ኣብ ስቶክሆል ሃገረ ሽወደን ብደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ዝተወደበ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻየዱ   Written by ድ.ሰ.ደ.ኤ. Published: 06 August 2015

ስርዓት ኢሳያስ ዝኾነ ሰብ ኣብ ሰሙን ካብ 10,000 ናቕፋ ዝበዝሕ ገንዘብ ካብ ባንኪ ከይወጽእ ከም ዝኸልከለ ምንጭታት ሓቢሮም።

ኣብ ህልዊ ኩነታት ኤርትራ ኣመልኪቶም ዝተዛተዩ ኤውሮጳውያን፡ ኤርትራውያን ተቓሊሶም ንዓታቶም ዝኸውን ተሓታቲ መንግስቲ ክተኽሉ ኣለዎም ክብሉ ገሊጾም።

ኣብ ስቶክሆል ሃገረ ሽወደን ብደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ዝተወደበ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻየዱ

ኣብ ስቶክሆልምን ከባቢኣን ዝርከቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፡ ብሽውደናዊ ኤርትራዊ ጽላል ንደሞክራስያዊ ምዕባለ ዝተወደበ፡ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ዝዓለመ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ብሓደ ነሓሰ 2015 ተኻይዱ።

እዚ ንፖለቲካዊ ውድባትን በርገስ ማሕበራትን ዝሓቖፈ፡ ብሽወደናዊ ኤርትራዊ ጽላል ንደሞክራስያዊ ምዕባለ ዝተወደበ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ ጀኔቭ ዝተጋበኣ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ንጸብጻብ መርማሪ ኮሚሽን ብምድጋፍ ዝተገብረ ‘ሞ ንህግደፍ ዘቃለዐ ዕውት ሰላማዊ ሰልፊ፡ ዝተኻየደን ኣገደሲ መልእኽቲ ዝተመሓላለፈሉን ምንባሩ ኣወሃሃዲ ሽማግለ ናይ’ቲ ሰላማዊ ሰልፊ ብሓደ ነሓሰ 2015 ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ ሓቢሩ።

ህልዊ ኣህጉራዊ ምዕባለ ንቃልሲ ደለይቲ ፍትሒ ዝድርዕ’ዩ፡ ይኹን ደኣምበር ቅድሚ ኣህጉራዊ ምዕባለ ሰጒምና ዕዮ ገዛና ብኣገባብ ፈጺምና ህዝብና ከነድሕን ዝያዳ ብሓላፍነት ክንዋሳእ ኣለና ክብል ድማ ኣስሚርሉ ኣሎ።

ስርዓት ኢሳያስ ዝኾነ ሰብ ኣብ ሰሙን ካብ 10,000 ናቕፋ ዝበዝሕ ገንዘብ ካብ ባንኪ ከይወጽእ ከም ዝኸልከለ ምንጭታት ሓቢሮም።

ኤርትራውያን ነብሶም ንምኽኣል ዝገብርዎ ኩሉ ዓይነት ንጥፈታት ብምቁጽጻር፡ ኣድኪዩ ኣምበርኪኩ ንምግዛኦም ዓሊሙ ክሰርሕ ዝጸንሐ ስርዓት ህግደፍ፡ እነሆ ድማ ሕጂ ልክዕ ከም’ቲ ኣባይቲ ብምፍራስ ስራቤታት ክሳቐያ ክገብሮ ዝጸንሐን ዘሎን፡ ዜጋታት ከክንዲ ዝዓቕሞም ገንዘብ ከየንቀሳቕሱ፡ ሓደ ሰብ ኣብ ሰሙን ካብ 10 ሽሕ ናቕፋ ዝበዝሕ ገንዘብ ካብ ባንኪ ከውጽእ የብሉን ዝብል መምርሒ ኣውሪዱ የተግብሮ ከም ዘሎ ምንጭታት ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ ኣረጋጊጾም።

እዚ ከም’ዚ ዝበለ ስጉምቲ ክወስድ ዝገበሮ ምኽንያት፡ ኣብ ባንክ ሕጽረት ገንዘብ ኣጋጢምዎ ስለዘሎ’ዩ ዝብል ዕላላት’ኳ ዝስማዕ እንተኾነ፡ ብቑም-ነገሩ ግን፡ ብኹሉ-መዳይ ዜጋታት ንምቁጽጻር ዝዓለመ ከም ዝኾነ፡ ናብ’ቲ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም ምሁራት ከም ዝገልጹ እቶም ምንጭታት ይሕብሩ።

በዚ ኣብ ባይታ ወሪዱ ዝትግበር ዘሎ መርምሒ መሰረት፡ እቶም ደሓን ዓቕሚ ገንዘብ ዘለዎም ዜጋታት ኣብ ወርሒ 40 ሽሕ ናቕፋ ጥራሕ ከውጽኡ ከም ዝግደዱ፡ እዚ ቁጠባ ሃገር ከም ዝወደቐ መረጋገጺ’ዩ፡ ቀዳሞት ግዳያት ከኣ፡ ምስ ኩሉ ሽግራቱ ኣብ ስራሓት ንግዲ ዝተዋፈሩ ነጋዶ’ዮም ክብሉ ገሊጾም።

ኣብ ህልዊ ኩነታት ኤርትራ ኣመልኪቶም ዝተዛተዩ ኤውሮጳውያን፡ ኤርትራውያን ተቓሊሶም ንዓታቶም ዝኸውን ተሓታቲ መንግስቲ ክተኽሉ ኣለዎም ክብሉ ገሊጾም።

ሓደ ቢቢሲ ዓለም ዝተባህለ መደብ፡ ዴይት ላይን ለንደን ኣብ ዘርእስቱ ንኡስ መደብ፡ ብሓደ ነሓሰ 2015   ዋሕዚ ስደተኛታት ኤርትራ ጠንቁን መፍትሒኡን ኣመልኪቱ፡ ናብ’ቲ ጉዳይ ቅርበት ንዘለዎም ገለ ኤውሮጳውያን ዓዲሙ ከምዘመያየጠ፡ ኤርትራውያ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት ዳግም ክጣየሱ ዘለዎም መሰል ሕልዊ’ዩ፡ እንተኾነ ንኤውሮጳዊት ሃገረ ግሪኽ ክትከውን ዘይከኣለት ኤውሮጳ ንኤርትራውያን ክትከውን’ያ ኢልካ ምሕሳብ ኣጸጋሚ’ዩ ኣብ ዝብል ሓበራዊ ተረድኦ ከም ዝበጽሑን፡ እቲ መሰረታዊ ፍታሕ ኤርትራውያን በዓላቶም ተቓሊሶም ንዓታቶም ዝኸውን ተሓታቲ መንግስቲ ከጣይሱ ኣለዎም ከም ዝበሉን ቢቢሲ ጸብጺቡ።

ብካልእ ዜና 1800 ዝኾኑ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት፡ ከጋጥም ይኽእል ካብ ዝነበረ ሓደጋ ምጥሓል ድሒኖም ብ2 ነሓሰ 2015 ናብ ሃገረ ኢጣልያ ከም ዝኣተው፡ ንሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ ጠቒሱ ኣገልግሎት ዜና ሮዩተርስ ሓቢሩ።

ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡-

05-08-2015

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *