ናይ መርማሪ ኮሚሽን ጸብጻብ ኮነ፡ ነቲ ጸብጻብ ብምድጋፍ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፍታት ውጽኢት ጻዕሪ ኩልና’ዩ። ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ ካብ ዝሕመስ፡ ኤርትራዊ ሰብኣዊ ክብረት ካብ ዝዋረድ ነዊሕ ዓመታት ኣቚጺሩ ኣሎ። ባህርን ተግባርን ጃንዳ ህግደፍ ዘቃልዕ፡ ዝምክት፡ ኢሉ’ውን ጠቕሊልካ ንምውጋዱ ዝዓለመ ውዱብ ምንቅስቓሳት ካብ ዝጅምር’ውን ከምኡ ልዕሊ ርብዒ ዘመን ኮይኑ ኣሎ። ልዕሊ’ቲ ብደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ዝካየድ ኣንጻር ምልኪ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዘትከለ ንጥፈታት፡ ብተግባር ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ኤርትራ ዝተፈጸመ ባርባራዊ ግፍዕታት፡ ብኣካላውን መንፈሳውን ዝረአ ማህሰይትን ተወሲኽዎ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ዘባህርር እናኾነ’ዩ መጺኡ። በዚ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናኸፍአ ዝመጸን ዝቕጽል ዘሎን ኩነታት ሻቕሎት ዝሓደሮም፡ ኣብ ክብረት ሰብኣዊ መሰልን ድሕነት ህይወት ስደተኛታትን ኣትኲሮም ዝዋስኡ ኤርትራውያንን ኣህጉራውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ድማ፡ ብተደጋጋሚ ዓግብ ዝብል ምሕጽንታን ኣውያትን ከስምዑ፡ ጸኒሖም’ዮም። እንተኾነ፡ ንመሰረታዊ ጥሕሰት ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት ኣብ ኤርትራ ኣመልኪቱ፡ ብትካላውን ሰነዳውን መርተዖ ተሰኒዩ ጸብጻብ ክቐርብ፡ እዚ ሕራይ ንምልካዊ ምሕደራን ግህሰት ሰብኣዊ ክብረትን ዝጭርሑ በቲ ሓደ ወገን፡ ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ፡ መሰረታዊ መሰል ዜጋታትን ህዝብታትን ኤርትራ ይከበር ዝብሉ ድማ በቲ ካልእ ሸነኽ፡ ክልተ ኤርትራዊ ደምበታት ( ደምበ ጸላእን ደምበ ፈታውን) ኣብ ጎደና ናይ’ቲ ስልጡን ክፍለ ዓለም ወጺኦም ድምጾም ከስምዑ፡ ደላዪ ሰላም ማሕበረ-ሰብ ዓለም ብምግራምን ብምድጋፍን ኣቓልቦ ሂቡ ክከታተልን ምርኣይ ግን ወርሒ ሰነ 2015 ፍልይቲ’ያ። ስርዓት ኢሳያስ፡ ኩሉ-መዳያዊ መትንታት ሃገር ተቖጻጺሩ፡ ንህዝቢ ከም ኣገልጋሊኡ ቆጺሩ ዓፊኑ ምግዛኡ ከይኣክል፡ ክኒዮ ዶብ ሰጊሩ ዞባዊ ሰላም ኣብ ምህዋኽ ስራሐይ ኢሉ ምስተዋፈረ፡ ኣይፋልካን ኣየዋጽእን ኣደብ ግበር፡ ሕጊ ከም ዘሎ ተረዳእ ዝብል ሓላፍነታዊ ምኽሪ፡ ካብ ኤርትራውያንን ፈተውቲ ኤርትራውያን ዝኾኑ ሃገራትን መንግስታትን ቀሪብሉ’ዩ። ንተግባሩን ዝወሃቦ ዘሎ ምኽርን ደው ኢሉ ክግምግም ዘኽእሎ ፖለቲካዊ ተፈጥሮ ስለዘይብሉ ግን፡ ብመንገዲ ጥፍኣት ካብ ምህላል ኣይተቖጠበን። ምኽሪ፡ ምሕጽንታ፡ መተሓሳሰቢ ኣቕሪቡ ሰማዒ እዝኒ ዝሰኣነ ደላዪ ሰላም ማሕበረ-ሰብ ዓለም ድማ፡ ብመንገዲ ዓለማዊ ውድቡ ኣቢሉ፡ ኣብ’ቶም ቀንዲ ሃንደስትን መራሕትን ናይ’ቲ ጃንዳ ዘነጻጸረ እገዳ ክገብር ተገዲዱ። ብኣጉል ድርቅና ዝተጠቕዐ ጃንዳዊ ውዲታዊ መሪሕነት ስርዓት ኢሳያስ፡ በቲ ቀዳማይ ኣጀንዳ ኣይተማህረን። ብኣንጻሩ’ኳ ደኣ ኣብ ልዕልና ዝተበየነ እገዳ ኣፍሽልናዮ፡ ንዓለም ብምሉኣ ኣዋሪድናያ ኣድኒና’ያ ኢሉ ክምድር፡ በዚ መሰረት ኣልቦ ጻዕዳ ሓሶት ንደገፍቱ ከደናግርን ክጥብርን’ዩ ተራእዩ። ከምኡ ብምግባሩ ዓለም ኣብ ኤርትራ እንታይ ዓይነት ስርዓት ምሕደራን’ዩ ዘሎ ኣቓልቦ ክትገብር ሓጊዙ። ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ውድባት፡ በርገስ ማሕበራትን ካልኦት መሻርኽቲ ኣካላትን ድማ፡ ሓቀኛ ፖለቲካዊ መንነቱ ክቃላዕ፡ ባይቶ ጸጥታ ዘመሓላለፎ እገዳ ግብራዊ ክኸውን፡ ገበነኛታት ኣብ ሕጊ ክቐርቡ፡ ዜጋታት ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኮነ ካብኡ ወጻኢ ናይ ህይወት ውሕስነት ክረኽቡ ዝብል ረዚን መልእኽቲ ብመሓዝ፡ ሓንሳእ ዘይኮነ ብተደጋጋሚ፡ ኣብ ሓደ ቦታ ዘይኮነ ኣብ በበይኑ ሃገራት፡ ኣኼባታት፣ ሰሚናራት፣ ሰላማዊ ሰልፍታትን ካልኦት ዲፕሎማስያዊ ንጥፈታትን ብምክያድ ብሰፊሑ ክሰርሕሉ ጸኒሖም’ዮም። ኣይከም ናይ 2>?ሰነ 2015 ግን። ነዝን ካልእ ብመንገዱ ዝበጽሖ መበገሲታት መሰረት ዝገበረ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ቀውዒ 2012 ነቲ ኣብ ከተማ ጀኔቭ (ስዊትዘርላንድ) ዝርከብ፡ ኣብ ጉዳይ ከመይነት ክብረት ሰብኣዊ መሰላት ኣትኲሩ ዝነጥፍ ጨንፈር ቤት ጽሕፈቱ፡፡ ኣብ ኤርትራ ዕለታዊ ዘጋጥም ዘሎ፡ መሰረታዊ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ክኢላታት መዚዙ ሓቅነቱ ከረጋግጽ ሓላፍነት ሂብዎ፡፡ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ከም’ዚ ዝበለ ውሳነ ክበጽሕ፡ ካብ ነዊሕ እናተሰርሓሉ ዝመጸ ደኣምበር፡ ብሃንደበት ኣይነበረን። ኣብ’ዚ ውሳነ ክብጻሕ ዝተኻእለ፡ ድሕሪ ብዙሕ ትዕዝብትን ትዕግስትን ምዃኑ ምርዳእ’ውን ኣገዳሲ’ዩ። ስርዓት ህግደፍ ነቲ ዝቐርበሉ ዘሎ ክሲ ሓቂ’ዶ ሓሶት ከጻሪ ምስ ዝተመዘዘ ኣካል ክተሓጋገዝ ቅሩብነት እንተደኣ ኣርእዩ፡ እቲ ዕማም ክቀልል ከም ዝኽእል’ውን ግምታት ኔሩ’ዩ። ኣብ ተግባር ግን እቲ ግምት ግምት ጥራሕ ኮይኑ ተሪፉ። ብዝኾነ፡ እዚ ንኡስ ኮሚቴ ወUሮ ሺላ ቢ 2 ቢድዋንቲ ኪታሩት ፍልይቲ ልእኽትን ኣደ-መንበርን፡ ወWሮ ብራይዝ ኣንከንባንክ ዋና ጸሓፊት፡ ምስ ካልኦት ብሓባር ናይ ዝተዋህቦም ዕማም ንድፊ ኣብ ከተማ ጀኔብ ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቶም ሀ ኢሎም ተተሓሓዝዎ። እቲ ንድፊ ዕማም ድማ ድሕሪ ኣድላዪ ክትዕ ( ምይይጥ) ጸዲቑ ናብ ናይ ትግባረ መደብ ክሰጋገር ኮነ። እቲ ዕማም ክልተ ተዋሳእቲ ክህልውዎ ከም ዘለዎም ተሓሲብሉ’ዩ ተወጢኑ። በቲ ሓደ መዳይ ፍልይቲ ልእኽቲ ወ`ሮ ሺላ ቢ ኪታሩይ እትመርሖ ጉጅለ ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ በቲ ካልእ ከኣ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ከም ገዛኢ ኤርትራ። ንምዃኑ’ኸ ኣብ’ዚ ደረጃ ብከመይ ክብጻሕ ተኽኢሉd? ኣብ’ዚ ጉዳይ ቀጥታዊ ተሓታቲ ስርዓት ህግደፍ’ዩ። እዚ ጉጅለ፡ ንልዑል ሃገራዊ ፍቕርን፡ ግሩህ ፖለቲካዊ ንቕሓትን ህዝብታት ኤርትራ መዝሚዙ፡ ጸቢብ ናይ ስልጣንን ጠቕምን ጻምኡ ንምርዋይ፡ ዝተኸተሎ መንገዲ ጥፍኣት’ዩ። ርእሰ ኲናት ናይ’ቲ ጃንዳ ዝኾነ ኢሳያስ ኣፈ-ወርቂ፡ ኣብ 1iij?ካብ መራሒ ዘይደሞክራስያዊ ውድብ ናብ ደረጃ ውልቀ መላኺ መራሒ ሃገር’ኳ እንተተሰጋገረ፡ ካብ’ቲ ኣብ ግዜ ነጻነታዊ ቃልሲ፡ ስንጭሮን ጸልማትን ከውሊ እናገበረ ኣብ ልዕሊ ፍሉይ ርእይቶ ዘማዕበሉን ኣይንምእዘዘካን ዝበሉ ዜጋታት ዝፍጽሞ ዝነበረ ዘስካሕክሕ ገበናት ኣይተኣረመን። ነቲ ዘዕበዮ ፈራሕ ጨካን ገበናዊ ተግባር ኣብ ነጻ ኤርትራ ከም ዘለዎ ክደግሞ’ዩ ተራእዩ። ብፖለቲካዊ ሳንቡእ እንኮ ሰብ ዘስተንፍስ ስርዓት ኢሳያስ፡ ንይምሰል’ኳ መወከሲ ዝኾኖ ሃገራዊ ቅዋም፡ ውክልና ህዝቢ ሽፋን ጌሩ ዝተጣየሰ ሃገራዊ ባይቶን የብሉን። ኣብ ህዝቢ ከስዕቦ ዝኽእል ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊ፣ ማሕበራዊ መዘዝ ከይዓጠጦ፡ ጉጅላዊ ስልጣኑን ረብሓታቱ ዘረጋግጽ ኣዋጃትን መምርሒታትን ኣውጺኡ ከተግብር’ዩ ተራእዩ። እነሆ ድማ ሃገር ከደን ማሕበራዊ ቅልውላው ኣኸቲሉ። እዚ ሓቀኛ መንነቱ ከይተፈልጠ ኣብ ምዕባለ ሃገር ለውጢ ከምጽእ፡ ብውሑዳት ዘይኮኑ ወገናት ትጽቢት ተጌርሉ ዝነበረ ጉጅለ ሰብ ፍሉይ ረብሓ፡ ዕለታዊ ዋኒኑ ዜጋታት ምእሳር፣ ምስዋር፣ ምቕታል ኮይኑ። ከም ሳዕበኑ ከኣ ዜጋታት ክሃድሙ፡ ክበታተኑ፡ ክስደዱ ተገደዱ። ኣብ’ዚ ግን ዓገብ ዝብል ኣየነበረን ማለት ኣይኮነን። ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ ክቃለስዎ፡ ኩሎም መሻርኽቲ ወገናትን ከኣ ዓገብ ዝብል ምሕጽንታ ከስምዑን ኣብ ዝተፈላለዩ ሕጋዊ መጋባእያታት ክጽዕሩ ጸኒሖም’ዮም። ዝኾነ ኮይኑ እዚ ጸረ-ህዝቢ መንግስታዊ ጉጅለ’ዚ ነዛ ሃገር ከም ሃገር፡ ናብ ምድራዊት ሲኦል ምስ ቀየራ፡ ብዙሓት ዜጋታትን ማሕበራዊ ክፍልታትን’ዮም ግዳያት ኮይኖም። ብፍላይ ከኣ ብስመ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተገዲዶም ኣብ መሳርዕ ሰራዊት ዝኣተው መንእሰያት። እዚ ኢ-ሰብኣዊ ስቅያት፡ ንተግባራትን ጭካኔን ቅድመ ማእከላይ ዘመን ዘዘኻኽር ባርባራዊ ግፍዒ’ዩ። ኣብ ልዕሊ’ቶም መንእሰያት ዝፍጸም መቕጻዕቲ፡ ሄልኮፕተር፣ ኦቶ፣ ቁጽሪ ç፣ ሓውሲ ምጥሓል፣ ተንበርኪኽካ ኣዒንትኻ ኣፍጢጥካ ናብ ጸሓይ ምጥማት፣ ኢየሱስ ስቑልን ካልእን የጠቓልል። እዚ ነቲ ተኲስካ ቅተል ዝብል ግብራዊ ፖሊሲኡ ከይዘንጋዕካ’ዩ። እንተ ብዘይፍላጥ እንተ ብሸለልትነት ደንጒዩ ኣመት ክገብር ዝጀመረ ዝምልከቶ ማሕበረ-ሰብ ዓለምን ኣህጉራውያን ውድባቱን፡ ስርዓት ህግደፍ ነቲ ባዕሉ ዝፈረመሉ ኣብ 1óòô? ዝጸደቐ ውዑል ምኽባር መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ይጥሕስ ከይህሉ ንምርግጋጽ ንጥፈታት ጀሚሩ። ብመንገዲ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላቱ ኣቢሉ እታ ዝተጠቕሰት ፍልይቲ ልእኽቲ ትመርሖ ጉጅለ፡ ኣብ ኤርትራ ኣትዩ ኩነታት ብቐረባ ተኸታቲሉ ጭቡጥ ጸብጻብ ከቕርበሉ ውሳነ ኣመሓላለፈ። ፍልይቲ ልእኽቲ ወùሮ ሺላ ቢ ኪታሩን ተልእኾኣ ንምፍጻም፡ ከም’ቲ ኣህጉራዊ ሕጊ ዝሓቶ፡ ኣብ ኤርትራ ኣትያ ስራሓ ከተሰላስል ወግዓዊ ሕቶ ኣቕሪባ። ስርዓት ኢሳያስ ድማ ነቲ ብተደጋጋሚ ዝቐረበሉ ወግዓዊ ሕቶ፡ ብተደጋጋሚ ብወግዒ ነጺግዎ። እንተኾነ እታ ጉጅለ፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብብዝሒ ናብ ዝረከቡለን ሃገራት ብምጋሽ፡ ግዳያትን ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን ከተዘራርብ፡ ናብ ጅቡትን ኢትዮጵያን ተጓዒዛ። ኣብ’ተን ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ዝተፈላለየ ዕድመ፣ ጾታ፣ ናይ ህይወት ተመክሮ ዘለዎም፣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ህግደፍ ብዝወረዶም ስቅያታዊ መግረፍቲ ኣካሎም ዝጎደሉ፣ በሪሮም ዝመጹ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ኣዘራሪባ። ነቲ ዝረኸበቶ ኣብ ሓቂ ዝተመርኮሰ ጸብጸብ ከኣ ኣብ ክረምቲ ናይ 201±? ኣብ ጀኔቭ ኣቕሪባ። ትሕዝቶ ጸብጻባ ብመሰረቱ ዘባህርር’ዩ ኔሩ። እቲ ግፍዒ ከም ፊን ዝበላካ ዝተፈጸመ’ዩ። 3 ሓፈሻዊ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ መስከርም 201¹?ኣብ ዘቃነዖ ዓመታዊ ጉባኤኡ፡ ስርዓት ህግደፍ ንዝቐረበሉ ጻውዒት ማሕበረ-ሰብ ዓለም ኣኽቢሩ፡ ነታ ፍልይቲ ልእኽቲ ኤርትራ ኣትያ ዕማማታ ከተሰላስል ማዕጾኡ ኣርሕዩ ከተኣናግዳ ደጊሙ ተማሕጸነ። ስርዓት ህግደፍ ግን ከም ኣመሉ እምቢ ኣብ ዝብል መረገጹ ኣንቀጸ። ወ½ሮ ሺላ ቢ ኪታሩ ድማ ዝተዋህባ ዕማም ንምስላጥ ከም እንደገና፡ ኣብ 201ø? ኣብ ቱኒዝያ፣ ደሴት ማልጣ፣ ግሪኽ፣ ኢጣልያ፣ ጀርመን፣ በልጁም፣ ዓባይ ብሪጣኒያ ተጓዒዛ፡ ኣብኡ ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣዘራሪባ ዝረኸበቶ ሓበሬታ ጠርኒፋ ነቲ ዝለኣኻ ኣካል ኣረኪባ። እዚ ጸብጻብ ንትሕዝቶ ቀዳማይ ጸብጻብ ዘረጉድ’ዩ ኔሩ። ብዘይ ምኽንያትን ሕግን ምእሳር፣ ምርሻን፣ ባርነታዊ ዕዮ፣ ብዝሒ ኣብያተ ማእሰርቲ፡ ልዕሊ 10 ሽሕ ዝኾኑ እሱራትን ኣብኡ ዝፍጸም በብዓይነቱ ስቅያታዊ መግረፍትን ዝምልከት ዝርዝር ሓበሬታ ኣቕሪባ። ኣብ መንጎ ሓቂ ከውጽእ ዝደሊ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን፡ ሓቂ ክቐብር ዝተዓጥቀ ስርዓት ህግደፍን ዝተፈጥረ ጋግ ክጸብብ ኣይከኣለን። ድሕሪ’ዚ ድማ ሓፈሻዊ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዘመሓላለፎ መምርሒ መሰረት፡ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሓደ ሰለስተ ዝኣባላቱ መርማሪ ኮሚሽን ቆይሙ ተወሳኺ መጽናዕቲ ከካይድ መዚዙ። መርማሪ ኮሚሽን ብኣውስትራሊያዊ ሚካኤል ስሚዝ (ኣቦ-መንበር) ጋናዊ ቪክቶር ዳንክዋ (ኣባል) ከምኡ’ውን ብተወላዲት ሞውሪሽስዮስ ፍልይቲ ልእኽቲ ወÔሮ ሺላ ቢ ኪታሩት (ኣባል) ዝቖመ’ዩ፡፡ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ስርዓት ኢሳያስ መርማሪ ጉጅለ ኤርትራ ኣትዩ ከጻሪ ኣፍደገኡ ርሑው ክገብር ኣትሪሩ ኣተሓሳሲቡ። እንተኾነ ህግደፍ ሎሚ’ውን ከም ዝሓለፈ ነቲ ጻውዒት ነጺግዎ። ስለዚ መርማሪ ኮሚሽን ዘለዎ ዕድል ኤርትራውያን ኣብ ዝርከቡለን ሃገራት ከይዱ ጭብጢታት ክኣኻኽብ ግድን ይኸውን። ነቲ ካብ ግዳያትን መሰኻኽር ዓይኒን 550 ብቃል 1˘˙? ድማ ብጽሑፍ መልክዕ ዝረኸቦ ብስንብራትን ሰነዳዊ ጭብጥን ዝተደገፈ ጸብጻብ ድማ ብ˚?ሰነ 2015 ኣቕሪብዎ። እቲ ዝተፈጸመ ግህሰት መሰላት ዘባህርር’ዩ። መርማሪ ኮሚሽን ኤርትራ ብራዕዲ ትመሓደር ዘላ ሃገር ክብል ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ። ብድሕሪ’ዚ ወከልቲ ብርክት ዝበላ ሃገራት ኣብ ዝተረኽብሉ፡ ነቲ ብመርማሪ ኮሚሽን ዝቐረበ ጸብጻብ መስረት ዝግበረ፡ ኣኼባ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብ2&’ሰነ 2015 ኣብ ጀኔቭ ተኻይዱ። ኣብ መኽፈቲ እቲ መጋባእያ ኣቦ-መንበር መርማሪ ኮሚሽን ሚካኤል ስሚዝ ንተጋባእቲ ከም’ዚ ክብል ቃል ኣስሚዑ። እቲ ኣብ ኤርትራ መሰረታዊ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝፍጸም ዘረጋግጽ ዝተኣከበ ጭብጢ ዘስገድግድ’ዩ። ንምኣማኑ’ውን ዘጸግም ክኸውን ይኽእል’ዩ። ግን ኩሉ ሓቂ’ዩ። ኤርትራ ኣብ’ዚ መዋእል’ዚ ትነብር የላን። እታ ሃገር ከም ሃገር ናብ ንብረት ናይ ሓደ ሰብ’ያ ተቐይራ ዘላ። ዝኾነ ዲሞክራስያዊ ትካላት ዝበሃል ዘይብላ ዝተጠልመት ሃገር’ያ። ባህግን ክውንነትን ናይ’ቲ ንነዊሕ ዓመታት ዝደኸመን ዝደመየን ህዝቢ ኣይተጠዓዓመን። ኣብ ኤርትራ ሎሚ ባርነታዊ-ዕዮ ንቡር ተርእዮ’ዩ። ብላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ጾታዊ ዓመጽ ብሰፊሑ ይዝውተር። ፈጸምቲ ገበን ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ድላዮም ይገብሩ። እቲ ህዝቢ ብሕጊ ዘይኮነ ብራዕዲ’ዩ ዝመሓደር ዘሎ። መርማሪ ኮሚሽን ካብ’ዚ ሓቅታት’ዚ ተበጊሱ ብስርዓት ህግደፍ ብዙሕን ኣስካሕካሕን ገበናት ተፈጺሙ ኣሎ ኢሉ ይኣምን። ገለ ካብ’ቶም ፈጸምቲ ገበን ተባሂሎም ዝተረቑሑ፡ ኢሳያስ ኣፈ-ወርቂ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ምስ ዘለው ሽሞኛታት። ሚኒስትሪ ምክልኻል ብሕልፊ ከኣ ሓይሊ ምድሪ። ፖሊሲ፡ ሃገራዊ ድሕነት (ትካል ስለያን ዓፈናን) ሚኒስትሪ ፍትሒ፡ ሚኒስትሪ ዜና፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍን ምዃኖም ብንጹር ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ። ንስርዓት ህግደፍ ወኪሉ ኣብ’ቲ መጋባእያ ዝተረኽበ ተስፋ-ሚካኤል ገራህቱ ዝተባህለ ኣገልጋሊ ድማ ከም’ዚ ኢሉ፡ እዚ ጸብጻብ መንግስተይ ንምግልባጥ ዝተማህዘ ሓሶት’ዩ። እዞም ኣብ ከም’ዚ ዝተዋፈሩ ሰባት ከኣ ሕሱራት’ዮም ክብል መዲሩ። ብመደረ ወኪል ስርዓት ህግደፍ ዝተገረመ፡ ኣቦ-መንበር’ቲ መጋባእያ ሚስቴር ጆኣኪን ራኬር ድማ፡ እዚ ክቡር መጋባእያ፡ እዞም ክቡራት ኣባላት መርማሪ ኮሚሽን በዚ ዘይሓላፍነታዊ ኣቀራርባኻ ክድፈሩ የብሎምን። ኣደብ ግበር። ኣባላት መርማሪ ኮሚሽን ንዝተዋህቦም ዕማም ብሓላፍነትን ብኣድማዕነት ፈጺሞም ኣለው። ስለዚ ገራህቱ ተሰራዕ ዘምጸአከ ግበር። 4 ዛዕባና መንግስቲ ምዕላው ኣይብልን። ንስለ ውጽዓትን ግፉዓትን’ዩ ዝጣበቕ። ኣደብ ኣይገብር’የ እንተደኣ ኢልካ ግን …Q’ክብል ኣጠንቂቕዎ። እዚ ዓቢ ውርደት’ዩ። ጀኔቫ ከይድኩም ውድቀት ንወያነ፡ ንሕና ንሱ ንሱ ንሕና ጨርሑ፡፡ ብባይቶ ጸጥታ ዝተመሓላለፈ እገዳ ይለዓል እናበልኩም ሰላማዊ ሰልፊ ክገበሩ ጨድሩ ዝተባህሉ፡ ካብ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ዝተኣኻኸቡ ደገፍቱ፡ ኣባላት መርማሪ ኮሚሽን ኣብ ዘዕረፍሉ ሆቴልን ዝዛወርሉ ጎደናን ከይዶም ከፈራርሑ ክጻረፉ ክሳብ ፍሉይ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ክገብሩ ተራእዮም። እዚ’ውን ህግደፍ ከም ስርዓት ናብ ተራ ኣሸባርነት ከም ዝተሰጋገረ ዘረጋግጽ ጭቡጥ መርተዖ ስለዝኾነ፡ ዘሕምም ፖለቲካዊ ጽፍዒት’ዩ። ንብሄራት ብሄረ-ሰባትን ህዝብታት ኤርትራ ተቓለስቲ ሓይልታቶም ከኣ ዓቢ ዓወት’ዩ። ነዚ ዘይተጸበዮ መንግስታዊ ኣሸባርነት ዝተዓዘበ፡ ኣቦ-መንበር መጋባእያ ድማ፡ ዘይጽወር ሽፍትነት ከተማ ክብል ተሪር ተቓውሞ ኣስሚዑ። ኣዛዚ ፖሊስ ከተማ ጀኔቭ ብወገኑ፡ ንስለ ድሕነት ኣባላት መርማሪ ኮሚሽን ክበሃል ሓይሊ ፖሊስ ብዕጽፊ ክውስኽ ጌሩ። ደገፍቲ ስርዓት ኣስመራ ኣብ ጀኔቫ ከም’ዚ ዝብለ ልክዑ ዝሓለፎ ስድነት ካብ ኣርኣዩ፡ ኣብ’ታ ብተነጽሎ ኣብ ጸላም ትንብር ዘላ ኤርትራ ደአ፡ እንታይ ይግበር ኣሎ ማለት’ዩ ክብሉ ብዙሓት ወከልቲ ሃገራት፡ ኣብነት፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣ ኣውስትራሊያ፣ ኤውሮጳ ሕብረት፣ ጋና ዝርከብዎም ኣግራሞቶምን ስኽፍታኦምን ገሊጾም። ነቲ ብመርማሪ ኮሚሽን ዝቐረበ ጸብጻብ ዘለዎም ደገፍ ድማ ኣረጋጊጾም። ፈጸምቲ ገበን ናብ ቤት ፍርዲ ዝቐርብሉ ባይታ ክፍጠር ብወግዒ ምሕጽንታ ቀሪቡ። ጸብጻብ መርማሪ ኮሚሽን ልቢ ብዙሓት ኤርትራውያን ዘረስረሰ’ዩ። ከም መርኣያኡ ከኣ ብ1Ç’ሰነ 2015 ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ፣ ብ22 ሰነ 2015 ኣብ ተልኣቢቭ እስራኤል፣ ብ2â’ሰነ 2015 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኢትዮጵያ፣ ኤርትራውያን ኣብ ዝርከቡለን መዓስከር ስደተኛታት፣ ከምኡ’ውን ብዓይነቱን ዓቐኑን ቅድሚ ሕጂ ካብ ዝተኻየዱ ሰላማዊ ሰልፍታት ዝተፈልየ፡ ካብ ሃገራትን ከተማታትን ኤውሮጳ ዝተኣኻኸቡ፡ ኣንጻር ምልኪ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝቃለሱ ኤርትራውያን ኣብ ጀኔቫ፡ ንጸብጻብ መርማሪ ኮሚሽን ዘለዎም ጽኑዕ ደገፍ ብድሙቕ ሰላማዊ ሰልፊ ገሊጾም። ህግደፍን ደገፍቱን ከመኽንይሉ ብዘይኽእሉ ተቓሊዖም። ደላዪ ሰላም ማሕበረ-ሰብ ዓለም ብዛዕባ ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ ጭቡጥ ስእሊ ረኺቡ። ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ድማ፡ ኣብ ኤርትራ ብስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ኤርትራ፡ ኣብ’ዚ መዋእል’ዚ ክፍጸም ኢልካ ዘይትጽበዮ ግፍዒ ይፍጸም ከም ዘሎ ተቐቢሉ። እቲ ብፍልይቲ ልእኽቲ ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ብወõሮ ሺላ ቢ ኪታሩት ዝምራሕን፡ ብሚካኤል ስሚዝ ዝምራሕ መርማሪ ኮሚሽንን፡ ገበነኛታት ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ንምቕራብ ተወሳኺ ዝተረፉ ጭብጢታት ንምእካብ፡ ንሓደ ዓመት ክቕጽሉ ወሲኑ ኣሎ። እዚ ኩሉ ብውህሉል ጻዕሪ ደለይቲ ለውጢ ኤርትራውያንን ኣወንታዊ ደገፍ ፈተውቲ ኤርትራውያንን ዝተረኽበ ድሙቕ ዓወት ኩላትና’ዩ። እዚ ገሃዳዊ ሓቂ ዘይተዋሕጠሎም ህግደፋውያንን ወድዓውያን ተሓባበርቶምን ኣብ ጀኔቭ ድሕሪ ዘጋጠሞም ምሉእ ስዕረት፡ እቲ ብመርማሪ ኮሚሽን ዝቐረበ ጸብጻብ ፖለቲካዊ ተልእኾ ዘለዎ፡ ብበዓል እከለ ዝተሰረሐ’ዩ። እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ድማ ብተመሳሳሊ ብድፍኢት ዝተገብረ’ዩ ብዝብል ነቲ፡ ህግደፍ ኣምጸኦ ሕሰም ዝወለዶ ኤርትራዊ ቁጠዐ፡ ብዝተለምደ ስዑርን ናይ ይበተኹን ፕሮፖጋንዳዊ ሸባዕባዕ ጸለሎ ክቐብእዎ ዘይፈተኑ ኣይኮኑን። ግን ከንቱ ፈተነ’ዩ። ጸብጻብ መርማሪ ኮሚሽንን ንዕኡ ንምድጋፍ ኣብ ወርሒ ሰነ 2015 ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፍን ኩልና ዓቕሚታትና ኣላፊና ብሓባር እንተወፍሪና ድሙቕ ውጽኢት ከነመዝግብ ከም እንኽእል ብብሩህ ኣርእዩና ኣሎ። ካብ ስምዒት ዝደፍኦ ግዝያዊ ማዕበላዊ ሆይሆይታ ብዝደሓነ ኣብ ንጹር ዕላማታት ዝተሰረት ቀጻልን ውሁድን ቃልሲ ድማ ከነካይድ ኣለናን ይግባእን።
ካብ መጽሔት ህዝባዊ ደሞክራሲ ወግዓዊ ልሳን ደግሓኤ፡
ሓምለ 2015 ዝተወስደ ፈነወ ረድዮ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 04/09–2015