
ብጻይ ፍስሃጽየን ገብረ (ወዲ ገብረ) አባል ማእከላይ ባይቶ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ – ሕድሪ ብኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ስታቫንገርን ከባቢአን ዝተዓደመ ሰፊሕ ህዝባዊ ሰሚናር አካይዱ።
ብጻይ ፍስሃጽየን ገብረ አባል ማእከላይ ባይቶ ግሃድኤ – ሕድሪ መቐጸልታ ናይ እቲ አብ ከተማታት ኖርወይ ዘካየዶ ህዛዊ ሰሚናር ሎሚ ውን ብኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ስታቫንገርን ከባቢአን ብዝተገበረሉ ዕድመ መሰረት ዕለት 05.09.2015 ሰፊሕ ህዝባዊ ሰሚናር ምክያዱ ካብቲ ቦታ ዝመጸና ሓበሬታ የመልክት።
ብዝሒ ተቀማጦ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ አብ ስታቫንገር ከባቢኣን አብ ግምት አእቲኻ፡ ነቲ ሰሚናር፡ ብዝነኣድ፡ ካብ ትጽቢቶም ንላዕሊ ብዝኾነ ቑጽሪ ደለይቲ ፍትሒ ከምዝተጋበአ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ይገልጽ።
እቲ ሰሚናር ንህሉው ኩነታት ውድብናን ጠቅላላ ደምበ ተቃውሞን ዝዳህሰሰ ሰፊሕ አስተምህሮ ምንባሩን፡ መብዛሕትኦም ነዚ ብብጻይ ፍስሃጽየን ገብረ (ወዲ ገብረ) አባል ማእከላይ ባይቶ ግሃድኤ – ሕድሪ ዝተዋህቦም
አገዳሲ ሰሚናር ብምንኣድ ከምዚ ዓይነት ብሱል እዋናውን ምሃርን ሰሚናራት ብተደጋጋሚ ክወሃብ ክልመድ
ዘለዎም ድልየትን ለበዋን ብምትሕልላፍ ሓጎሶም ገሊጾም እዮም ክብል ነቲ ሰሚናር ብቀረባ ዝተኸታተሎ ውሃብ
ቃል የረጋግጽ።
ብጻይ ፍስሃጽየን ገብረ (ወዲ ገብረ) ነቲ ብኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ስታቫንገርን ከባቢአን ን ግሃድኤ – ሕድሪ ዝተገብረሉ ዕድመ እንዳ ኣሞገሰ ነቲ ምቕሉል አቀባብላ ብአኼበኛታትን ዝተዋህቦ ለበዋን ጠቀምቲ ሓሳባትን ብልቢ አመስገነ።
ብጻይ ፍስሃጽየን ገብረ (ወዲ ገብረ) ብ29. 08. 2015 አብ በርገን ዝተኻየደ ወከልቲ 2 ምሓዙት ውድባት ግሃድኤ – ሕድሪን ስምረት መንእሰያት ንድሕነት ሃገርን ዝተኻፈልዎ ሰፊሕ ሰሚናር አካይዱ ምንባሩ ምግላጽና ይዝከር።
ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኹሉ!
ዓውት ንሓፋሽ ብተግባር!!
ክፍሊ ዜናን ባህልን ግሃድኤ – ሕድሪ ዞና ኤውሮጳ

