
ፖለቲካዊ ሰረተ-እምነት (doctrine) ፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ። እቶም ፈልሰፍቲ’ዚ ሰረተ-እምነት’ዚ ረብሓ ሃገሮም’ዮም ዘቐድሙ ዝነበሩ። ሃገራዊ ዶባት ብቁጠባውን ፖለቲካውን ብሕትው ና /monopoly/ ኣብ ዝተጣሕሰሉ እዋን ግና እንሆ ሎሚ ብዓለማ ብበትሪ ‘ሓንቲ ዓለም’ ትቑሽመድ ንሪኣ ኣለና። ስለኡ ይኸ ውን ኣቶ ኢሰያስ’ውን ከምሓደ ተላኣኣኺ መግዛእቲ ብልሳኖም “ደሞክራሲ ኣበይ ርኢኹም” ክብል ነቲ ወርቂ ኣኽሊል ዝደፍ ኣሉ ጻዕዳ ህዝቢ ከደኽድኾን ከብርሶን ዝርአ። እንተ ስለ’ታ ውልቃውነትን ተብላጽን እተመንጩ ሰረት ናይ ኩሉ ዓይነት ብልሽውና ስርዓት ኣስመራ ዝኾነት ጥቕሲሞ ኣብ ኤርትራ ነዛ ትሕቲ ሞራል ዝኾነ ሰረተ-እምነት’ዚኣ ዝኣምን ህዝቢ ወይ ውልቀሰብ ዘ ሎ ኮይኑ ኣይስማዓንን። ከመይ ኣቢላ ከምዝተቐልቀለትና ንዝምልከት ከኣ ንቐጽል። ኣብ ጽባሕ ናጽነት ኣቶ ኢሳይያስ ዓሶ ርእሲ ክትብንቁሶ ደልያ ተባሂሉ ብክንደይ ‘ደግ ፎ-ደግፎ’ ንሃገረ-ኢስራኤል ከይዱ ክሕከም ከምዝቐነየ ተገሊጹ ነበረ። ከ ምቲ ንዘረባ ዘረባ ዘምጽኦ ኣቶ ኢሳይያስ ካብ ጀብሃ መሊቑ ንዓላ ምስተሓወሰ’ ውን ከምኡ ብሕ ማም ክዕሎ ምስበለ ተሓቢኡ ኣስመራ ከምተሓከመ ዝብል ታ ሪኽ ዘከርኩ። ንስኻት ኩም’ውን ሽዑ ንሱ በየናይ መልክዕ ከምተሓከመን ብከመይ ከምዝወጸን ትሓስቡ ት ኾኑ። ገለ’ሞ “እ ምበርከ ሓሚሙዶ ትብልዎ”? ኢሉ ዝሓትት ኣሎ። ከመይሲ እንሆ’ኮ ሎሚ’ውን ወግሐ-ጸብሐ “ሓሚሙ” እናተባህለ ንቀጠ ር። ሕማም ቀንዲ መሳለጥያ ቅትለት ኢሳይያስ ኮይና ከምዘላ ትርእይዎ ኣለኹም። ቀዳመይቲ ሕማሙ ንስዉእ ኣብራሃም ለ ኪማ። ዳሕረወይቲ ሕማሙ ንኩሎም ድሕሪ ናጽነት ዝበረሱ ሰብና። ኣብ ሳልሰይቲ ሕማሙኸድኣ ንብሃገራዶ? ህዝብናኸ ከ ምትምኒት ናይ ገለ ሰዓአብቱ ብሕማም ኢሳይያስ ልቡዶ ይምላሓሉ ኣሎ? ኣብ ዝሓለፈ ክፋል ጽሑፈይ ብዛዕባ ኣሰላልፋ፡ ዓላማን እጃምን ኢሳይያስ ኣብ ቃልሲ ንዝምልከት “ሰውራ እንተተዓወተት ን ሱ ኣሎ፡ እንተተደምሰሰት ድማ ንሱ ኣሎ” ክብል ከሕጽሮ ፈቲነ። መቸም ታሪኽ ከም ተኣፋፍነቱ ብእወታን ኣሉታን፡ ብሓቀ ኛን ግጉይን መልክዑ ክቐርብ ከምዝኽእል ንርዳእ ኢና። ልዕሊ ኩሉ ንከምኡ ዝምዘዝ ኣካል ክህሉ ኣለዎ። ብፍላይ ኣብ ፍሽ ለት ዓላማ ህዝቢ ብውሑዱስ ብግዜን ፍጻመታትን ብዝቕመር መርትዖ ምቕራቡ ከምዝበልጽ ንርዳእ ኢና። ግናኸ ኣብ ዝሓጸ ረ እዋን ንብዙሕ ምኽንያት ምልኣተ-ሓቅነት ስለዝጎድል ታሪኽ እናሓደረ ኢዩ እናተጻፈፈ ዝኸይድ። ሓቀኛ መዳያት ታሪኽ ካ ብቶም ዝነበሩን ሓቀኛ ምስሊ ከመሓላልፉ ዝበቕዑን ብኣፍ ወይ ብጽሑፍ ተሰኒዱ ክቐርብ ሙሉእን ሕጋውን ይገብሮ። ታሪ ኽ ንምብራስ ተባሂሉ ዝውሰድ ፈተነ ከምዘሎ መጠን ድማ ገሊኡ ክዕበጥ’ኳ እንተተፈተነ በትሪ ሓቂ በቝላ ስለትሓድር መን ነት ወይ እንታይነት ናይ ነገርን ሰብን እናተነጸረት ኢያ ትኸይድ። ኣብ ታሪኽ ቃልስናን ሎምን ኢሳይያስ መን ከምዝኾነ ንምፍላጡ ዘይደሊ የብልናን። ስለ’ቲ ታሪኽነቱ’ምበር ንቁምነገርን ክድ ዓትንሲ መበቆል ዘይኮነ ከምቶም ብኣህጉራውነት ዝተጠቕሱን ካብ ተመኩሮና ዝተገንዘብናዮን መንነት ኢዩ ወሳኒ። ካብዚ ብ ምብጋስ ነዞም ኣብ ስልጣን ዘለዉ መራሕትና ብመንነቶም ዝወቕሶም ሰብ ኣይተራእየን። ክፉእ ሰብ መጽረፊኡ ባዕሉ ከምዝ ምህዝ መጠን ኢሳይያስ ንነብሱ ብኣፈኛታቱ ወዲ ማእከል ተቖጺሩ መሓልፎ እቶም ደቀባት ክጓነዩን፡ ስለዝተቓወሙ ወያነን ከዳዓትን ክጽብጸቡ ምስተራእዩ ክሳብ ብኮምፒተር ዘርኢ ምቑጻር ከምዝመጸ ገሊጸዮ ነይረ። ንሱስ ደለ ይኹን። ኢሳይያስ መን ምዃኑ’ውን ብዙሕ መርትዖ ዝሕተተሉ ነገር ከምዘይኮነ በሪሁ እንሀለ። መንነቱ ንምፍላጥ 1. ቀዳማይ ገላጽ መንነቱ ባዕሉ ተግባራቱ ከምዝኾነ ድሕሪ ፍርቂ ዘመን ትዕዝብቲ ምግላጹ ፍጹም ጉድለት የብሉን። 2. ካብ ሰነዳት ቀዳሞት ከም ናይ ወዲ ጆርጆን ሰበ-ስልጣናት ኢቲዮጲያን ዝተባህለ፡ ዝተፈብረኸ ክበሃል ኣይከኣልን። 3. ብመርትዖ ዝቐረበት ናይ ኢሳይያስ ሰነድ ካርድ መእተዊ ቃኘው። 4. ሕጂ’ውን ደቂ ሃገር ኣህሊቑ ብደምህት ከውርረና ክብል ካልእ ጥጅእ ከምዝህልዎ እናዘከርና ገዲፈሞ ከይዶም።…… ኣብ ናይ ዩኒቨሪሲቲ ፈተና ሓሚቑ ከምዝተረፈ ዝውረየሉ ኣቶ ኢሳይያስ ብናይ ካልኦት ክግለጽ ንሱ ኣብ ፖለቲካ ብምእታዉ ን ከምዝተረፈ ተመሲሉ ንበረኻ ክለኣኽ ስለዝተወጠነን ምንባሩ ይግለጽ። ደጋጊሙ ቃኘው ከምዝኣተወ ዝፍለጥ ኢሳይያስ ብ ሞንጎኛነት ኣመሪካዊ ሓለቓ ቃኘው ምስ ኣስራተ-ካሳ ይራኸብ ከምዝነበረ ዝሕባእ ኣይኮነን። ኣብዚ ክስትውዓለሉ ዘለዎ ምእ ታዉ ወይ ምርኻቡ ዘይኮነ ዝገበሮ ውዕላት ኢዩ’ቲ ወሳኒ። ንሱ ድሕሪ ተ/ይ ሃብተስላሰ ኢዩ ክኣቱ ዝጀመረ። ኣስራተካሳን ወ ዲ ጆርጆን ኣባላት ሲኣይኤ ብምንባሮም ኢሳይያስ ይፈርሆም ከምዝነበረ ክምሰል ይህቀን፤ኳ እንተኾነ፡ ንርእሱ ካብኦም ፈሊ ኻ ክርአን ክሳብ ሎሚ ድማ ዕምሪ ክልቅብን ኢልካ ዘይሕሰብ ኢዩ። ብዝኾነ ውዕሎኦምከ ከመይ ነበረ ኢዩ ዘገድስ። ኣስራተ-ካሳ ሃይሉ ሳህለ-ስላሰ፡ ወዲ ወዶም ንንግስነት ሽዋ፡ ማለት ንጉስ ሳህለ-ስላሰ ብምዃኖም፡ ንግስነት ኢቲዮጲያ ልዕሊ ንጉስ ሃይለ-ስላሰ ን ኦም ከምትግብኦ ጥርዓን ነይርዎም ኢዩ። ምስ ኢሳይያስ ኣብ ቃኘው ኣብ ዝራኸቡሉ እዋን (ምናልባሽ’ው ን ኢሳይያስ ሓሚሙ ምስኣተወ ኣብ ገዝኦም ‘ሓኪመሞ’ ይኾኑ) ክወዓዓል እንከሎ ንሶም ንግስነት ኢቲዮጲያ ክሕዙ’ሞ ንኢሳ ይያስ ድማ ኣመሓዳሪ ኤርትራ ክገብሩዎ ተመባጺዖሙሉ ከምዝነበሩ ኢዩ ዝትረኽ። ሰበ-ስልጣናት ኢቲዮጲያ ኣንጻር ናይታ “ተሓኤ” ተሰይማ ድሮ ዝተመስረተ ናይ ‘ኣስላም’ ዝብልዋ ውድብ ክቃለሱ ንህዝባዊ ሓይልታት ባዕሎም ከምዝመስረቱዋ ይገልጹ ከምዝነበሩ ምስ እንዝክር፡ ኣብርእሲ’ቲ “ንመን ኣሚኖም” ዝብል ግድል ታሪኽ ነ ብሱ ይደግም ምህላዉ ዘይምዝንጋዕ። ከመይሲ ኣቐዲምና ንሳቶም ነቶም ንተጋሩ ምግባር ዝኣበዩ ኤርትራዊ፡ ንራእሲ ወልደ ሚካኤልን ንደርሆን ብማሕላን ብማሸላን ከምዘሀመሉ ርኢና ኔርና። ኣብ ውግእ ዓድዋ’ውን’ኮ ኣንጻር ጥልያን ተባሂሉ ዝተገ ብረ ውዕል ኤርትራውያንን ንሳቶምን፡ ብጥልመቶም ከምተዛዘመ ርኢናዮ ኢና። ሎሚ ድማ ደምህት ንኢሳይያስ ኣሀሚላ ንዓ መታት ክትስልዮ ብምጽናሕ ኣማስያኣ ተበቝጻ እንሀት። ኢሳይያስ ድማ እንተ ብገርሁ እንተ ብጉርሑ ውሒጥዎ ስቕ ወይለና! ሕቶ ክህልወኩም ይኽእል ሕጂ። ከምዚ ዝብል ሕቶ፡-“ንምንታይ’ዮም ንሳቶም ተሰማሚዖም ከብቅዑ ዝጠልሙ”? ከምኡ እን ተበልኩም ንሳቶም ብሉጻትን ጎራሓትን ከምዝኾኑ ክገልጹልኩም እንታይ የጸግሞም! ወይለኹም ሓዉኹም ትኸድዑ ሃሳሳት!! ናብ ሎሚና ክንምለስ፡ ኢሳይያስ ምስ በበይኑ ዝዓላማኦም ሰበ-ስልጣናት ኢቲዮጲያ ይራኸብን ይዋደን ምንባሩ ክትርድኡ ኣ ይጽግመኩምን ይህሉ። ገለ ተንተንቲ ከምዝብልዎ ድማ ንሱ ብጊሓቱ ምስ ኢቲዮጲያዊ መረጃ፡ ኣመሪካዊ ሲኣይኤን ኢስራኤ ላዊ ሞሳድን ከምተመሻጠረ ዘጠራጥር የብሉን ክብሉ ይስምዑ። ከምኡ ይኹን’ምበር ሕጂ’ውን ንምንታይ ዓላማ ምንባሩ ኢ ዩ ወሳኒ። ኣብ ዕራብ ጸሓዩ እንክርአ ንሱ ንናጽነት ኤርትራ ኢሉ ከምዘይተበገሰ፡ እንተኾነስ እቲ ፈለግ ሰውራ ድማ ኣይገፍዖን ጥራይ ኣብ ርእሱ ተሰኪምዎ ይኸይድ ምንባሩ ንዕዘብ። ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ዝወሰዶም ተግባራት ድማ ልዕሊ እወታኡ ጉድ ኣት ሰውራ ኤርትራ ኣስዒቡ ኢዩ። እቲ ጉድኣት ኣብ ውልቀ-ሰብን ብውዱቡን ዝተራእየ ነበረ። ንኣብነት እታ ውድብ ኣብ ሰ ላሕታ ወራር ብወራር ኣመኽንዩ ክብትና ሓሲቡ ከምዝነበረ ናይ ትማሊ ትዝታና ኢዩ። ሰላሕታ ትርፎ ሃንደበትነቱ ምስ ናይ 6ይ ወራር ክርአ ክሳብ ክንድኡ ንብውድባ ዝፈተነ ኣይነበረን። ግና ከምቲ ዓሰብ ገዲፍና ንሳሕል ክንእለ ዝተወጠነ፡ ሽዑ’ውን ንሱዳን ክንድርገም ተሓሲቡ ነበረ። እዚ ክብል እንከለኹ ገሊኦም ተሓለቕቱ ብወተሃደራዊ ድኽነተይ ወይ’ውን መሳርሒ ወያ ነነተይ ከምስልዎ ይኾኑ። ግናኸ ሓቂ ኢዩ። ጻዓዱ፡ ንጹሃትን ጀጋኑን ደቂ ኤርትራ ብዝገበሩዎ ኣስተዋጽኦ ነቲ መደብ ጠቃር ጉልሓይ ኣፍሺለሞ። ከምዚ ሎሚ ኣብ ቤት ማሕቡስ ከይተቖለፈ ኣብ ወራር ሰላሕታ ኣስተዋጽኦ ጴጥሮስ ሰለሙን፡ ከምዚ ሎሚ ሓመድ ከይበልዖ ስዉእ ኢሳይያስ ተወልደን ወዘተ ህሉዋትን ሕሉፋትን ንጹሃት ኤርትራውያን ብጾትና “ነበር” ኮይኖም ። ንሕና ግና ገና ንህውትት! ብዛዕባ ብውልቂ ንዝተወስደ ቅትለት፡ ሲኣይኤ ንሃገራዊ ረብሓኣ ክትብል ዝጻብኡዋ ንዝበለቶም ሰባት ኣብ ብዓለሙ ብስልዃ ከምትቐትል ዘይፈልጥ የለን። ክሳብ ኣብ ሕንብርታን ቤተ-መንግስታን ኣነጣጣር ነይሩን ኣሎን። ኣብ ውሽጢ ሰውራ ኤርትራ ብፍላይ ኣብ ህ.ግንባር ድማ ልኡኽ ቅትለት ሰብ ነይርና እንተበልናኩም ጥርዓን ጥራይ ከምንጠርዕ ዘለና፡ ብግብሪ ግና ፍጹ ም ከምዘይተገደና ትጽብጽብዎ ብዙሓት ግሩሃት ወይ ‘ሰብ ሞያ’ ኣለኹም። ድሕሪ ናጽነት ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኹም ዝተገብረ ቅዝፈት ከምዘይረኣኹም ክትሃድሙሉ እንተ ሓሰብኩም ዓይነትኩም ኣይኮነን ዘገድሰኒ፡ ጥራይ ኣይትዓሽዉ፡ ቆንጠፍጠፈ እና ፈለጥካዮ ከይትጸድፍ ከምዝሕቆፍ ግና ዘክሩ። ንሱ ንሎሚ ትገብርዎ ቃልሲ ተመኩሮ ክኾኖኩም ኢዩ። ኣብ ግዜ ናጽነት’ውን ወዲ ኤርትራ ጸላኢኡ ክቕፍቅፍ እንከሎ ኢሳይያስ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ንኮንፈደረሽን ኢዩ ዝፍርም ዝነበ ረ። ኣብ ፈረስ ኤርትራዊ ሃገራዊ ወኒ ተወጢሑ ኮንፈደረሽን ምምናዩ ስለምንታይ? ማሕላኮ ቀታሊ፡ ጥንሲ ድማ በላሊ ኢዩ ። ንሱ ነቲ ዝፈረሰ ፈደረሽን ከሐድስ ከምተላእከ ዶኾን ወጢጥዎ? ረፈረንዱም ምቕባሉ’ውን ብደምን መስዋእትን ኤርትራዊ፡ ኪኖ ትልሚ ለኣኽቱ (ስልጣን ኣውራጃ ኤርትራ) ቆንጺባቶ ሕልሚ ዓባይ ኢቲዮጲያ ዶኾን ሰርኒቕዎ? ወያነ እንተዘይትጣበበ ሉ’ሞ መደቡ ከምቲ ቆልዓ ምስኮተተ ካብ ትእዛዝ ወላዲኡ ዝሃድም ንክልቲኡ መንግስታት ኣጣሚሩ ክገዝእ ምሕላሙ ኣዘኻ ኺርኒ። ካብ ዝገርም ካብ ክልቲኡ ሃገራት ገና ዝጽበዩዎ ሰባት ምህላዎም ኢዩ። እንተ’ቲ ቀጻሊ ረብሓ’ምበር ቀጻሊ ዝምድና ከምዘየለ ዝኣምን ኢሳይያስ ከመይቢሉ ብትውልዲ ኮነ ብእምነት፡ ሃገራውነት ክህልዎ? ግዜ እንተልይዎ’ውን ሰብና እናሸጠ ቀጻሊ ክዓቢ ምሕላሙ ኣይተርፍን። ሰብ ኣይኮነን፡ ከምቲ ምስላ ጉራጌ ትርፊ እንተረኺብላ ብሃገራ’ውን እንተተሸጠት ፋዕራ ከምዘይብሉ እሙን ኢዩ። ከምኡ ከተግብር ምስጢሩ ንዝቃወሙ ንጹሃት ምጽናት’ውን ክቕጽል’ዩ። ንሕናኸ ካን ኣኺልና ዲዩ? “ኢሳይያስ ኣብ ፍጹም ምልኪ” ዝቕጽል ኣርእስትና ኢዩ።
ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና!
ዕድመ ንሰለስቲኡ በዓላት ወርሒ መስከረም!
ጎደፋ!