![]()
ሰራዊት ሕድሪ ብህቡብ ድምጻዊ ዘርእሰናይ ግርማይ “ተዛረብ” ተሰንዩ፣
ንሓደ መስከረም ብክብ ዝበለ ስነ-ስርዓት ጸንቢሉ።
ዕጡቕ ሓይልታት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ “ሰራዊት ሕድሪ”፣ ነቲ ብወርሒ መስከረም 1961 ተጀሚሩ ኣብ መፈጸምትኡ ከይበጽሐ ብስርዓት ህግደፍ ዝተጨውየ ሕድሪ ሰማእታት ንምትግባር ኣብ ዝግበር ጽዑቕ ወትሃደራዊ ስርሓት ተጸሚዱ ድሕሪ ምቕናይ፣ ሓደ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብዕለት 04/09/2015 ኣብ ቅድመ-ግንባር (ግንባር ዓይጋ) ብክብ ዝበለ ስነ-ስርዓት ጸንቢሉ።

ነቲ ብህቡብ ድምጻዊ ዘርእሰናይ ግርማይ ተሰንዩ ዝተኻየደ ጽንብል፣ ዝኸፈተ ኮምሽነር ሰራዊት ሕድሪ ብጻይ ዳዊት ይብራህ ኣብ ዘስመዖ ቃል፣ ሕድሪን ለበዋን ሰማእታት ነታ ዝወደቑላ ኤርትራን ህዝባን ቀጻልነቶም ምውሓስን ፍትሒ ምንጋስን ድኣ’ምበር፣ በቲ ንሳቶም ሂወቶም ከፊሎም ዝሰርሕዎ ናይ ጅግንነት ታሪኽ እናሸቀጥካ ምንባር ከምዘይኮነ ብምግላጽ፣ ሰራዊት ሕድሪ ንታሪኾም ከም መወከሲ ተጠቒሙ ዝተጠልመ ሕድሮም ንምትጋባር ናይ ባዕሉ ታሪኽ ክሰርሕ ዝተበገሰ ውፉይ ተቓላሳይ ከም ምዃኑ ክገልጽ ከሎ ሓበን ከምዝስምዖ ሓቢሩ።
ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ ዝተረኽበ ምክትል ኣቦ-ወንበር ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ፣ ብጻይ ጥዑምዝጊ ጠዓመ፣ ነቲ ብነበልባላዊ ባርዕ ሓፋሽ ትሃሚኹ ምውዳቑ ዘይተርፎ ጠላም ስርዓት ጉሒፍካ፣ ህያው ዝኸውን ዓወት ቃልሲ ውጹዓት፣ ቁልዒ ኮይኑ ንኸበግሶ፣ ገንሸል ሓፍሽ ዝኾነ ተጋዳላይ ሰራዊት ሕድሪ ሰላምታ ብምልጋስ፣ ኣብ ህልዉ ኩነታት ዘተኾረን ንሓደ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ምርኩስ ዝገበረን ሓጺር መግለጺ ብምሃብ፣ ሰራዊት ሕድሪ ቃልሱ ምእንቲ ህዝባዊ ሓርነት ምዕራፉ ድማ ዓወት ምዃኑ ብምስማር፣ ህዝቢ ኤርትራ ቅድሚ 54 ዓመት ኣንጻር ባዕዳውያን ዓመጽቲ ዘልዓሎ ቅልጽሙ ሕጅ’ውን ነቲ ኣደዳ ሕሰምን ስደትን ሞትን ማእሰርትን ገይርዎ ዘሎ ስርዓት ካብ ሱሩ ንምምሓው፣ ሓደ ድምጺ ኮይኑ ክልዓል ሓደ መስከረም ዳግማይ ጻውዒት እተቕርብ ዘላ ዕለት ምዃና ኣዘኻኺሩ።

ድምጻዊ ዘርእሰናይ ግርማይ ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ ኣብ ዘስመዖ ቃል፣ “ ኤርትራ ካብ ኩሉ ኤርትራዊ ንላዕሊ ስለእትብጻሓኩም ዘይኮንኩም ዘይከም’ቲ ዝበዝሕ ኤርትራዊ ውልቃውነት ወጊድ ኢልኩም ዜግነታዊ ሓላፍነትኩም ብምልዓል በጃ ህዝብኹምን ሃገርኩምን መስዋእቲ ንምኽፋል ስለዝወሰንኩም ኢኹም። ህዝቢ ኤርትራ ታሪኽ ሰሪሑ ትንፋስ ዝሰኹዐሉን ካብ’ቲ ወሪድዎ ዘሎ ኣደራዕ ዘናግፎን እዩ ዘድልዮ’ምበር ኣብ ሕሉፍ ታሪኽ ተዓቑቡ ንሕሰሙን ጸገሙ ተዓዛቢ ዝኸውን ኣይሰኣነን። ስለ’ዚ ናይ ታሪኽ ዕዉታት ኢኹም እሞ ኣጆኹም፣ ኢደይ-ኢድካ እንተ ኢልናን ብሓድነትን ብንቕሓትን እንተተቓሊስና ክንዕወት ኢና”። ኣብ ልዕለኦም ዘለዎ ኣድናቖትን ናይ ባዕሉ ምእንቲ ህዝቡ ዘለዎ ናይ ቃልሲ ድልውነትን ገሊጹ።
ኣብ’ቲ ኣብ ግንባር ዓይጋ ዝተኻየደ ጽንብል ክንዮ’ቲ ብድምጻውያን ኣባላት ሰራዊት ግሃድኤ-ሕድሪ(ሰራዊት ሕድር)ን ዘርእሰናይ ግርማይን ዝቐረበ መሳጢ ደርፍታት፣

ዝተፈላለዩ ስነ-ጥባባዊ ጽሑፋት ቀሪቦም ነይሮም። ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ ኣባላት ሰራዊት ግሃድኤ-ሕድሪ፣ ንዘርእሰናይ ግርማይ ስለ’ቲ ተበግስኡ ኣመስጊኖም።
ምሉእ ጸብጻብ ኣብ ቀረባ ግዜ ከነቕርቦ ምዃና በዚ ኣጋጣሚ ክንሕብር ንፈቱ።
ክፍሊ ዜናን ባህልን ግሃድኤ-ሕድሪ!!
ዓወት ንሓፋሽ ብተግባር!!
04/09/2015 ግንባር ዓይጋ