ምስ ጉንበት 7 ሕብረት ፈጢሩ ዝተብሃለ ሓይሊ ፈሪሱ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ናብ ሱዳን ከም ዝኣተወ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ ከም ጸብጻብ መርበብ ሓበሬታ Ethiopianfirst.ኣብ ቀረባ ግዚ ምንቅስቃስ ምድሓን ሃገር ብዝብል መጸውዒ ኣብ ውሽጢ ኣስመራ ዝተመስረተን ምክትል ኣቦ መንበር ብርሃኑ ነጋ ኮይኑ ዝተመዘዘ ሞላ ኣስገዶም ዝምርሑ ልዕሊ 600 ዝኾኑ ኣባላት እቲ ምንቅስቓስ ሓያል ዳንኬራ ዝተጐሰመሉ ናይ ሕብረት ክታሞም ገና ሕብሩ ከይነቐጸ ከሎ ኣብ ሸነኽ ዶባት ንዝነበሩ ሓይልታት ምክልኻል እናጸራረገ ምስ ሙሉእ ዕጥቁ ናብ ሱዳን ከምዝኣተወ ወሲኹ ኣረጋጊጹ ኣሎ፡፡
መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ብህግደፍን ጉንበት 7ን ክውደብ ዝጸንሐ ጸረ ኢትዮጵያ ዝኾነ ሓይሊ ንምብትታን ንውሕ ንዝበለ ግዜ ፈተውቲ ዓዲ መልሚሉን ወዲቡን ኣብ ጓጓ ህግደፍ ብምእታው ዕዉት ስራሕ ከምዝሰርሐ ኢትዮጵያ ፈረስት ንምንጭታቱ ብምጥቃስ የረጋግጽ፡፡ ኣብ ከባቢ ዶባት ዝነበሩ ልዕሊ 100 ዝኾኑ ኣባላት እቲ ምንቅስቓስ ብ 12 መሰከረም 2015 ብሸነኽ ሑመራን ዲማን ጌሮም ብቐጥታ ናብ ሃገሮም ከም ዝኣተዉ ንኣባላት ሃገራዊ ድሕነት መንግስቲ ኢትዮጵያ ተወኪሱ ከምዘረጋገጸ Ethiopianfirst ይሕብር፡፡
እዚ ከምዚ ኢሉ እንዳሃለወ ኣብ ዝተፈላለየ ከባብታት ዝነበሩ ኣባላት እቲ ምንቅስቓስ በብጉጅለ ተተወዲቦም ብዝተፈላለየ ሸነኻት ምስ ሙሉእ ዕጥቆም ናብ ሃገሮም ዝኣትዉ ዘለዉ ኮይኖም ብርክት ዝበሉ ዕጡቓት’ውን ናተንጠባጠቡ ናብ መሬት ሱዳን ይሰግሩ ከምዘለዉ እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ገሊጾም ኣለዉ፡፡
እዚ ፍጻመ ህግደፍ ጉንበት 7ን ካልኦት ጸረ-ኢትዮጵያ ዝኾኑ ሓይልታትን ኢትዮጵያ ንምብትታን ዝዓለመ እከይ ኣጀንደኦም ብዝግባእ ናተረድኡ ዝመጹ ሞላ ኣስገዶን ካልኦት ፈተውቲ ሃገሮም ዝኾኑ ኢትዮጵያውያን ብጾቱን ነዚ ውዲት ንምብርዓን ውሽጢ ንውሽጢ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምርኻብ ንነዊሕ እዋን ተመሳሳሊ ሃገራዊ ስምዒት ዘለዎም ሰባት ወዲቦም ምድላዋት ናገበሩሉ ዝጸንሑ ስራሕ ከም ዝኾነ ምንጭታት ጸጥታ እታ ሃገር ሓቢሮምሉ ኣለዉ
እዚ ስጉምቲ እምበኣር ኣብ ጽባሕ ህግደግን ብርሃኑ ነጋን ኣካላት ስለያ ኢትዮጵያ ብውሽጦም ናሓጨጩሎም ኣብ ጥራሕ ሜዳ ዝስዕስዕሉ ዳንኬራ ስምረት ሽዑንሽዑ ንኽፍጸም ኣቐዲሙ ብውሕሉልን ጥንቃቀ ብዝተመልኦን ምድላዋት ናተገብረሉ ዝጸንሐ ስርሒት ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ፡፡ ብመሰረት እዚ ሞላ ኣስገዶም ድሕሪ ክታም እቲ ስምረት ካብ ኣስመራ ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ንዝነበሩ ሓይሉ ምኽንያታት ናፈጠረ ኣብ ሽነኽ ዶብ እትርከብ ጉልጅ ኽተኣኻኸብ ብምግባር ምስ ኣካላት ጸጥታን ስለያን መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምዝታይ ብሰላም ናብ ሃገሮም ከኣትዉ ወዲኡ ብምጽንሑ እቲ ሓይሉ ዕጥቑን ንብረቱን ሒዙ ክንቀሳቐስ ትእዛዝ ብምሃብ ዓሰርተውሓደ ዝኾና ተሽከርከርቲ ብምሓዝ ጉዕዝኡ ናብ ኦሞሓጀር ምቕንዑ ንምፍላጥ ተኻኢሉ’ሎ፡፡
እዚ ውሳነ ምስተሰምዐ ኣባል ኣመራሓ ዝኾነ መኮነን ተስፋይ ዝተብሃለ ተስፋ ዝቖረጸን ንከብዱ ዝሓድርን ዕሱብ ጉጅለ ኢሳያስ ንኣባላት ስለያ ህግደፍ ሓበሬታ ኣሕሊፉ ብምሃቡ ብኡ ንብኡ ህግደፍ ኣብ ዶብ ዝነበረ ሰራዊቱ ብቕልጡፍ ናብ ኦሞሓጀር ክንቀሳቐስ በምግባር መንገዲ ክዓጽዎ ጌሩ’ዩ፡፡ ብሞላ ኣስገዶም ዝምራሕ ግቡእ ዕጥቂ ዝሓዘ ሓይሊ ግን ነቲ ኣብ ኦሞሓጀር ዓጊቱ ዝነበረ ሰራዊት ደምሲሱ ቀጺሉ’ውን ሱቅኣልከቲር ኣብ እትብሃል ኬላ ናይ ዶብ ዓሪዱ ንዝነበረ ሰራዊት ህግደፍ ጸራሪጉ ናብ ሱዳን ሓምዳይት ከምዝኣተወ ተፈሊጡ’ሎ፡፡
ኣብዚ ሕጂ እዋን ሱዳን ንዝኣተዉ ኣባላት እቲ ምንቕስቓስ ድሕነቶም ውሕስ ብዝኾነ መገዲ ናብ ሃገሮም ንኽምለሱ ብደረጃ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን መንግስታት ኢትዮጵያን ሱዳንን ተዘራሪቦም ምድላዋቱ ናተዛዘመ ምዃኑ ንምንጭታት ብምጥቃስ Ethiopianfirst ኣረጋጊጹ ኣሎ፡፡


