ስዑዲ ዓረብ ንኽልተ ኢትዮጵያዊያን ሓዊሱ ንኣርባዕተ ሰባት ኽሳዶምብምቑራፅ ብቕድሚ ትማሊ ረቡዕ ብሞት ቐፂዓ።ኣብ ከተማ ጂዛን ምስኦምብሓባር ተሳሮም ክዝምነበሩ ዝገለፀ ኢትዮጵያዊ መንግስቲ ኢትዮጵያእንተድኣ ዘይበፂሑሎም ካልኦት እውን ተመሳሳሊ ዕፃ ከጋጥሞም እዩ ክብልናይ ብፅሑልና ፃውዒት ኣስሚዑ’ሎ።
ህዝቢ ኣብዝተኣከቦ ብዘስካሕክሕ ኽሳዶም ዝተቖረፁ ኣረጋዊ ወልዱሃይለማሪያምን ሓዱሽተ ዘልኣለንም ዝተብሃሉ ኢትዮጵያዊያን መናእሰይእዮም። ንሓደ ኢትዮጵያዊ ዜጋ ቐቲሎም ብዝብል ከምዝተፈርዶምተፈሊጡ’ሎ።ኣብ ከተማ ጂዛን ምስኦም ተሳሲሩ ከምዝነበረን ብዝግባእከምዝፈልጦምን ዝገለፀልና ብርሃነ ተስፋይ ዝተብሃለ ኢትዮጵያዊ ‘’እፈልጦም እየ፤ኣብ ሓደ ክፍሊ ንድቅስ ነይርና፤ ህዝቢ ኣብዝተኣከቦብዘስካሕክሕ ኽሳዶም ምቑራፆም ዘሕዝን እዩ።’’ኢሉ።
ተኣሲሩዎ ኣብዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ሓደ ሽሕ ኢትዮጵያዊያን እሱራት ከምዘለው ዝሓበረ ብርሃነ ተስፋይመንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ዝፈርዶም ኩሎም ገበነኛታት ምዃኖም ዘይምዃኖም ግቡእ ምፅራይ ከይገበረ ስለዝኣስን ዝፈርድን ተኸታትሊ ዘፃርየልና ወገን የለን ኢሉ።መንግስቲ ኢትዮጵያ ክበፅሓሎም ብተደጋጋሚሓቲቶም እዚ ዝብሃል ፍታሕ ከምዘይተውሃቦም ብምሕባር እቶም ኽሳዶም ዝተቖረፁ ኣብ 30ታት ክሊዕድመ ዝርከቡ መናእሰይ ምዃኖም ሓቢሩ።
ብዝተኣሳሰረ ዜና ሙሻሻ ሓሪሺ ዝተብሃለ ዜጋ ስዑዲ ዓረብ ንኻሊእ ዜጋ እታ ሃገር ቐቲሉ ብዝብልብሞት ተቐፂዑ’ሎ።ኢዝማት ሸሪፍ ዝተብሃለ ፓኪስታናዊ እውን ሓሽሽ ብኮንትሮባንድ ከእቲ ፈቲኑብዝብል ብሞት ተቐፂዑ’ሎ ብመሰረት ፀብፃብ ኣገልግሎ ዜና ፈረንሳይ።
ስዑዲ ዓረብ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ናይ ኣውሮፓዊያን ኣቆፃፅራ ህዝቢ ኣብዝተኣከቦ ኽሳዶም ናይ ዝቖረፀቶም ብዝሒ ሰባት 114 በፂሑ’ሎ ብመሰረት እቲ ፀብፃብ።
