ዓሻ እንተተዓገስካዮ ዝፈራሕካዮ ይመስሎ እዋናዊ ዛዕባ 22-09-2015 sallina.com

 

ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ ይቀያየር ኣሎ። ካብ ድሌትን ባህግን መሪሕነት ጉጅለ ኢሳይያስ ወጽዩ ሓድሽ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ክቀላቐል ምጅማሩ ዕምሪ ናይዚ ብኢሳይያስ ዝምራሕ ጸቢብ ጉጅለ ኣብ መጻብብ ከምዝኣተወ ዘመላኽት’ዩ። ኤርትራ ብሕጊ ጫካ ክትምራሕ ካብ እትጅምር ን24 ዓመታት ዝኣክል ረዚን ዋጋ ኣኽፊልዋ። ሕግን ስርዓትን ብምጥፍኡ ፍትሒ ብምርጋጹ፡ ግህሰት ሰብኣውን ዲሞክራስን መሰላት ናብ ዝለዓለ ጠርዚ ብምብጽሑ ፡ ብርሰት፡ ህልቂትን ምጽናት ዘርእን ኣስዒቡ።

ድሕሪ ናጽነት ዝሰዓበ ባርነታዊ መግዛእቲ ዝፈጠሮ ቅልውላው፡ ጃምላዊ መርሸንቲ፡ ማእሰርትን ስቅያትን ኤርትራውያን ወግሐ ጸብሐ እናተዘርበሉን እናተነገረሉን ስለዝመጸ ንምዝኽኻር እንተዘይኮይኑ ዘርዚርካ ዝውዳእ’ዉን ኣይኮነን። ኣብ ኤርትራ ንዝፍጸም ግፍዕን ኣደራዕን ንኤርትራዊ ምንጋር ንቐባራይ ምርዳእ ስለዝኸውን ነዚ ገዲፍና ነቲ ሓድሽ ዝቀላቐል ዘሎ ፖለቲካዊ ተርእዮ ምትምባሁ ይምረጽ። ኣተምቢህካ ከምቲ ሕሉፍ ዓመታት ብስቕታ ክሕለፍ ዘይኮነስ መሰረታዊ ፍታሕ ኣብ ምምጻእ መታን ክንበራበር።

ኢሳይያስ ዝመርሖ ጸቢብ ጉጅለ ብዓመጽን ብምድንጋርን ናብ መንበረ ስልጣን ካብ ዝድይብ ንዳሕራይ ብፍሹል ተልመዴን ፖለቲካዊ ኣመራርሓ ንህዝብና እናረገጹ፡ እናጨፍጨፈ፡ ማእለያ ዘይብሉ ምጽናት ዘርኢ እንዳፈጸመ ብኣፈ ሙዝ ጨፍሊቑ ሓሶትን ምድንጋርን ብዝተሓወሶ ኣገዛዝኣ ዕሉል ሽፍታ ንኤርትራን ህዝባን  ብመገዲ ጥፍኣት ሒዝዋ ክሃልል ጸኒሑ’ዩ። ኢሳይያስ ብከምዚ ዝኣመሰለ ዘመኑ ብዝሓለፎ ብላይ ስርዓተ ባርነት ንኤርትራ ክመርሓ ብምፍታኑ ኣስታት ሓደ ወለዶ ኤርትራዊ ኣጽኒቱ ንሃገር ድማ ኣዕንዩ ናብ ምድረበዳ ቀይሩ ኣባዲምዋ።

ዕሽነት ዝዓብለሎ ድሕረይ ዳንዴር ኣይብቆላ ዝዓይነቱ ኣካይዳ ማእለያ ዘይብሉ ሰብኣውን ንዋታውን ክሳራ ክንከፍል ጌሩና። ትዕግስትን ዓቕልን ህዝብና ከምፍርሒ ተሓሲቡ ኣብ ልዕሌና መግለጺ ዘይርከቦ ገበን ተፈጺሙ።

ኤርትራውያን ትዕግስትን ዓቕልን ዝመረጽናሉ ምኽንያት ሳዕቤን ኩናት ስለእንርዳእ ድኣ’ምበር ፍርሒ ከምዘይኮነ እዚ ጸቢብ ጉጅለ ክልወጦ ኣይክኣለን። ዕንደርኡ ምሒር ኣገዲድዎ። ብዓሌት፡ ኣውራጃ፡ ቀቢላ መቓቚሉ ነሓድሕድና ክንተፋነን ዝኣለሞ ሽርሒ ከይኣክል ምስ ኩለን ጎረባብትና ነገር ብምጽሕታር ብዝወልዖ ኵናት ግዳይ ሞት፡ ስንክልና ዕንወት ክንከውን ብምግባር ኣበሳና መዕገቲ ንከይህልዎ ጌሩ።

በዞም ቅድም ክብሉ ዝተገልጹ ስጊንጥራዊ እከይ ተግባራት ብዘይምዕጋቡ ካልእ ውዲት ኣብ ልዕሌና ፍሒሱ። ናይ ኩለን ጎረባብትና ተቓወምቲ ሓይልታት ብዝብል ምስምስ ሃገርና መዐንደሪት ግብረሽበራውያን ክትከውን ዓውደ ጥፍኣትን ህልቂትን ንመሬትና ጌርዋ። እዚ ጎሓፍ ፖለቲካዊ ቁማር ንኤርትራ ተነጽሎ ክበጽሓን ዜጋታት በብዝኸድዎ ብጥርጡር ብጎቦ ዓይኒ ክጥመቱን ኣብ ዝኸድዎ ሰላሞም ክሃድም ምኽንያት ኮይኑ።

እቲ ዘሕዝን ንልኡላውነት ኤርትራ ዘይቅበሉ ተረፍ መረፍ ደርግ ዝኾኑ ጥሩፋት እኽብካብ ሸፋቱ ብሃብቲ ሃገርና ኣጽዋር እንዳዕጠቐ፡ እንዳሰልጠነን እናሰነቐን ሰላም ጎረባብትና ንምዝራግ ክገብሮ ዝጸንሐ ሓዊ ናይ ምጽሕታር ተግባራቱ ኤርትራ ብመገዲ ልምዓት ኣክንዲ ትስጉም ብመገዲ ጥፍኣት ክትጉዓዝ እዚ ጸቢብ ጉጅለ ጠንቂ ኮይኑ። እዚ ዘመኑ ዝሓለፎ ሕሱር ፖለቲካ ሕጂ መልክዑ ክቕይር ጀሚሩ’ሎ። ባዕሉ ዝኾዓቶ ጉድጓድ ንመቕበሪኡ ኣፉ ከፊቱ ዝጽበዮ ዘሎ ይመስል።

ብጉጅለ ኢሳይያስ ዝምወል ዝነበረ ልኡኽ ጥፍኣት ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ ደምህት ዝብሃል ተቓዋሚ ኢትዮጵያ ዕጥቃዊ ቃልሲ ኣብ ኤርትራ ኮይኑ ምንቅስቓስ ዝጀመረ ኣምር ዴሞክራሲ ምስ ዘይፈልጥ ጸረ ህዝቢ ጉጅለ ኮይኑ ብዛዕባ ዲሞክራሲ ዝዝምር ዝነበረ እቲ ኩነታት ሕንቅልሕንቅሊተይ ከምዝኾነ ምስ ተረደኦን ጊላን ከዳምን ኢሳይያስ ኮይኑ ብመገዲ ጥፍኣት ይጉዓዝ ከምዝነበረ ምስ በርሃሉ ነዚ ጸቢብ ጉጅለ ራሕሪሑ ኣብ ዶባት ኤርትራ ንዝነበረ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ደምሲሱ ናብ ወላዲት ሃገሩ ኣትዩ። ምፍራስ ደምህት ንጉጅለ ኢሳይያስ ማይ ዓሚኹ ንክተርፍ ጌርዎ። እቲ ዘሕዝን ግን ብሃፍቲ ሃገርና ደምህት ዝተዓጠቆ ዕጥቂ ንመሳኪን ዜጋታትና ክበልዕን ከጥፍእን ምኽኣሉ ንዓና ክልተ ሞት’ኳ እንተኾነ ኣብ መጻኢት ትስፍውቲ ኤርትራ ብሩህ ፖለቲካዊ ለውጢ ኣብ ምምጻእ ግን ሓደ ዘመላኽቶ ነገር ምህላዉ ኣየጠራጥርን።

እቲ ዝበዝሐ ሰራዊት ዝነበሮ ደምህት ተበታቲኑ ካብ ሃገርና ወጽዩ ናብ ሃገሩ ምእታው ንከም ጉንበት 7ን ኣርበኞች፡ ካብ ሃገርና ተጸራሪጎም ንክወጹ ዕድል ዝፈጥር’ዩ። እዞም እኽብካብ ሸፋቱ ምስ’ዚ ጉጅለ ሽፍታ ግንባር ፈጢሮም ህዝብን ሃገርን ኣብ ምጥፋእ ተዋፊሮም ዘለዉ ድሕሪ ደጊም ዕምሮም ክሓጽር ኣለዎ። እቲ ምንታይ’ሲ መንሽሮ ህዝብን ሃገርን ስለዝኾኑ።

ዕምሮም ክሓጽር ኣለዎ ምባል ብቃል ተዘሪቡ ዝሕለፍ ዘይኮነስ ብተግባር ኤርትራውያን ተቓሊስና እንቕይሮ’ዩ። ዓሻ እንተተዓገስካዮ ዝፈራሕካዮ ይመስሎ። እዚ ጸቢብ ጉጅለ ድማ ካብ ምሒር ስስዐ ስልጣን ህዝቢ ኤርትራ እንተተዓገሶ ዝፈርሐ ስለዝመስሎ ማእለያ ዘይብሉ ዘይተኣደነ ግፍዕን በደልን ፈጺሙ። ድሕሪ ደጊም ግን ክቕጽል የብሉን። ኤርትራ ናይ ኤርትራውያን ድኣ’ምበር ናይ ውሑዳት፡ ጠላማት ፡ ከዳዓት ጉጅለ ስለዘይኮነት ኤርትራ ናብ ሰብ ዋንኣ ኤርትራውያን ኣብ ምምላስ ዋጋ ክንከፍል ይግባእ። ሞባእ ከይከፈልካ ሓርነት ስለዘይመጽእ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *