ጉግይ መግለጺ አቦ መንበር ፈጻሚት ሃገራዊ ባይቶን፡ ተሓባበርቲ ውድባትን

ሃገርና ንምድሓን ኩሉ ሓይልና አንጻር ባርባርዊ ስርዓት ህግደፍ ነቕንዕ ዝብል ጭርሖ ብምልዓል፡መሰረታት ባይቶ ሰሜን አሜሪካ ተሪርና ንቃለስ ንብል። ሕጂ’ውን ንድሕነት ህዝብናን፡ ሃገርናን ንምድሓን ዝተጠርነፈ ሓይልና ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ አብ አድማዒ ስራሕ ንምእታው መሰረታት ንሂሩ ክብገስ አለዎ ንብል።
ድሕሪ ህጹጽ ኣኼባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ባይቶ ነብሱ ሰሪዑ፡ንሰክረታሪያ ባይቶ፡ ንፈጻሚት ኣካል፣ከምእውን አሰናዳኢት ሽማግለ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ብሓድሽ መልክዕ ቀሪጹወን። ዕማማተን ኣሰንዩ ድማ ንስራሕ ኣዋፊሩወን።
እንተኾነ ግን ዘራጊ እንከሎ ጽሩይ ማይ አይስተ ኮይኑ ነገሩ፡  ፈጻሚት ሽማግለ 6 ዝአባላታ አብ ክልተ ተመቂላ፡ ከምኡውን ምስ  ኣሰናዳኢት ሽማግለን ምስሕሓብ ተፈጢሩ ጥራሕ ዘይኮነ ክሳብ ሕጊ ምጥሓስ በጺሓ። ኣብ ዝኾነ ማሕበር ወይ ምንቅስቓስ ዘይምርድዳእ ክፍጠር ንቡር እዃ እንተኾነ፡ ሕጋዊ መስርሕ ተከቲልካ ንምፍትሑ አገባብ ምግባር ግን ምርጫ ዘይብሉ መንገዲ  እዩ ።  እንተ ኰነ ግን ገለ ኣቦ መንበር ፈጻሚት ዝመርሖም ጉጅለ ግን ዕላምኡ ብግቡእ ክሳብ ሕጂ ብዘይበጻሕናዮ ጉዳይ፡ነቲ ፍልልያት ክንዲ ናብቲ ሕጋዊ ቦታኡ፡ማለት ናብ ባይቶ ሰክረታርያ ወሲዶም ምፍታሕ፡ኣብ ወብሳይታት ዘለፋን ሓደገኛ ቃላትን ብዝተሓወሶ ንሃገራዊ ሓድነትና ክበታትን ብዝኽእል መንገዲ ገይሮም ዘርጊሖሞ። ሓጺሩኒ እንተበልኩስ ተደቢሩ ይስዕስዕ ኮይኑ ነገሩ፡ ተመሊሶም ሕጂ’ውን ብመንገዲ ፖለቲካዊ ውድባቶም ጌሮም፡ ገለ ሰለስተ ውድባት ሓዊሶም፡እቲ ግጉይ መንገዶም ሕጅውን ቀጺሎሞ።ተወሳኺ  ጽሑፋት ናብ ህዝቢ ዘርጊሖም። ጨጉራፍ ሃሪማ ተእዊ ከምዝበሃል፡ ባዕላቶም አፍረስቲ ሕጊ፡ ተመሊሶም መእወይቲ፡ እዚ ዓቅሞምን ሕልሞምን ዘጋልጽ ስለ ዝኾነ፡ አብ ሃለውለዋቶም አቲና ግዜና ከነጥፍእ አይንደልን።
ከም ኣካል ናይ ህዝቢ መጠን ንሕና’ውን ማዕረ ማዕረኡ ፡ቓል ብቓል ነቲ ግጉይ መስርሖምን ኣረዳድኣኦም ኣብ ሕግታት  ባይቶ ክንምልስ እንኽእል’ውን እንተኾና፡ከም ኣካይድኦም ካብ ምኻድ ተቖጢብና ነቲ ሕጋዊ መስርሕ ናይ ባይቶ ክንሰምዕ መሪጽና ኣሎና። ስለዚ ሕጋዊ ውሳነ ክትግበር ንሰክረታርያ ባይቶ ምጽባይ ምርጫ አገባብ ቃልስና እዩ። ንሕና መሰረታት ባይቶ ሰሜን አሜሪካ ሕጋዊ አሰራርሓ አብ ተግባር ክውዕል አለዎ ኢና ንብል።
ዘይሕጋዊ መንገዲ ተኸቲልካ ምኻድ፡ ሓደው ፡ ሕቡእ ኣጀንዳ ኣሎካ፡ ወይ ድማ ውልቓዊ ዝና ልዕሊ ሃገር ሪኢካ ምኻድ ዝተመርጸ ይመስል።  ነዚ ድኹም ምርጫ ተቢዕና ክንቃለሶ ምዃንና ነረጋግጽ።
ሓድነትና ንዘለኣለም ክነብር ኢዩ!
ብጀጋኑና ዝጀመረ ታሪኽ ሰውራና ሓበና ኢዩ፡
ዝኽርን ሞገስን ንጀጋኑ ስው አትና! 
08/13/2015

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *