ኣብ ፖሎቲካ ፈታውን ጸላእን ዝፍለየሉ መዐቀኒ፡ ዕላማ ደኣምበር፡ ብቅርበተ-ስጋ ወይ ብዜግነት ኣይኮነን። እዚ “ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ይቃለስ ኣለኹ” ዝብል ዘሎ ሓይልታትና፡ ፈታውን ጸላእን ክፈላሊ ዘይክእል ምዃኑ ብመስርሕ ክንሪኦ ጸኒሕና ኢና። ሓደ ዓይነት ዕላማ ሒዞም ነንፋንጥኦም ዝተበተኑ ውድባት ናይዚ ህያው ምስክር ኢዮም። ዝገደደ ከኣ ሕጂ ደምሒት ሰራዊቱን ኣጽዋሩን ጠርኒፉ ናብ ዓዱ ምኻዱ ወዮም ብትምክሕቲ ዝተባዕጡ “ደለይቲ ለውጢ ኢና” በሃልቲ፡ ሰራዊት ደምሒት ንኤርትራ ገዲፎም ምውጽኦም ድቃስ ከሊእዎም ቀንዩ።
ህግደፍ ንደምሒት ከም ሓደ ናይ ወተሃደራውን ጸጥታውን ውህሉል ሓይሊ ሒዝዎ ከም ዝጸነሐ ንጹርዩ። እዚ ሓይሊ እዚ ብምፍራሱ ከም ተቓለስቲ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ዘስዕቦ ጉድኣት ብምርዳእ፡ ምብታን ደምሒት፡ ንረብሓ ናይቲ ሱር በተኽ ለውጢ ዝጠልብ ደላይ ፍትሒ’ዩ። ኣብዚ ክንዝንግዖ ዘይብልና፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኣብ ኤርትራ ዝነበረ ሓይሊ ናይ ደምሒት ወዲቡ ናብ ረብሕኡ ከውዕሎ እንተኪኢሉ፡ ህግደፍ ኣብ ናይ ጸጥታ፡ ቁጠባ ምክልኻልን ዲፕሎማስን ዘለዎ ዓቕሚ ክሳብ ክንደይ ዝማህመነ ምዃኑ ዘረጋግጽ’ዩ። ዓሚ መንግስቲ የመን ንህግደፍ ዋጋ ከይ ሃበት ንኣንዳርጋቸው ጽጌ ናብ ኢትዮጵያ ኣሕሊፋ ሂባቶ። ሕጂ ከኣ ሱዳን “እስኪ ትሓልፍያ” ኢላ፡ ንሰራዊትን ኣጽዋርን ደምሒት ካብ ተጻብኦ ናይ ህግደፍ ተኸላኺላ ኣብ ውሽጢ ሓደ መዓልቲ ብሰላም ናብ ኢትዮጵያ ከምዝሓልፉ ጌራቶም። ህግደፍ ምስቲ ኣቐዲሙ ዝተነብረሉ ዓለማዊ እገዳ ብምድምማር ብዲፕሎማሲ ዝፈሸለ ስርዓት ምዃኑ እኹል መርትዖ’ዩ። እዚ ኩሉ ብሰንኪ ሕመቕ ናይ ህግደፍ ደኣምበር፡ ብሓያል ተጋድሎ ውድባትና ዝተጠርየ ዓወት ኣይኮነን። እዚ ህግደፍ ብሰንኪ ናይ ምግባትን ኲናትን ባህርያቱ ዝኸሰሮ ዲፕሎማስያዊ ክሳራታት፡ ደምበ ተቓውሞና ውን ናብ ረብሕኡ ከውዕሎ ኣይተራእየን። ስለምንታይ? ይገምገም!
ደምሒት ሓደ ተራ ተዋጋኢ ሓይሊ’ዩ። ህግደፍ ከኣ ንገዛእ ርእሱ “መንግስቲ” ዝሰመየ፡ መራሒ ሃገር’ዩ። ሓደ ኣጋር ሰራዊት (ደምሒት)፡ ንብደረጃ መንግስቲ ዝተቐመጠ ሰራዊት ህግደፍ ፈንጺጉ ክኸይድ ምኽኣሉ፡ ህግደፍ ክሳብ ክንድምንታይ ከም ዝሞተ ምስክር’ዩ። እዚ ናይ ደምሒት መስርሕ፡ ኩሉ መዳያዊ ዓቕሚ ህግደፍ እንታይ ከምዝመስል ርግጸኛታት ንኾነሉ መልሲ ኣቐሚጡልና ኣሎ። ማዕረ-ማዕሪኡ ድማ፡ ንሕና ንህግደፍ ሲዒርና ብብቕዓት ክንትክኦ ዘይምኽኣልና፡ ዓቕምና እንታይ ከም ዝመስል ውን ኣብ ጥራይ ጎልጎል ኣርእዩና ኣሎ። ግልጺ ንምዃን፡ ህግደፍ ብቕዓት ስለ ዘለዎ ዘይኮነስ፡ ንሕና ዓቕሚ ስለ ዘይብልና ብሰንኪ ሕመቕና’ዩ ህግደፍ ዝድህከና ዘሎ።
ጎበዝ “ደላይ ለውጢ’የ” እንዳ በልካ፡ ደምሒት መገዲ ሰላም ምሕራዮም፡ ንዝተጻበኦም ኩሉ ንእግረ-መገዶም ምእላዮም፡ ኣጽዋር ሒዞም ምስጋሮም ኣይኮነን ዛዕባና ክኸውን ዘለዎ። ምኽንያቱ “ህግደፍ ጸላኢ’ዩ!” ዝብል እምነት እንተለካ፡ ኣብ ልዕሊ ህግደፍን መሓውራቱን መሰረታዊ ለውጢ ዘረጋግጽ ምዕባለታት ተቐቢልካ ናብ ረብሓኻ ምውዓል ዝመስልዎ የሎን። ጸረ ረብሕኦም ዝቃለሱ፡ ሰብ ተወላዋሊ መርገጺ ዝኾኑ ኤርትራውያን፡ ደምሒት ንህግደፍ ምጥንጣኑ ጥዕና ከሊእዎም። ደምሒት ከምቲ ብመ/ኢ ተጠርኒፉ ናብ ኢትዮጵያ ንኽሰግር ዝተኣዘዞ፡ ብኣንጻሩ ወፍሪ ደምሒት፡ ምስቶም ንኤርትራ ከም ሃገር ዘይቅበልዋ ጉንቦት7 ተላፊኖም፡ ወፍሮም ናብ ቤተ-መንግስቲ ኣስመራ እንተ ዘቕንዕዎ’ኸ____!? እዚ ውን ይገምገም
ደምበ ተቓውሞ ኣቐዲሙ ዝነበሮ ዕዮ-ገዛ ከየጻፈፈ ተወሳኺ ትንፋስ ዘይህብ መድረኽ ዝቕልቀሎ ዘሎ ይመስል። ኩልና ከም ንፈልጦ፡ ፖሊሲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ፡ ንህግደፍ ዓቢ ዕድል ዝኸፍት’ዩ። “ምስ ኤርትራ ዘለና ሽግር ንምፍታሕ፡ ሻዕብያ ብዝመረጾ፡ ኣብ ዝኾነ እዋን ኣብ ዝኾነ ቦታ ምስ ሻዕብያ ተዛቲና ሽግርና ክንፈትሕ ድልዋት ኢና” ይብል። መርገጺ መንግስቲ ኢትዮጵያ።
ህወሓት (ወያነ) ንህ/ግ/ሓ/ኤ “ሻዕብያ ጸረ ሰላምን ፍትሕንዩ። ኣብ ኤርትራ ውን ናይ ባንዴራ ናጽነት ካብ ምርግጋጽ ሓሊፉ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ክተክል ኣይክእልንዩ።” ኢሎም ብፖሎቲካዊ ትንተና ቅድሚ ናጽነት ኤርትራ፡ ህግደፍ እንታይ ዓይነት ስርዓት ከምዝኸውን ብዘየዋላውል መገዲ ኣቐሚጦሞ ኢዮም። መ/ኢ ንከምዚ ዓይነት ገምጋም ዘቐመጥሉ ህግደፍ፡ ናይ ክዛተይዎ ዕድል ምኽፋቶም ዘርእየካ ነገር እንተሎ እምበኣር፡ ካብ ደምበ ተቓውሞና ተስፋ ከም ዝቆረጹ ምስክር’ዩ!! ካብ ህግደፍ ንሕና ደለይቲ ለውጢ ዝሓሽና እንተ ንኸውን፡ መ/ኢ፡ እዚ ንህገፍ ሂብዎ ዘሎ መዋጽኦ ዝሰርዓሉ ኣፍደገ ፈጺሙ ኣይምሃቦን ኔሩ።
ደላይ ፍትሒ ካብ ህግደፍ ዝሓሸ ዓቕሚ እንተ ዝህልዎ፡ እዚ መ/ኢ ንህግደፍ ከፊትሉ ዘሎ መተንፈሲ ቀዳድ፡ ሩሕ ንኽሶኩዕ ስለ ዝገብሮ፡ ብቓልስና ክንስዕሮ ምተገበኣና። ግን ኣይኮነን። ህግደፍ ዝወለዶ ኣይመሰለ፡ ዝሰንከቶ ኣይበሰለ ኮይኑዎ ስለ ዘሎ፡ ሓንቲ ዘላቶ ምርጫ ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ተምበርኪኹ ንዘተ ድሉው ምዃ ጥራይ’ያ።
እሞ ደኣ፡ ህግደፍ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዎ ጉዳይ እንተ ኣማሓይሹ፡ ማዕረ ማዕረ ስምምዕ ምሕንጻጽ ናይ ዶባት፡ ጉዳይ ጸጥታ ክልዓል ምዃኑ ሓደን ክልተን የብሉን። መንግስቲ ኢትዮጵያ ንግንቦት7 “ግብረ ሽበራ” ምዃኑ ንኸእምን ይሰርሓሉ’ዩ ዘሎ። ስለዚ ህግደፍ ምስ ኢትዮጵያ ስምምዕ ኣብ ዝገበረሉ ግዜ፡ ንኩሎም ትምክሕተኛታት (ንኤርትራ ከም ሃገር ዘይኣምኑላ) ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ሓይልታት ኢትዮጵያ ኣሕሊፉ ከምዝህቦም ርእሰ ምሉስ ሕቶ’ዩ።
ኣካል ናይቲ ስምምዕ ኮይኑ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ውድባት ኤርትራ መጻኢ ዕድሎም እንታይ’ዩ ክኸውን? ደምበ ተቓውሞ ቅድሚ ቃልሱ ገምጊሙ፡ ሓይልታቱ ምስርዑ፡ ህግደፍ ምስ ኢትዮጵያ ክዛተ እንተፈትዩ፡ (ኣማራጺ ውን ስለ ዘይብሉ) ሽዑ’ኸ_________?!
ጸጋይ ኣስመሮም
posted by gereger.com