ዝኸበርኩምን /ዝኸበርክንን ኣሕዋትን ኣሓትን ግዱሳት ኤርትራውያን ዜጋ

 

 

ብምቕዳም ናይ ክብሪ ሰላምታና ነቕርብ። ኣስዒብና ከምቲ ወርትግ እንገብሮ ድራር ነቶም ምእንቲ ህዝቦምን ሃገሮምን ልዕሊ 36 ዓመታት ኣብ ጸሓይን ዶሮናን ሃገር ሱዳን ምስ ኵሉ መውጋእቲ ስቓይን ተወሳኺ ጸቕጢ ደምን ሽኰርን ካልእ ሕማማትን ወዘተ….. ተሳቒዮም ዝነብሩ ዘለዉ ጀጋኑ ውጉኣት ሓርነት ኤርትራውያን ኣሕዋትና ሓደ ምሸት ድራር ኣዳሊና ክንዝክሮም ናይ ኵላትና ኤርትራውያን ሓላፍነትን፤ ሓልዮትን ምዃኑ ንዓኺ/ ንዓኻ ዝስወር ኣይኰነን፤ እሞ ኣብዚ ንዕለት 17-10-2015 ኣብ NIED SAALBAU Heinrich-Stahl-Straße 3 65934 Frankfurt a:Am ካብ ሰዓት 15.00 ክሳዕ ሰዓት 23.00 ድሕሪ ቀትሪ ዘሎ ሰዓታት ህሉው ኵነታቶም ዘርኢ DVD ከምኡውን ጽሑፋትን፤ ወግዕታትን ዋዛ ምስ ቁም-ነገር ዕላልናን ገርና ከነማሲ ምዃና ብኽብሪ ንዕድመኩም። ምስ ሰናይ ትምኒት

ግዱሳት ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ፍራንክፈርትን ከባቢኡን ምናልባት ኣብዚ ምሸት እዚ እንተዘይጠዓመኩም ሕልናኹም ዝፈቕዶ በዚ መሰረት ሓገዝኩም ክትሰዱ ትኽእሉ።

Eritreischer Verein 2010 .60439 Frankfurt Post Bank NL Frankfurt

BLZ 50010060 Konto 790750601 Iban DE 96500100600790750601.

ሓበሬታ ቦታ፡ ካብ Hauptbahnhof ብ Straßenbahn 11 Richtung Höchst ደይብኩም ኣብ Luthmer Haltstelle ወሪድኩም ንየማን 50 መተር ምስ ከድኩም NiedSaalbau ትረኽብዎ።

 

ግዱሳት ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ፍራንክፈርትን ከባቢኡን

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *