‚ክሻ በል ክትዴረር!‛ ረዴኢ መሓሪ /ኣሇና/ 22 ነሓሰ 2015 ራብዒይ ክፋል

ረዴኢ መሓሪ

                   rede

 

‚ክሻ በል ክትዴረር!‛ ረዴኢ መሓሪ /ኣሇና/ 22 ነሓሰ 2015 ራብዒይ ክፋል

ኣሇኹም’ድ እንዲባ! እስከ ኣይንህመም’ሞ፡ ኢሂን-ሚሂን ኢልና ጉዲይና ንግበር። ሓቂ ብርእሳ እንተቐበርካያ፡ ብእግራ ኢያ ትቕልቀል። ሎሚ ኣብዚ ዘመነ ‘ክሻ በል ክትዴረር፡’ ንውሽጣዊ ኩነታት ስርዒት ህግዯፍ ንምኩሕሓል ኩለ ዒይነት ኮስሞቲክ ተወዱኡ ኢዩ። ‘እህን ልመዲ፡ ዘረባ ክትሇምዲ’ ከም ዝበሃል፣ ዯጊምሲ፤ ኢሳይያስ ነቲ ዘሇዎ ቅልውሊው ንምኽዋል፡ ከም ክሻን የማነታትን ዝኣመሰለ ብኣቦ ወይ ብኣዯ ብትግራይ ዝውሇደ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ክኣኻኽቦም ከም ዝጸንሐ ካብ ዒይኒ ኤርትራውያን ኣይተኸወሇን።

ኣካያይዲ ኢሳይያስ ካብ ዒይኒ ዘይምኽዋል ግን መዴሃኒት ህዝቢን ሃገርን ክኸውን ኣይከኣሇን። ከምዚ ሎሚ ከይኮነ፡ ሓምሇ-ሰነ፡ መዴሃኒትና ብዒንተቦ ቀጭ_ሕርሙ ኢያ ነይራ። እንታይ’ሞ፡ ናይ ቀዯምሲ’ኳ ሓሉፉ፡ ትማሉ እንድ ግዲ ጅግና ወዱ ዒሉ ነታ ቀጭ ሕርሙ ኣዏሚሩዋ ነይሩስ ብሰንኪ ሓሰውቲን ከዲዒትን ከም በዒል ስብሓት ኤፍሬምን ኢዮብ ሓሉባይን ጻመውከ ሇከንቱ ኮይኑ ጉዲይና። ኣቺዳንተ፡ ዒሇም ትሽዒተ!!

ምትእኽኻብ ኢሳይያስን ጉጅሇኡን ንዝነበረ ዝምዴናታት ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን ዝጸለ ኣይኮነን። ንሱ ነቲ ኣብ ግዜ ዒባይ ብሪጣንያ ዝነበረ ግዜ ፍሇ-ፍሇ ኮነ ኢለ እናሰርሓለስ፡ ናይ ምንትኒ ኢና ኣፍና ሓቲምና ትም ክንብል? ኣብ ኤርትራ፡ ብዙሓት ብሓዯ ጎዴኖም ብትግራይ ዝውሇደ ዯቂ ዒዴናን ጎረባብትናን ነይሮምን ኣሇዉን’ኮ። ከም ሰቦም ኩርዒትን ሕቡናትን ዯኣ’ምበር ዝኾነ ናይ ወሇድ ስክፍታ ኣይነበሮምን። እዚ ግኒ ዯኣ ከመይ ዝኣመሰሇ፡ ብማጨሎትን ዯብተራን ዘይፍወስ ሕማም ኢዩ ሓሚሙ?

ናብዚ ሎሚ በጺሕዎ ዘሎ ጥርዚ ንምብጻሕ፡ ነቶም መንገደ ክፈልጡ ዝኽእለ ኢለ ዝጥርጥሮም ዝነበረ በብዒመቱ እናሇቐሞም ኢዩ ክመጽእ ጸኒሑ ሉቀ-ዱያብሎሳት። ስሇዚ ኣነ ብዛዕባ ወሇድ’ዞም ሰባትን ምትእኽኻባቶም ክጽሕፍ እንከሇኹ፡ ነቲ ተግባር ንምንጻር ዯኣ’ምበር ኣብ መንጎ ህዝቢታት ኤርትራን ትግራይን ንምብኣስ ኣይኮነን። ክልቲኡ ህዝቢታት ኤርትራን ትግራይን ንመዋእል ተኸባቢሩ ዝነብር ህዝቢ ኢዩ። ኣብ መውስቦን ውሊዴን ዝበጽሐ፡ ብፍሊይ ከኣ ህዝቢ ትግራይ ምስቲ ኣብ ከበሳ ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ ሓዯ ዒይነት ቋንቋን ባህሉን ዘሇዎ ህዝቢ ኢዩ። ብዒቢኡ ከኣ ክልቲኡ ህዝቢታት ስርዒት ዯርግ ኣብ ምውዲቕ ብዯም ዝተፈረመ ሰነዲት ኣሇዎ። ስሇዚ ክቡራት ኣንበብቲ፡ ንክልቲኡ ህዝቢታት ዘሇኒ ኣኽብሮት በዚ ኣጋጣሚ እዚ ክገልጽ እዯሉ።

ናብ ጉዲይ ‘ክሻ በል ክትዴረር’ ክንምሇስ። ኣብ ካልኣይን ሳልሳይ ክፋሊት ናይዚ ጽሑፍ እዚ፡ ንውጹእ ብሕትውና ቁጠባ ኤርትራ ብጭፍራ ህግዯፍ ብዝምልከት ክሻ ብቲቪ እቲ ስርዒት ብወግዑ ተሓቲቱ ከም ዝነበረ ርኢና። ሎሚ ክሻ ወይ ኢሳይያስ ከምቲ ዝኣመሰለ ሕቶታት ክሕተቱ ምኸኣለ’ድ? እወ እቲ መልሲ ክሕተቱ ኣይክእለን ኢዮም ከም ዝኸውን ኣይጠራጠርን እየ። ግን ስሇምንታይ ሎሚ ክሕተቱ ዘይከኣል ኮይኑ? ምግባል ናይቲ ተመን ጥራይ ዴዩ ኣርዑደ? ወይስ ኣብ ኣዑንቲ ኤርትራውያን ዝተኾዯመ ኩልመት ኣይእሇን ኢለ? ኢሇ ክሓትት ምዯሇኹ። ኤርትራ ብቃሕታ ሓዯ ሰብኣይ እትመሓዯር ሃገር ኢያ። መዒልታዊ ኩነታት ሃገርና፡ ኢሳይያስ ንግሆ ኣብ ምትንስኡ ኢዩ ዝውሰን። እዞም ኣብ ቆፎ ንህቢ ኤርትራ ዝሰፈሩ፡ መዒርናን ወሊሊናን ዝምገቡ ዘሇዉ ክሻን የማነታትን ከኣ፡ ብሳንቡእ ሓሇቕኦም ኢዮም ዘስተንፍሱ።

እምበኣር ኦ…ኦ…ኦ… ኤርትራውያን ሓመዯ_ዕዯ! ሕመረት ጉዲይና ኣብዚ ኢዩ ዘሎ። ክሻ ብሳሊ ኢሳይያስ፡ ኣብ ሕዛእቲ ሃገርና ዝተፈነወ ስቡሕ ምራኽ ክነሱ፡ ኣብ ክንዱ ልቐቕ ዘይርስትኻ፡ ውረዴ ዘይበቕልኻ ምባል፡ ‘ክሻ በል ክትዴረር’ ኮይኑ መዝሙርኩም። ኩለ ውሽጢን ውሻጠን ንብረት ኤርትራ፡ ልዕሉ መሬትን ትሕቲ መሬትን ዘሎ ባህርያዊ ሃብቲ ኤርትራ፡ ኣብ ባሕሪን ዯሴታትን ቀይሕ ባሕሪና ዘሎ ለል ከይተረፈ፡ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ክሻ ኢዩ ዘሎ።

ገንዘብን ወርቂን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትርኣሱ፡ ንብረትን ሃብቲን ሃገርና ኣብ ጁብኡ፡ ኤርትራዊ ወሇድ ዴማ ኣብ ትሕቲ ጫማኡ ኢዩ ንክሻ። ኩለ ዒይነት ዕዴጊታት፡ ነፈርቲ ኲናት፡ ኩለ ዒይነት ኣጽዋራት፡ ታንኪታት፡ ነዲዱ፡ ሎጂስቲክ፡ መቀያየሪ ኣቑሑት፡ ንብረት ‚ዴኳናት ሕዴሪ‛ ብክታሙ ኢዩ ዝግዛእ። ንኣብነት’ኳ እተን ኣብ እዋን ኲናት ባዴመ ዝተዒዯጋ ሚጋት 29፡ ክሻ ኢዩ ገዚኡወን። ብዴሕሪ 2 ምዕዲጉ ከኣ፡ ንኣዛዚ ሓይሉ ኣየር ዝነበረ ብ/ጀ ሃብተጽዮን ሓዴጉ ፈርም ኢለ ኣፈረሞ።

ስርዒት ክሻ፡ ከም ቁርዱዴ ዯም ህዝቢ ዝመጺ ስርዒት ኢዩ። ኣታዊ ናይ ኣስመራ ፓርኪን 60% ናብ ክሻ ክርከብ እንከሎ፡ እተን ብሰንኪ ምግዲሇን ውሊዴ ዝተሓረማ ገዲይም፡ ኣብ ፓርኪን ዝሰርሓ ተጋዯልቲ ዯቀንስትዮ ከኣ ካብቲ ኣታዊ 40% ይወስዲ ነበራ። ኣብ ዘመነ ክሻ ዘይተነግረ’ምበር ዘይተገብረስ የሇን። ኣብ ግዜ ስርዒት ሃይሇ ስሊሴን ዯርጊን ዘይተሰምዏ ጉዲት ኢዩ ዘሎ። መሸጣ ዯቀንስትዮ ናብ ሃገራት ኣዕራብን ንግዱ ኩሉትን፡ ኣብ ዘመነ ክሻ ኢዩ ተራእዩ። ክሻ፡ የማነታትን ሓሇቕኦምን ክገሹ እንከሇዉ፡ በብዒይነተን ምሩጻት ኣዋልዴ ሒዞም ኢዮም ዝገሹ። ንኣብነት፡ ክሻ ሕጋዊት በዒልቲ ቤቱ ወ/ሮ ኣበበች ኢያ እትበሃል። ኤዯንን ሳባን ዝተባህሊ ኣብ ግዜ መገሻ ዝማልአን ኣዋልዴ ዴማ ኣሇዋኦ። ካብ ኢሳይያስ ጀሚርካ ክሳብ ታሕተዎት ሓሇፍቲ ህግዯፍ ገና ዘይተፈልጡ ብዙሓት ቆልዐት ብወሰን ወሉድም ኣሇዉ። ዝግ ዴሕሪ ዋንጫ፡ ከም ዝበሃል፣ ህዴእ ኢልና ዝገዯዯ ክንሰምዕ ኢና።

ሞባእ ኣብያተ-ክርስትያናት ከይተረፈ ናብ ክሻ ይረከብ ስሇዝተባህሇ፡ ኩለ ኣታዊታት ኣዴባራት ኣብ ትሕቲ ክሻ ይርከብ ኣሎ። እዚ መምርሒ እዚ ምስ ተመሓሊሇፈ፡ ኣብ 2007 ዒ.ም. ኣብ ሕሳብ ቤተ ክርስትያን ኣቡነ ተክሇሃይማኖት ሓዝሓዝ ዝነበረ 600 ሽሕ ናቕፋ ናብ ክሻ ንክርከብ ትእዛዝ ተዋህበ። ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ኣባይቲ ኣዴባራት፡ /ገዲም ጻዕዲ እምባ፡ ገዲም ዯብረ ቢዛን፡ እንዲ ማርያም/ ኣብ ከረን ዝርከብ መሬትን ኣባይትን ገዲም ዯብረ ሲና፡ ‘ካብ ነዊሕ ዒመታት ኣትሒዞም ግብሪ ኣይከፈለን’ ብዝብል ምስምስ፡ ኣብ ትሕቲ ክሻ ካብ ዝኣቱ ነዊሕ ዒመታት ኮይኑ ኢዩ። መንበረ ፓትርያርክ ንምቂጽጻር ከኣ፡ እቲ ከዲዕ ወዱ ከዲዕ ይፍታሄ ዱመጥሮስ ሓሊፊ ምምሕዲር ኣዴባራት ኤርትራ ኮይኑ ተሸመ። ኣብ ምምሕዲር ክራይ ኣባይቲ ወሊ’ኳ ንስሙ ዝተመዯቡ ሓሇፍቲ እንተነበሩ፡ ኩለ ኣባይቲ ብኢዴ ክሻ ንሊዕሇዎት ሓሇፍቲ ህግዯፍ ተዒዯሇ።

ምስ ክሻ፡ ወይ ምስቲ ገስረጥ ፖሉሲ ኣሰራርሓ ህግዯፍ ዘይቃድ ውልቀ-ሰብ ብቀጥታ ካብ ሓሊፍነቱ ተኣልዩ፡ ክዴስክል ወይ ክእሰር ኣሇዎ። ምዴስካል ተኪአ በየነ፡ ብርሃነ ኣብርሀን የማነ ተስፋይን ህያዋን ምስክራት ኢየን። ንኣብነት ኣማሓዲሪ ባንክ ኤርትራ ዝነበረ ተኪአ በየነ፡ ብዛዕባ ናብ ባንክ ኤርትራ ተረኪቡስ፡ እንዯገና ከኣ ናብ ክሻ ዝገዒዘ ገንዘብ ተዛሪቡ ነይሩ። ንሱ ዴማ ኣብ ዒመተ-2002 መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ኲናት 1998-2000 ንዝዒነዉ ናይ ውልቂ ትካሊት መበራበሪ ዝኸውን 126 ሚልዮን ድሊር ናብ ባንክ ኤርትራ ተረኪቡ ነበረ። እቲ ገንዘብ ግን ሽዐ ብቐጥታ ብትእዛዝ ኢሳይያስ፡ ናብ ክሻ ተረከበ። ብተመሳሳሉ ካብ መንግስቲ ኣሜሪካ ንትካሊት ገጠር ተባሂለ ኣብ ዒዒመት ዝልገስ ዝነበረ ገንዘብ፡ ብቀጥታ ናብ ኢዴ ክሻ ኢዩ ዝኣቱ ዝነበረ። ብዛዕባ እቲ ገንዘብ ናይ ሽዐ ኣማሓዯርቲ /ትካል ገጠራዊ ኣሃደ/ /Rurarl Development Unit/ ይተሓተቱ። ኣብ ባንክ ኤርትራ ናይ ወጻኢ ባጤራ ክቕመጥ ፍቑዴ ኣይኮነን። ኣብ ንግዲዊ ባንክ ኤርትራ እውን ካብ ሸርፊን ካብ ወተሃዯራት ዒቀብቲ ሰሊምን /UNMEE/ ዝርከብ ዝነበረ ድሊር፡ ሰሙናዊ ናብ ክሻ ኢዩ ዝኸይዴ ዝነበረ።

ብዴሕሪኡ ኢሳይያስ ኣብ ዝተሳተፎ ኣኼባ ሚኒስትሪ ፋይናንስ፣ ተኪአ በየነ ግርህ ኢለ ከምዚ ክብል ተዛረበ፤ ‚…ንሕና ባንክ ኤርትራ ኢና። ናብዚ ሃገር ብዝተፈሊሇየ መንገዱታት ድሊራት ይኣቱ ከም ዘሎ ንሰምዕን ንርኢን ኣሇና። ነቲ ገንዘብ ከም ሃገራዊ ባንክ መጠን ከነቐምጦ ምተገብአ እመስሇኒ። እቲ ኩለ ድሊራት ግን ኣብ ትሕቲ ህግዯፍ ኢዩ ዝቕመጥ ዘሎ‛ ምስ በሇ፣ ኢሳይያስ ተቐብል ኣቢለ፤

‚…ኣንታ ንስኻ ተኪአ በየነ፡ ብዙሕ ሓሚመ ጸሚመ እውን ተብዝሕ ኣሇኻ። ብዛዕባ ድሊር ኣይገዴስካ፡ ኣመት ጥዕናኻ ጥራይ ግበር፡ ማጨሎት’ውን ተሓጸብ። ኩለ ስራሓትካ ካብ ጽባሕ መዒልቲ ንክብርኣብ ወልዯማርያም ኣረክቦ‛ በሎ። ተኪአ በየነ፡ ብዝወረድ ደቦሊ ዘረባ፡ ሰንበዯን ሓመመን። ብዴሕሪኡ ዴማ ናብ ምዴራስ መጻሕፍቲ ኣተወ። ካብ ሽያጥ መጻሕፍቱ ኣታዊ ንከይረክብ እውን ኣንጻር መጻሕፍቱ ብዙሕ ጎስጓሳት ተገብረ። ከምዚኣቶም ዝኣመሰለ ንክሻ ናብ ዝሇዒሇ ስልጣን ዘዯየቡ ተርእዮታት ብዙሓት ኢዮም። ወይ ዘመነ ‘ክሻ በል ክትዴረር!’

ሞት ክናና ንኢሳይያስ! ይቕጽል . . .

posted by jeberti.com

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *