3. ካብ ዶኪንቢያ 9 ሰባት
  4. ካብ ጎሉጅ 17 ሰባት
  5. ካብ ከባቢ ተሰነይ ክልተ ሰባት ብድምር ልዕሊ 48 ንጹሃን ኣባላት ብሄር ኩናማ ከም ዝተኣስሩ እቲ ዜና ሓቢሩ፡፡ እዞም ዝተኣስሩ ንጹሃን ኣባላት ኩናማ ክሳብ ሕጂ ሃለዋቶም ከም ዘይፍለጥ እቲ ዜና ወሲኹ ሓቢሩ፡፡

ብካልእ ሸነኽ ብዕለት 26/09/2015 ኣባል ፈጸምቲ ዲምሓኩኤ ምስ መሪሕነት ናይ ኩለን ማሕበራት ፣ ኮሚቴ ስደተኛታትን ኣብ ዝተረኽቡሉ ሰፊሕ ኣኼባ ኣካይዱ፡፡ ኣብዚ ኣኼባ ምስ ህልዊ ኩነታት ሃገርና ኣተሓሒዞም ውድባዊ ህይወት ከም ዝሃቡዎም ተፈሊጡ፡፡ ናይዚ ኣኼባ ቀንዲ ኣጀንዳታት፡-

  1. ህልዊ ኩነታት ውድብ ዲምሓኩኤ እንታይ ይመስል?
  2. ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝርኤ ዘሎ ምንቅስቓሳት ህግደፍ እንታይ ይመስል?
  3. ካብዚ ተበጊስና ዘመዝገብናዮም ዓወታት ብኸመይ ዓቕብና ውጥናት ህግደፍ ነፍሽል ኣብ ዝብሉ ነጥቢታት ሃናጺ ኣኼባ ኣካይዶም፡፡

ስርዓት ህግደፍ ንብሄረ ኩናማ ካብ ገጽ ኤርትራ ንምጥፋእን ንምጽናቱ ዘካይዶ ዘሎ ሜላታት ብሰፊሑ ነቶም መሪሕነት ድሕሪ ምግላጽ፡ ነዞም ሽርሒታት ብኸመይ ኣገባብ ነፍሽሎም ኣብ ዝብል ነጥቢ ሰፊሕ ምይይጥ ድሕሪ ምክያድ፡ ውሽጠ ውድባዊ ጥንኻረ ዘሕይሉ ኣደለይቲ መደባትን ንምግጣሙን ንምፍሻሉ ዝሕግዙ ኣንፈታት ከም ዝሓንጸጹ እቲ ዝመጸና ዜና ሓቢሩ፡፡

ከምኡ እውን ሎሚ ዕለት 27/09/2015 ኣብ ተመሳሳሊ ኣጀንዳ ምስ ኣባላት ውድብ ኣኼባ ኣኻይዱ፡፡ ኣብዚ መድረኽ ስርዓት ህግደፍ ዘካይዶም ዘሎ ሽርሒታት ብኸመይ ኣፍሽልና ነቲ እነካይዶ ዘሎና ሓርነታዊ ቃልስና ብምጥንኻር ቀጻልነት ብሄርና ነውሕስ ኣብ ዝብል ነጥቢ ሰፊሕ ምይይጥ ኣካይዶም፡፡ ድሕሪ እዚ ምይይጥ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ዝተመዝገቡ ዓወታት ዘይነዓቁን ረዘንቲ ብምኻኖም ክዕቀቡ ከም ዝግብኦም ብምንጻር፡ ኣባል ውድብ ኣብ ቃልሱ እጃሙ ብዝለዓለ ንክጻወት ዓቢ ተራ ከም ዘለዎ ብምሕባር ሞራልን ንቅሓትን ክብ ዘብለሉ ኣገደስቲ ለበዋታት ብምሕላፍ ኣኼብኦም ዛዚሞም፡፡

posted by DMLEK

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *