መልሲ ንሓወይ ገዛኢ ኪዳነ

ክቡር ሓው ገዛኢ ብዛዕባ ንወዲ ፊሊፖ ዝጸሓፍኩሉ ንኣኻውን  ስለ ዝወቐስኩ ዝሰደድካለይ ዝጸሓፍካያ መልእኽቲ ኣንቢበያ:: ነታ ኣብ ምፍልላይና ብዛዕባ ኣሕዋት ጦርዓን ጽንዓደግለን ዝጸሓፍካያ ከምዘይትፈልጣ ኮንካ ሕቶታት ኣቕሪብካለይ: ካብ ኣርካይቭ  ናይ ቶጎሩባ እኳ እንተወጸት ዓለም ምሉእ ዘንበባ ስለ ዝኾነት ኣነ ኣበይ ከምዝረኸብኩዋ ምሕባር ኣድላይነት የብሉን:: ኣነኳ ሽዑኡ ኮፒ ቅዳሕ ስለ ዝነበረኒ ጸገም የብለይን:: ገዛኢ ሐወይ ነታ ጦርዓ እትብል ቃል ኣይጠቐስካያን: ኣነ ከምወረዳዊ ጌርካኒ: ወረዳዊ ምኳን ሕማቕ ኣይኮነን: ኣነ ነዓኻ ኩሉ እትፈልጥ ሰብ ብዛዕባ ኣመጻጽኣ ወዲ ሰብ ክሕብረካ ድፍረት ከይቁጸረለይ እንዳፈራሕኩ እየ:: ግን ሰብ መጀምርያ ወለዱ ድሓር ኣሕዋቱ ድሓር ዓዱ ማይቤቱ ወረድኡ ኣውራጅኡ ብድሕሪኡ እታ ክብርቲ ሃገሩ ኤሪትራ ይፈልጥ:: ከም ህግደፍ ዓዲ ኣይትሕተቱ እትብል ሰብ ከምዘይኮንካ ግን እተኣማመን::

ነቲ ምስ ጥልያን ዝዓበየ ወዲ ፍሊፖ  ኣብ ክንዲ ናይ ሊቃውንቲ ኤሪትራውያን መጻሕፍቲ ዝውከስ ናይ  ክዋጃታት ጋረይቲ፡ ዕንጸይቲ ሲኞር ገሪኒ:ሲኞር ቶስካ፡ ሲኞር ፓውለቲ፡ ሚስተር ሸረር፡ ደባትር ገንጽሉ ዝብል ሰብ ሓርበኛን ናይ ስነ ጽሑፍ ሊቅ እዩ ዝበልካዮ እንቓዕ ሓጎሰካ እብለካ::

ናይዞም ክልተ ኣሕዋት ጦርዓን ጽንዓደግለን ብዘደንቕ ኣገባብ ዓበይቲ ዓድን ሸኻትን ካህናትን ህዝብን ተኣኪቦም ኣዚዩ ዓቢ ጽንብል ተገሩስ ከም ማይን ጸባን

ተጸንቢሮም ናብቲ ናይ ጥንቲ ሕውነቶም ተመሊሶምን ብፍቕርን ሰላምን ሕውነትን ዘይቡቐስ ሱር ተኺሎም እዮም:: ኣብ ዓዲ እተገብረ ጽንብል ጥራይ ዘይኮነ ዕስራ

ዓመት ኣቢሉ ይኾውን ኣብ ፍራንክፎርት ሃገር ጀርመን ውን እንተኳነ ካብ ርሑቕን ቀረባን ተኣኪብና ብቪደዮ አተቐርጸ ዓበይቲ ዓድን ሸኻትን ካህናትን ኮታ ብኩሉ ህዝቢ ብሓቂ ዘሐጉስ ጽንበል ተፈጺሙ:: እዚ ንምዝኽኻር እየ እምበር ንስኻስ ለባም ስለዝኾንካ ኣይጠፍኣካን::

በል ገዛኢ ሓወይ ብዛዕባ ናተይን ናትካን ይኹን ናይ በተሰብናን ፍቕሪ ዘዘኻኸርካኒ ብዙሕ ተሓጊሰ አመስግነካ ከኣ:: እምበኣር ገዛኢ ሓወይ ብዛዕባ እዛ ጉዳይ እዚኣ ንድሕሪ ሕጂ በዛ ሓጻርን መወዳኣታን መልሰይ እድምድም::

ምስ ብዙሕ ሰላምታ

ሓውኻ ፍስሓጽዮን ደስታ::

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *