ኣቶ ካሕሳይ ይሕደጎ ከም መቐጸልታ ናይ’ቲ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኤርትራ ካብ ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ጀሚሩ ንሽጉራት ንምሕጋዝ ከካይዶ ዝጸንሐ ንጥፈታት፡ ኣብ’ተን ካብ ምምሕደራ ስርዓት ህግደፍ ወጻኢ ካብ ዝኾና ዓመታት ዘቑጸራ ዓድታት ክኒን ቅኒቶ ዘሎ ማሕበራዊ ጸገማት ኣብ ምቅላል፡ ካብ ዝተፈላለዩ ፈተውትን ተደናገጽትን ብዘጠራቐሞ ገንዘብ፡ ምስ ህዝቢ እተን ዓድታት ብምርድዳእን ብምትሕብባርን መዋእለ ህጻናት ንምስራሕ ናይ ህንጻ መሳርሒታት ሒዙ ብ17 ነሓሰ 2015 ኣብ’ቲ ቦታ ኣትዩ ድሮ ስራሕ ጀሚሩ ከም ዘሎን ካብ’ቲ ቦታ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ካብ’ቶም ንመህነጺ መዋእለ ህጻናት ዝኸውን ገንዘባዊ ደገፍ ዝገበሩ ተወላዲ ቅኒቶ ዝኾነ ኢንጂኔር ኣድሓኖም ፍትሒ ሓደ ከም ዝኾነ፡ እቲ መዋእለ ህጻናት ኮነ፡ ካልእ ኣብ’ቲ ህዝቢ ዘሎ ከቢድ ማሕበራዊ ጸገማት ንምቅላል፡ እቲ ዝግበር ምድግጋፍ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተመሓሸ ክቕጽል ምኻኑን ሓቢሩ።
ብ18 21 ዓ.ም ዝተመስረተት ኣብ ዓዲ እንግሊዝ እትሕተም፡ ፍልጥቲ ጋዜጣ ዘጋርድያን
ኣብ ዋሕዚ ስደተኛታት ኤርትራ ማእከል ዝገበረ ፍሉይ መደብ ኣካይዳ
ማዕከን ዜና ዘ ጋርድያን: ካብ 17 ነሓሰ 2015 ጀሚሩ ንሰለስተ መዓልታት ዝጸንሐ፡ ኣብ ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ኣብ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላትን፣ ስፖርታውን፣ ባህላውን ካልእ ንጥፈታትን ኤርትራ ብምትኳር ፍሉይ መደብ ከም ዘካየደ ረድዮ ኤረና ብ19 ነሓሰ 2015 ሓቢራ።
ኣብ ብሪጣንያ ዝመደበራ ዘ ጋርድያን ጋዜጣ ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ታሪኻ ንመጀመርያ እዋን ብቋንቋ ትግርኛ ዝተተርጎመ ጽሑፍ ብ17 ነሓሰ 2015 ኣብ መርበብ ሓበሬታኣ ከም ዘቕረበት፡ ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ተሞክሮኦም ዘካፍልል ክፉት ናይ ብሎግ መርበብ ኣዳልያ ከም ዘካየደት ዝገለጸት ኤረና፡ ኣብ ብሪጣንያ ዝርከብ ኤምባሲ ህግደፍ “ማዕከን ዜና ዘ ጋርድያን ኣንጻር መንግስትን ህዝብን ኤርትራ ትሰርሕ ኣላ ክብል ከሲሱ ምንባሩ ኣብሪሃ።
ብካልእ ዜና፡ መራሒ ህግደፍ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ንሕክምናዊ ምርመራ ንምግባር ብ19 ነሓሰ 2015 ኣብ ሃገረ ቐጠር ከም ዝኣተወ እታ ረድዮ ወሲኻ ገሊጻ።
ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡- 21-08-2015