ብ ኤርትራዉነት—ብሃገር ክጅምር–አብ ታሪኽ ኤርትራ ሃገር ክበሃል ኮሎ — ራኢ ናይ ዓወታት ህዝቢ እዩ ። ኤርትራዉነትና ኸአ ንክብሪ ማዕርነትና ነጻነትና ስርርዕ ፖለቲኩኡን አጣሚሩ ክዉሕስ ንዝበቅዕ ሃገርና ስርዓትና ንብሎ ።
ኤርትራ ኽእ ሃገር ክትከዉን ብጹቡቕ ፍቓድ ህዝባን ብናይ ሓባር ስምምዓቱን ሕግታቱን ከሰላስል ምስ ዝበቅዕ ጥራሕ እዩ ።
ዽሕሪ እዚ ብናይ ሓባር መጸዉዒኡ ባንዴራ ዝተኽለሉ—ናይ ሓባር ሕብረተሰብ ምኻኑ ዘረጋግጸሉ—ቂንቁኡን ባህሉን አነጺሩ
ዘማልኤ ህዝቢ ምኻኑ ምስዝተአማመን ሃገረይ ህዝበይ ኢሉ ዉሕስነት ምስዝረክብ ጥራሕ እዩ ።
ርግጽ እዩ —ብናይ ገድሊ ኤርትራ ፖለቲካን ስርሒታቱን—ብዘተአታተዎ ምንቕቓሓትን—በብቑሩብ ነቲ ፈትልታት ሕብረተሰብና
ወይ ኤርትራዊ ዜጋ ክልተ ራኢታትን ክልተ መርገጻትን ንክሕዝ ምግባሩ ዝሰሓት አይኮነን —በቲ ሓደ ወገን ናይ ዓለም ፈላስፋታት ብፍላይ ከአ ናይ ዬማናይ ሓይሊ ዝንባለ ዘለዎም—ንሃገር ብጽፈት ዓሌቱን—መወለዱን—መቦቆል ዘርኡን ምኻኑ ይገልጽዎ እዮም።
ድሕሪ 2ይ ዉግእ ዓለም ምጭራሹ ግና በቲ ዝተፈጥረ ናይዉግእ ሓደጋታትን ሳዕቢናት ጠንቅታቱን—በቲ ገስጋሲ ወይ ንክብሪ ወዲሰብ ቀዳምነት ዝህብ ሓይሊ ሕብረተሰብ —አብ ኤርትራ እዉን ከይተረፈ ነቲ አትሓሳስባታት ዝነበረ ንክልዉጦ በቒዑ እዩ ።
ን አብነት ብልዝብን ብምርድዳእን ገርካ ሰላም ምምጻእ—መሰረታዉን ናይ ሓባራዉን ሃገራዊ ምዕብልና ምርአይን ምሕላይን—ንዝብሉ አምር አትሓሳስባታት ንክቕበሎ በቒዑ እዩ ።
እንተኾነ እቲ ዝምልከተና ድሕሪ ናይ ባዕዲ ምስጋግ ነጻነት ኤርትራ ዝተዓትረሉ—ብህግደፍ ከኣ ንክምራሕ ዝተገብረ ህዝቢ —ብሕ
ቡራት መንግስታትን –ብመንግስቲ ኢትዮጵያን ከአ ብቐጥታ ዝተደገፈ —ንኹሉ ነገራት ሸፊንካ—ንጽምአት ስልጣናት ጉጅለታትን ውልቀሰባትን ህግደፍ ከሰዉድ ዘኽእል ሜላታት እና ተጠቐሙ—ብስም ሃገር—ንናይ ግሎም ርዉዬ ት ንምምላእ እንሆ ናይ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመታት ሓድሽ ወለዶታት ኤርትራ ዬሕሪሮም። /ን ኤርትራ ኸአ እስርቲ ሃገር ገይሮም ምዕብልነአ—ብስደት ካብ ዝተፈልጣን —ብጥምዬት ካብ ዝተጠቕዓን ሃገራት ሓንቲ ንኽትከዉን አብቂዖማ አለዉ ።
ግደ ደለይቲ ፍትሒኸ—ሓድነት ንክንስርት ክንደይ ወሲዱልና አሎ—ንብሕጂኸ ክንደይ ጊዝዬ ከድልዬና ኢዩ — ንነፍሲ ወከፍ ስለ ዝምልከት ብዛዕቡኡ ብዙሕ ምባል ምድግጋም ከይኸዉን ገለጻ ዘድልዮ አይማስለንን ።
ብስም ሃገር—ዓማጽን ገባትን ፖለቲካ ህግደፍ–አብ ዉሽጥን አብደገን ድሕነት ሃገር ጨርሖ ተጠቒሞም—ንዓመታት ከካይዶም ኪኢሉ እዩ ።ሕጂ ከደአ ኩሉ ነቒሕሉ እዩ አብ ዝበሃለሉ እዋን—ኤርትራዊ ወይ ኤርትራዊት—ስቓይ ኤርትራዊ ስቓዩን ስቓያን ምኻኑ ዘይአምን ወይ ዘይትአምን –እንታይ ዓይነት መንነት ኢና ክንበሎ ዝከአል ናይ ኩልና ትንተና ይሓትት ።
ን ኤርትራዉነትከ ሓደ ተረዶኦን ሓደ እምነትን አሎናድዩ—ን ኤርትራዉነት ከም ሓደ መንነትዶ ንርእዮ ወይሲ ከም ብጽሒት ኮይኑ ዝዕደል ነገር ክንረዳደአሉ ዘሎና ናትና ናይቶም ኤርትራዉያን ጉዳይ እዩ ኢለ ከአ ይ አምን ።
ን አብነት እስራኤል ንዉሰድ —ብገድሊ ብረቮሊሽን ዝመጸት ሃገር እያ = ናይ ሓባር ህዝቢ አለዋ— ዕልመናዊትያ—ዲሞክራስያዊት —ማሕበራዊትን እያ—ነቲ ናይታሪኽ አማጻጸአ መቦቆል ህዝቦም ግን ከጥፍእዎ እዮም ዝጽዕሩ ።እቲ ምንታይ ምስረታ ሃገሮም ብናይ ፖለቲካ ድልዬታት ዝተመስረተት ብምኻና ። ነቲ ፈላላይ ፖለቲካን መግዛአታዊ ተግባርን ተጠቒሞም ዘይዓርፍ ዉግእ–ንኸካይዱ አዬጸገሞምን —ፍረ ፖለቲካዊ ድልዬታት ብምኻኑ አመጻጸአ ሃገሮም ከአ ንርዳእ ።
ናትና ሃገርነት ግን ከምተን ኩለን ሃገራት አፍሪቃ ካብ ግዳይ ገዛእቲ ሃገራት ዝተሰረተ ዶባተን ሓንቲ ኢና —-እሞ ሎሚ ናብ ምቦቆል ዓሌት ዘርኢ ናይ ቅድሚ መግዛእቲ ዘጠምተና ጉዳይ ክህሉ ይግባእዶ—ንመን ረብሓን ክብርንከ እዩኸ —ሓቢርና ንክንሓስብ ነንሓንጎልና ክሓስብ ዕድል ንሃቦ ኢለ ክሰግሮ ይመርጽ ። እቲ ሽግር ናይ ሕጂ ግና ካብ ሕሉፍ ስምዒታትን አድናቖታትን ምስ ድልዬት ወይ ፍትወት ነብስኻ ተሓዋዊሱ ንፈላላይ መንነታት ንኽዓቢ ምግባርን ንመሰረታዊ መቃለሲ ህዝቢ አብ ሕቶ ዘእቱ እሞ ካብ ምንጻግ ዝብገስ ንዓመጽ ከአ ዘበራብር ብምኻኑ እዩ ።
ብሓጺር አገላልጻ ነጻነት = እቲ ናይ መጀመርያን ከአ ነጻነት ሓሳባትካ ናይ ምግላጽ –ምጽሓፍ—ምዝራብን ከም ደለይቲ ፍትሒ=
ልዕሊ መሰል ናይ ፍልልያትና—ክኸዉን ከምዝግብኦ እንተዘይዓጊብናሉ ነጻነት ኤርትራ ንክምዕብልን ቀጻልነቱ ከአ ከረጋግጽን ብኸመይ አገባብ ይከአሎ ። ጸረ ነጻነት ሃገር ምኻን ከአ ባርነት እዩ –ንፍርሕን ናይ ምቅላስ ዘይምድላይን ከአ ብምክብባር ሸፊካ ንክትዓት ሓቅን ሕሶትን–ጽቡቕን ሕማቕ–ከይፈላለኻ ን ዝግበር ኩሉ ረብሓን ክብርን ንህዝቢ ክኸዉን ዝከአል አይኮነን ። አብርሃም= ኢያሱ————18/09/2015———-